የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4600555
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
988
5928
12042
4567652
38520
77308
4600555

Your IP: 54.163.61.66
2017-12-13 09:08

ገዛና ወይ ገንዘብና ?

here we go
selam new

    መሬት እንተተህቡናስ ንሕና እውን ዛጊድ ኣብዚ ምበፃሕና (ሕቶ ኣባላት ካልኣይ  ዙር)

ወዲ ኣሉላ ካብ መቐለ

ሰላም ከመይ ኣለኹም እንዳ ምስንዳእ ጋዜጣ ወይን? ፈለማ ዝኸበረ ሰላምታይ ከብፅሕ እሞ ጋዜጣ ወይን ብተኸታታሊ የንብብ እየ። በብእዋኑ ሒዛቶም እትወፅእ ዛዕባታት መሃርትን መዘናጋዕትን እዮም። ስለ ዝኾነ በብሕታሙ ከይሓልፈኒ ኣብቲ ዝሰርሓሉ ቤት ዕዮ ንዋህዮና ካብ ዝመፅእ ጠለብ ብተወሳኺ ውልቀ ዓመታዊ ክፍሊት ኣቐዲመ ስለዝኽፈልኩ ናይ ብሕተይ ጋዜጣ ተፈልያ እያ እትወሃበኒ። እንተኾነ ክሳብ ሐዚ ኣንባቢ እንበር ተሳታፊ ኣይነበርኩን። ሐዚ ግን ሓደ ዘሳትፍን ሕቶ ብዙሓት ወገናት ኮይኑ ዘሎን ዛዕባ ስለዝረኸብኩ ብርዒ ምስ ወረቐት ኣዋሲበ ሓደ ትሕዝቶ እልእኽ ኣለኹ እሞ ዝእረም ኣሪምኩም ከም ዝኸውን ገይርኩም ንንባብ ክተብቅዑለይ ሓደራ እብል። ምኽንያቱ እቲ ዛዕባ ዝምልከቶ ኣካል መብርሂ ክህበሉ ዝግባእ ረዚን ጉዳይ ከምዝኾነ እውን ኣገንዝብ።

ኣብ ክልልና ትግራይ ደረጃ ምኽታም ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ኣብ ከተማ ዝነብር ሕብረተሰብ ብቑፅሪ እናዛየደ ይኸይድ ኣሎ። መረዳእታታት ከም ዘመላኽትዎ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ 110  ናይ ምክታም ኣፍልጦ ዘለወን ከተማታት እንትህልዋ ኣብዚኣተን ናብ ሓደ ነጥቢ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝኸዉን በዝሒ ህዝቢ ከም ዝነብር ድማ ይግመት።  ብፍላይ ምስ ስግግር ኢንድስትርያላዊ ልምዓት ተኣሳሲሩ ኣብ ከተማታት ዝነብር ሕብረተሰብ ይዉስኽ ምህላዉ ዝረአ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት እዩ። ይኹን እምበር ኣብተን ከተማታት ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ምስ በዝሑ ዝመጣጠን መንበሪ ገዛ ጠለብን ኣቕርቦትን ክመጣጠን ኣይከኣለን። ከምኡ ብምዃኑ ሕቶ ህዝቢ ኮይኑ ኣብ ገለገሊኡ ድማ ክሳብ ከም ሓደ ፀገም ሰናይ ምምሕዳር እናኾነ ዝግምገመሉ ኩነታት እዩ ዘሎ።

ናይቲ ፀገም መንቀሊ እንታይ እዩ ኢልካ እንትርአ በቲ ሓደ ገፅ  ውሽጣውን ግዳማውን ወሰኽ በዝሒ ኣብ ከተማ ዝነብር ሕ/ሰብ ይኸውን። በቲ ኻልእ ገፅ ድማ  ህንፀት ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ ጠጠው ኢሉ ምፅንሑ ዝወለዶ እዩ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ቐረብ መሬት ከተማታት ዝርአ ሕፅረት፣ ነባር ትሕዝቶታት መሬት ኣፃፊፍካ ዉሕስነት ሃልዩዎ ክህነፅን ግልጋሎት ክህብን ኣብ ምግባር ዝነበረ ምጉታት እውን ካልእ መንቀሊ እቲ ፀገም እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ካብ ገጠር ናብ ከተማ ዝኣተዉ ቦታታት ምስፋሕ ኢሉ እውን ዉዑይ ምንቅስቓ ንግዲ  ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ዘጋጥሙ ናይ  ግልጋሎት ለውጢ ማለት ካብ መንበሪ ናብ ናይ ንግድን ካልእ ስራሕን ግልጋሎትን ምቕያር ዝወለዶ እዩ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ትግራይ በብከባቢኡ ነባሪ ከተማ ዝኾነ ህዝቢ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ቁፅሩ ብዝወሰኸ መጠን ዝሓቶም ብዙሓት ሕቶታት ነይሮምዎ ሕዚ እውን ኣለዉዎ። ንኣብነት ቀረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ፣ ዝርግሐን ኣገልግሎትን መብራህቲ፣ ፅርየቱ ዝሓለወ ሽፋንን ዝርግሐን መንገዲ፣ ስነ ፅባቐ ከተማ፣  ዝኣመሳሰሉ ጉዳያት ብነበርቲ ከተማ እናተደጋገሙ ክለዓሉ ዝፀንሑን ሕዚ እውን ሕቶ ህዝቢ ኮይኖም ብስፍሓት ዝቕፅሉ ዘለውን እዮም። እዚኣቶም ከምዘለውዎ ኮይኖም፣ እቲ ኣብዚ ትሕዝቶ ከልዕሎ ደልየ ዘለኹ ዛዕባ ብዛዕባ መንበሪ ኣባይቲ ነበርቲ ከተማ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ መቐለ ብማሕበር ተወዲብና መሬት ክወሃበና ገንዘብ ከፊልና ናይ እንፅበ ዘለና ማሕበራት ጉዳይ ዝምልከት እዩ።

ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ ኣብ ካልኦት ከተማታት ትግራይ ምስ መንበሪ ኣባይቲ ተዛሚዶም ዝለዓሉ ሕቶታት ከምዘለው ኮይኖም ኣብታ ርእሰ ከተማ ትግራይ ዝኾነት “ሰሜናዊት ኮኾብ” ከተማ መቐለ ብነበርታ ተደጋጊሞምን በዝሒ ብዘለዎ ነባራይን ህዝቢ ማዕረ እቲ ቀረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ፣ ዝርግሐን ኣገልግሎትን መብራህቲ ይኹን ካልኦት መሰረታዊ ዋኒናት ዝሓቶ ሕቶ ጉዳይ መንበሪ ኣባይቲ እውን ብስፍሓት ሕትኡ ገይሩ ብተደጋጋሚ ዝሓቶ ግን ድማ መሊኡ ዘይተመለሰ ጉዳይ እዩ። ሕቶ ህዝቢ ክምለስ ሓላፍነት ዝሓዘ መንግስቲ ድማ ክንዲ ዝከኣል ብቐሊሉ ክፍትሑ ዝግብኦም ፀገማት እናፈትሐ ዝመፅአ ኮይኑ ክሳብ ሐዚ ሕቶ እምበር ዘላቐ መፍትሒ ዘይረኽቡ ጉዳያት ምህላዎም ከዓ መንግስቲ ይኹን ነባሪ ህዝቢ ከተማ መቐለ ኣፀቢቑ ይፈልጦም። ንኣብነት ጉዳይ ፅሩይ ዝስተ ማይ መቐለ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ዝለዓል ሕቶ ካብ ምዃን ሓሊፉ ክሳብ ሐዚ መሰረታውን ዘላቕን ፍታሕ ኣይረኸበን። ጉዳይ መንበሪ ኣባይቲ እውን ብተመሳሳሊ ዝግለፅ ፀገም እዩ። እዚ ፀገም ብፍላይ ነቲ ማእኸላይን ታሕተዋይን ደረጃ መነባብሮ ዘለዎ ህዝቢ ኣዝዩ እናሃሰዮ ዝርከብ ፀገም እዩ።

እቲ ጉዳይ ከቢድ ዋላ እኳ እንተኾነ ነቲ ፀገም ዝተገንዘበ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ 2009 ዓ.ም ንሕቶ መንበሪ ኣባይቲ ክምልስ መምርሒ ኣዳልዩ ምሃብ ርእሰ ሓገዝ መንበሪ ኣባይቲ ንነበርቲ ከተማ መቐለ ሓደ ኢሉ ምጅማሩ ዝዝከር እዩ። በዚ ድማ ነቲ ሰናይ ተግባር ዝፈፀመ መንግስትና በቲ ግዘ “የዒስ፣ መንግስትና የለምልም” ተባሂሉ። መንግስቲ እውን ቃሉ ኣየዕበረን ኣብ ፈላማይ ዙር ዕደላ ብ569 ማሕበራት ዝተወደበ ልዕሊ 11 ሽሕ ወገን ተረባሒ ዝኾነሉ “ሚዘር” ተባሂሉ ኣብ ዝተሰየመ ፍሉይ ቦታ መቐለ ኣብ ፅባሕ እታ ታሪኻዊት ዝኾነት 11 ለካቲት 2009 ዓ.ም ነይሩ ዕደላ ቀዳማይ ዙር ዝተሳለጠ። ማሕበራት ቀዳማይ ዙር ዘዝበፅሐን ቦታ ፈሊጠን ኣቐዲመን ብማሕበረን ዘዋፅአኦ ገንዘብ ሒዘን ህንፀት ገዛውተን ናብ ዝጅምራሉ ምርብራብ  ኣትየን። ነዊሕ ኣይፀንሐን ከባቢ ባሕቲ ግንቦት 2009 ዓ.ም ዳርጋ ኩለን ማሕበራት ክበሃል ይኽእል ህንፀት ኣባይተን ጀሚረን። እቲ ክያዶ ፅቡቕን መንግስቲ እውን ዝተመስገነሉን ስራሕ ኮይኑ። ሐዚ እውን ከይዲ ህንፀት መንበሪ ኣባይቲ ርእሰ ሓገዝ ቀዳማይ ዙር ፅቡቕ ይኸይድ ምህላው ኣብ ፈላማይ ሰሙን ወርሒ ጥቅምቲ 2010 ብመራኸብቲ ማዕኸናት ተመሓላሊፉ ከም ሓደ ወገን እውን ተሓጒሰሉ። ናብቲ ህንፀት ዝካየደሉ ከባቢ ከይድካ ብዓይንኻ እንትትርኢ እውን ኣብ ሃይሃይታ ስራሕ ምህላው ምንቅስቓስን ለውጥን እቲ ከባቢ ዘመላኽት እዩ። “ቀዳማይ ዙር ዝኣተው ኣባላት መሬት ተዓዲሎም!” ኢልካ እውን መንፈሳዊ ቅንኢ ትፈጥር።

እቲ ሐዚ ከልዕሎ ደልየ ዘለኹ ናሃተይ ናይ ብሕተይ ሕቶ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ልዕሊ 400 ማሕበራትን ኣብ ውሽጠን ናይ ዝተሓቖፍና ልዕሊ 8‚000 እንኸውን ኣባላት ማሕበርን ካልአይ ዙር ርእሰ ሓገዝ ህንፀት ኣባይቲ ከተማ መቐለን ዝምልከት ሕቶ እዩ። “ገዛና ወይ ገንዘብና?” ክብል ድማ ተገዲደ። እቲ ጉዳይ ፍሉጥን ብመራኸብቲ ሓፋሽ እውን ዝተቓልሐን እዩ። ኣብ ከተማ መቐለ እንነብር ኣብ ዝተፈላለየ ስራሕቲ እንሰርሕ ከምኡ እውን መምርሒ ዝፈቕደሎም ካብ መቐለ ወፃኢ ዝኾኑ ወገናት “ደድሕሪ ማሕበራት ቀዳማይ ዙር ብማሕበር መሬት መስርሒ ገዛ ክወሃበኩም ስለዝኾነ ተወደቡ” ተባሂልና። ቅልጣፈ ስራሕን መልሲ ሕቶ ህዝብን ቀዳማይ ዙር ርኢና ድማ ኣባላት ካልኣይ ዙር ዝኾና ወገናት መምስ እንፈልጦ ሰብ ሕብረት ብምፍጣር ማሕበራት መስሪትና። በዚ ድማ ናተን ዝተመደብናለን ማሕበራትና ነናይ ባዕልና ስምምዕነት ብምሓዝ ስያመ ማሕበር ሂብናየን። ገሌና ተለቂሕና፣ ገሌና ንብረትና ሸይጥና፣ ገሊኡ ፅቡቕ ናይ ምቑጣብ ልምዲ ዝነበሮ ሰብ እውን ኣቐዲሙ ዝቖጠበን ገንዘብ ኣትሒዝና ሕጋውነት ኣውፂእና ብማሕበር ተወዲብና።

በቲ ግዘ ንመመዝገቢ ኣባልነት ዝኸኣለ ወይ ዓቕሚ ዝረኸበ 120 ሽሕ ብር ከፊሉ። ዓቕምና ንእስ ዝበለ ድማ እታ ዝተሓተት (ዝነኣሰት) መመዝገቢት ዝተብሃለት 48 ሽሕ ብር ምስ ንካሕሳ መሬት ክኽፈል ዝተብሃለ 5000 ብር ድምር 53 ሽሕ ብር ናብ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ኣታዊ ግበሩ ምስተብሃልና ብመሰረት መምርሒ ብሕጋዊ ቅብሊት ኣታዊ ገይርና። እዚ ዝገበርናሉ ወርሒ መጋቢት 2009 ዓ/ም ምዃኑ እዩ። ካብ መጋቢት 2009 ዓ/ም ክሳብ እዛ ፅሕፍቲ ዝፀሓፍኩላ ወርሒ ጥቅምቲ 2010 ዓ/ም ዝሓለፉ ኣዋርሕ በዝሖም ሸሞንተ ወርሒ እዩ።

ብመሰረት እቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ መጠን ገንዘብ እንተንኣሰ ኣብ ሓደ ማሕበር ማለት ድማ ብዝነኣሰ ክፍሊት 53 ሽሕ ብር ሒሳብ ሓደ ሚልዮንን 60 ሽሕን ብር ናብ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ኣታዊ ከም ዝተገበረ ምግንዛብ ይክኣል።እዚ ብዝንኣሰ መጠን እዩ እምበር ካብ ማሕበርና ኣታዊ ዝተገበረ ግን ልዕሊኡ እዩ። ንሱ እውን 11 ኣባላት ብ120 ሽሕ ብር ትሽዓተ ኣባላት ድማ 53 ሽሕ ብር ኢና ኣታዊ ገይርና። እዚ ማለት (11 ኣባላት ብ120 ሽሕ ብር ኣታዊ ዝገበርዎ መን ገንዘብ ሓደ ሚልዮንን 320 ሽሕ ብርን ከምኡ እውን ትሸዓተ ኣባላት ኣታዊ ዝገበርዎ 53 ሽሕ ብር= ብድምሩ 477 ሽሕ ብር እዩ ዝኸውን።ብመሰረት እዚ ጠቕላላ ካብ ማሕበርና ሓደ ሚልዮንን 797 ሽሕን ብር እዩ።

ከምዘለኒ ሓበሬታ ድማ ኣብ ካልኣይ ዙር ዝተመዝገባን ኣፍልጦ ዝተውሃበንን በዝሒ ማሕበራት ልዕሊ 400 እየን። ከም ዘለኒ ሓበሬታ በዝሒ ኣብ ካልኣይ ዙር ዝተወደባ ማሕበራት ልዕሊ 400 ዋላ እንተኾና ብ400 ከም መበገሲ ክወስድ እሞ ኣብዚአን 8000 ኣባል ኣሎ ማለት እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ሓደ ማሕበር 20 ኣባላት እዮም ክውደቡ ዝግባእ። ኣብ ውሽጢ 400 ማሕበራት ዝተወደበ በዝሒ ኣባል በቲ ኣብ ማሕበርና ዘሎ ኣባል ኣታዊ ዝገበሮ መጠን ገንዘብ እንተይኮነስ በታ ዝንኣሰት 53‚000 ብር እንተወሲድናዮ ድማ ካብ ሓደ ማሕበር ሓደ ሚልዮንን 60 ሽሕን ብር ኣታዊ ክኸውን ምኽኣሉ ንግንዘብ። በዚ ኣገባብ እዚ ካብቲ ከም መበገሲ ዘቕመጥኩዎ ኣብ 400 ማሕበራት ዝተወደበ 8‚000 ኣባል (8‚000 ኣባላት ዘዋፀእዎ መጠን ገንዘብ እንትባዛሕ 53‚000 ብር ድምሩ 424 ሚልዮን ብር ) ናብ ደደቢት ማክሮ ፋይናንስ ኣታዊ ኮይኑ ኣሎ ማለት እዩ።

ስለዚ እቲ ገንዘብ፣ ገንዘብ ዝተፈላለየ ፀገም ናብራ ዘለና ሰባት እዩ። መሬት ብእዋኑ ክወሃበና፣ ገዛ ክንሰርሓሉ፣ ገዛ ሰሪሕና ካብቲ ወግሐ ፀብሐ “ማይ ኣፍሲስኩም”፣ “መብራህቲ ኣጥፍኡ”፣ “ክራይ ገዛ ወስኹ” እንበሃለሉ ዘለና ገዛ ክራይ ከናግፈና ዝኸፈልናዮ ገንዘብ እዩ። “ኣብ ልዕሊ ድኽነተን ምራኸን ትሞተን” ከምዝበሃል ናብራ ከተማ ፀርፀር እናበለና ካብ ዝእረ ኣራሪና ዝኸፈልናዮ ገንዘብ ወለድ ይሕሰበሉ ድዩ ዘሎ ወይስ መኻን ገንዘብ እዩ? እዚ ሓደ ሕቶይ እዩ።

ካልኣይ፣ ብስሩ እቲ ካልኣይ ዙር ዕደላ መሬት መስርሒ ገዛ ርእሰ ሓገዝ ደሃዩ ኣሎ ዶ? ኣብዚኣ መልሲ ክትህቡና ትፅቢት እንገብረልኩም ትካላትን ኣብያተ ዕዮን መልሲ ሃቡና። ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ፣ ምምሕዳር ከተማ መቐለ፣ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዳስትርን፣ ኤጀንሲ ልምዓት ኣባይቲ ክልል ትግራይ ዝኣመሰልኩም ትካላትን ኣብያተ ዕዮን መልስኹም ንፅበ ኣለና። እቲ ሕቶ ቀሊል ሕቶ ኣይኮነን። ቅልጡፍ መብርህን መልስን ዘድልዮ ውራይ ብዙሓት እዩ እሞ መልስኹም ሃቡናታ። እንዳ ምስንዳእ ጋዜጣ ወይን እውን ነዚ ሕቶ ኣብ ጫፍ ክሳብ ዝበፅሕ ተኸታቲልኩም መልሲ በዛ ንፈትዋ ጋዜጣ ከም እትእንግዱና ትፅቢትናን እምነትናን እዩ። ደሓን ቀንዩ!


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 966
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010