የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4600553
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
986
5928
12040
4567652
38518
77308
4600553

Your IP: 54.163.61.66
2017-12-13 09:07

ሰናይ ምምሕዳር፤ ጉዳይ ምንባር ዶ ዘይምንባር?

here we go
selam new

 

“’ሰናይ ምምሕዳር የለን’ እንትብሃል ሰብ ኣቕሊሉ ይርእዮ ይኸውን። ከም ናተይ ርእይቶ፣ ናይ ሰናይ ምምሕዳር ምስኣን መዘዝ እዩ እዚ ኹሉ ፀገም። ‘ሰናይ ምምሕዳር የለን’ ማለት እንታይ ማለት እዩ?... ኣብ መን? . . .ጥራይ እግርኻን ጥራይ ካብድኻን ምቅላስ ከምዝካኣል ኣብዘርኣየ ህዝቢ? . . . ምቅላስ ጥራሕ ዘይኮነስ ተቓሊሱ ጭቡጥ ውፅኢት ዘምፀአ ህዝቢ? ንባዕሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኹሉ ድኻን ውፁዕን ኣብነት ኮይኑ ተስፋ ዘመሃረን ዘርኣየን ህዝቢ ‘ሰናይ ምምሕዳር እያ ስኢኑ!’ እንትበሃል ይጎድኣካ እዩ፤ የሕዝን እዩ ብጣዕሚ።”

እዚ ሓሳብ እዚ ተጋዳሊት ነፃነት ኣስፋው ኣብ ህልው ፖለቲካዊ ኩነታት ክልልናን ሃገርናን ኣመልኪታ መስከረም 2010 ኣብ ዝተሓተመ መፅሄት ወይን ካብ ዝሃበቶ ቃለ መሕትት ዝተወሰደ እዩ። ከምቲ ተጋዳሊት ነፃነት ዝበለቶ፣ ብዘረባን ፅሑፍን ዘይኮነስ ደሙን ዓፅሙን ከስኪሱ ብተግባር ዝተቓለሰን ብቕልፅሙ ሰላም፣ ልምዓት ኮነ ዴሞክራሲ ዘረጋገፀን ህዝቢ “ሰናይ ‘ምምሕዳር ስኢነ’” ኢሉ ዓው ኢሉ እንትዛረብ የስንብድ እዩ፤ ግን ይዛረብ ኣሎ። እቲ ዝገርም እቲ ህዝቢ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ሰናይ ምምሕዳር ከንግስ ተልእኾ ዝተውሃቦ ፈፃሚ ኣካል ይኹን ነዚ ዝቆፃፀር ውድባውን መንግስታውን መሓውር እውን “ሰናይ ምምሕዳር ኣየንገስናን፤ እኳ ደኣስ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር ይውሕጠና ኣሎ” ካብ ዝብል ዓመታት ይሕምበቡ ኣለዉ።

ግን ንምንታይ?፣ ዓመት፣ ዓመት “ፀገምካ እናኣመንካ” ግን ካዓ ፀገምካ ከይፈታሕኻ ምጉዓዝ ክሳብ መዓዝ? ብፍላይ ሎሚ፣ እታ ‘ምስ ፀገምካ ምጉዓዝ’ እውን ክሳብ ሕዚ ኣምፂኣትና ክትከውን ትኽእል ትኸውን እንበር ካብ ሕዚ ንደሓር እትህሉ ኣይትመስልን። ምኽንያቱ ጉዳይ ሰናይ ምምሕዳር ጉዳይ ዴሞክራሲ፣ ጉዳይ ሃገር፣ ጉዳይ ህልውና ማለት ከምዝኾነ ስለዝፍለጥ።  ሰናይ ምምሕዳር ወይ ከዓ ዴሞክራሲ ዘይምህላው ማለት ህላወ ሃገርና ኣብ ሕቶ ምልክት ከምዝኣቱ ተፈቲሑ ዝሓደረ ሓቂ እዩ።

ሚኒስቴር ሓበሬታ ኢትዮጵያ ብ1994 ዓ.ም “ጉዳያት ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ሃገርና” ኢሉ ኣብ ዘውፀኦ መመያየጢ ሰነድ፤ ጉዳይ ዴሞክራስን ሰናይ ምምሕዳርን ኣብ ሃገርና፣ ጉዳይ ህለውና ከምዝኾነ ኣስሚሩሉ ነይሩ። ይኹን እንበር ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ፀገም ሰናይ ምምሕዳር ፈጢጡ ከም ዝወፀን ካብ መሰረቱ  ምፍታሕ ከምዘድልዮን ከዓ ከም መንግስቲ ተዘሪብሉ። ይኹን እንበር ርኡይ ለውጢ ኣይመፀን፤ እኳ ድኣስ ገዲዱ። ኣብ መረፃ 2002 ዓ.ም እንተኾነ እውን ኢህወደግ “ቀንዲ ፀገመይ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር እዩ” ኢሉ ደምዲሙ። ይኹን እንበር ብድሕሪኡ ዘሎ ምምሕያሽ እንተኾነ እውን እቲ ሕዚ ዝረአ ንድሕሪት ምንቁልቋል ጥራሕ እዩ።

ንኽልልና ዝመርሕ መንግስትን ውድብን እውን እንተኾነ በብእዋኑ ኣብ ዘሳልጦም መድረኻት ምንጪ ኹሉ ፀገማቱ ‘ብሰንኪ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር’ ዝመፀ ምዃኑ ከይደምደመ ሓሊፉ ኣይፈልጥን። ኩሉ ገዲፍና እቶም ኣብ ታሪኽ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ዓብዪ ትርጉም ዘለዎም ዝሓለፉ ጉባኤታት ውድብና እኳ እንተርኢና (ብፍላይ እቶም ድሕሪ ዓወት ዝነበሩ) ሰናይ ምምሕዳር ከም ኣጀነዳ ከየቐመጡን፣ ፀገም ሰናይ ምምሕዳር እንተዘይተፈቲሑ ፀገም ዕብየትናን ስርዓትናን ከምዝኾነ ከይተደምደሙን ሰጊሮም ኣይፈልጡን። 

ንኣብነት ኣብቶም ናይ መወዳእታ ሓሙሽተ ውድባዊ ጉባኤታት ጥራሕ እኳ እንርኢና ምስዚ ሓቂ ኢና ንፋጠጥ። ብ1999 ዓ.ም ዝተኻየደ ሻሙናይ ውድባዊ ጉባኤ ህወሓት ቀንዲ ትኹረት ‘ህንፀት ዴሞክራስን ሰናይ ምምሕዳርን’ እዩ ነይሩ። ብፍላይ ድሕሪ ተሃድሶን ድሕሪ መረፃ 97 ዝተሳለጠ ምስ ምንባሩ፤ ተመሊሱ ከምኡ ዓይነት ቅልውላውን ኣንጃነትን ከይፍጠር፣ ኣብ ገጠር ይኹን ኣብ ከተማ ፓኬጃት ሰናይ ምምሕዳር ክጣየሽን  ክሳብ ስጉምትታት ተወሲዱ ህዝቢ ዝተሳተፈሉ መሰረታዊ ለውጢ ክመፀእን እዩ ተደምዲሙ። ይኹን እንበር ክንድእቲ ዝተዘረበሉን ዝተዘተየሉን እቲ ለውጢ እንትመፅእ ኣይተርኣየን። ኣብ 2001 ዓ.ም ዝተሳለጠ ታሽዓይ ጉባኤ እውን እንተኾነ ንልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ከም ቀንዲ ጠመተ ወሲዱ፤ ኣብ ከተማ ከምቲ ናይ ገጠር ውዑይ ቃልሲ ሰናይ ምምሕዳር ከምዘየለ ደምዲሙ እዩ ሓሊፉ።

እዚኣቶም ጥራሕ ዘይኮኑስ እቲ ኣብ ፅባሕ መረፃ 2002 ዝተኻየደን መደባት ሓሙሽተ ዓመት ዘነፀረን  ዓስራይ ውድባዊ ጉባኤ እንተኾነ እውን ንሰናይ ምምሕዳርን ሓደጋ ኣካብነት ክራይን ገዚፍ ትኹረት ዝሃበ እዩ ነይሩ። ምንጭታት ቀጠፍጠፍን ፅግዕተኛ ኣረኣእያን ተግባርን ኣካብነት ክራይ ብፈላይ ኣብ ከተማ ጎሊሁ ከምዝዓንበበ እዩ ተገምጊሙ። መፍትሒኡ ከዓ ሓፋሽ ናብ ውዑይ ቃልሲ ኣእቲኻ ቃልሲ ክውላዕ ብምግባር፤ ዕድሚኡ ዝኣኸለ ፈፃሚ ክሸጋሸግ ዘይከኣለ ከዓ ዝውገደሉ ኩነታት ፈጢርካ መሰረታዊ ለውጢ ክመፅእ ዝለዓ ቃልሲ ከምዘለድሊ ደምዲሙ። መበል ዓሰርተ ሓደን ዓሰርተ ክልተን ውድባዊ ጉባኤታትና እውን ከምኡ ሰናይ ምምሕዳርን ነዚ ምኽንያት ዝኸውን ዘሎ ኣካብነት ክራይን ቀንዲ ፀገመይ እዩ ኢሉ ወሲዱ ሓሊፉ። ንምዝኽኻር ዝኣክል “መሬት ቁፅሪ ሓደ ምንጪ ናይ ኣካብነት ክራይ ትኸውን ኣላ” ኢሉ ኣብ ዙርያ መለሽ ሰናይ ምምሕዳር ዝላ ከም ዘድሊ ወሲኑ እዩ ወፂኡ።

እቲ ዝገርም እዚ ኹሉ ግዜ ዝፍለጥ ግን ከዓ ዘይተቐረፈ ፀገም፣ በብግዚኡ “ጅማሮ እንበር ዝላ ኣየምፃእናን” ዝብል ድምዳመ እናተወሃቦ ይቕፅል ምህላዉ እዩ። “ንምንታይ” ንዝብል ሕቶ እውን “እቶም ከም መፍትሒ ተባሂሎም ዝቕመጡ ኣንፈታት ኣብ ምትግባር ናይቲ ፍፃሚ ድኽመት ስለዘሎ እዩ” ዝብል መለሲ እናተወሃበ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። እዚ ንህዝቢ ከዕግብ ዝኽእል ምላሽ ክኸውን ኣይኽእልን። ብርግፅ በብግዜኡ ዝረኣዩ ለውጥታት የለዉን ማለት ኣይኮነን። እቶም ለውጥታት ግን ነቲ በቢመዓልቱ እነመዝግቦ ዘለና ካብ ዓለም ዝፅራሕ ገዚፍ ቁጠባዊ ዕብየት ተቐቢሉ ዘተኣናግድን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘዝልልን ኣይኮነን እዩ ትነጥቢ። መብዛሕትም ዓበይቲ ፖለቲካዊ ኮነ ቁጠባዊ ትካላት፣ ወይ እውን ምዕቡላት ኮነ ዘይማዕበላ ሃገራት ኣብ ስርዓተን ንሰናይ ምምሕዳር ቀዳምነት ይህባ። ዓለም ለኻዊ ዋዕላ High level FORUM on Aid Effectiveness  ከም ዘመላኽቶ ጉዳይ ሰናይ ምምሕዳር “ጉዳይ ህላወ ሃገርን ህዝብን እዩ” ይብሎ። ኣብ መብዛሕትኡ ዋዕላን ዛዕባን ሰናይ ምምሕዳር ከም መወከሲት እትቐርብ ናይ ነባር ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣይተ ኮፊ ኣናን ኣበሃህላ እውን ኣላ። “ጉዳይ ሰናይ ምምሕዳር፣ ንምጥፋእ ድኽነት ኮነ ንምምፃእ ዕብየት ‘ሓደ መስርሒ እዩ’ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ዓይነ - መርፍእ (ቀንዲ ቁልፊ) መሳርሒ እዩ’ ኢልካ ይውሰድ” እትብል። 

ናባና እንትንመፅእ፤ ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ሓደ ብልክዕ እቲ ዝሓሰብናዮ መሊኡ ከይዕወት ካብ ዝገበሩ ነጥብታት ሓደ ጉድለት ሰናይ ምምሕዳር ከምዝኾነ ኩልና እንፈልጦ ሓቂ እዩ። ሕዚ እውን እዚ መስተኻኸሊ እንተዘይተገይርሉ ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ክልተ ከዳኽም ይኸእል እዩ ጥራሕ ዘይኮነስ ብቑጠባ እናዓበና ከለና ክንበታተንን ክንጠፍእን ናብ እንኽእለሉ ሓደጋ እንኣትወሉ ምልክታት እውን ይረአ እዩ ዘሎ።

ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ሃገርና ጠቕሊሉ ክጠፍእ ወይ ንምልክት ክረአ የብሉን ንምባል ደሊና ኣይኮንናን “ለውጢ ኣይመፀን” እንብል ዘለና። ከምቲ ተጋዳላይ መለስ “ሰናይ ምምሕዳር እንበር ‘ስእነት ሰናይ ምምሕዳር ነዓና ብርቂ ክኾነና ኣይኽእልን” ዝበሎ፤ ኣሽንባይ ኣባና ኣብተን ማዕቢለን ዝበሃላ ሃገራት እውን ጠቕሊሉ ክጠፍእ ዝከኣል ነገር ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፣ ኣዚኻ ምቕናስ ግን ይከኣል እዩ።  ምቕናስ ማለት ንስርዓትና ሓደጋ ናብ ዘይኾነሉ ብርኪ ምውራድ ማለት እዩ። በቲ ሕዚ ዘለዎ ኩነታት እንተደኣ ቀፂሉ ግን ከምቲ ኣብ መእተዊ ፅሑፍና ብተጋዳሊት ነፃነት ዝተገለፀ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር መዘዝ ናይቶም ኩሎም ኣብ ሃገርና ዝኽሰቱ ዘለዉ ፀገማትን እዩ ጥራሕ ዘይኮነስ እዛ ሃገር ናብ ምብትታን ገፃ ክወስድ ዝኽእል ሓደገኛ ሕማም ስርዓትና ከምዝኾነ እውን ደጋጊምና ክንሓስበሉ ዝግባእ እዩ።

ንምዃኑ ሰናይ ምምሕዳር እንታይ ድዩ? ከመይ እዩ ኸ ተግባራዊ ናብ ምዃን ዝሰጋገር? ሰናይ ምምሕዳር ናይ ምትግባር (ምስፋን) ሓላፍነት ዘለዎ ኸ መን እዩ?  መግለፅታት ሰናይ ምምሕዳር እንታይ እዮም? ሕድሕዶም ዘለዎም ምትሕሓዝ ከ? ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ንምምላስ እውን ብዙሕ ትንታነ ምሃብ ዘድልዮ ኣይኮነን። ብሓፂር ቋንቋ “ሕገ-መንግስቲ ዘቐመጦ ሕጊ ተግባራዊ ምግባር” ብዝብል ነጥቢ ዕልባት ምሃብ ይከኣል እዩ። ብርግፅ ኣምር ሰናይ ምምሕዳር ካብ ቀደም ጀሚሩ ከከም ባህሪ እቲ ስርዓትን ህዝብን ዝተፈላለየ ብያነ እናተወሃቦ መፂኡ እዩ። ሰናይ ምምሕዳር ካብ ዝድህስሱ ሕግታቱን ፖሊሲታቱን እቶም ዘይጭበጡ ባህርታቱን መልክዓቱን ስለዝምዝኑ ንብያነ ኮነ ንትግባራውነት ዓለምለኸ ኣፈላላይ ዘርኢ ዓውዲ እዩ። ብሓፈሻ እንትረአ ግን ሰናይ ምምሕዳር ማለት፣ ኩሎም “ሰናይ” ዝበሃሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክህልዉ ዝግበኦም ናይ ምምሕዳር ተግባራትን መንገድታትን (ስልትታትን) ተግባራዊ ኮይኖም ክርከቡ ምግባር እዩ” ክብሉ ዝተፈላለዩ ፅሑፋት ይትንትንዎ።

ሰናይ ምምሕዳር ብልሙድ “መትከላት ስነ ምግባር” እናበልና ኣበየ “መስርያ ቤቱ” እንልጥፎም ትእዛዛት መሰል ኣምራት ብተግባር ኣብ ህዝቢ ዓሲሎም ክርከቡ ምግባር ኮይኑ መብዛሕትኡ ግዜ  ግን በዞም ዝስዕቡ መግለፅታትን መትከላትን ይፍለጥ። (ብኻልእ ኣበሃህላ እዞም ካብዚ ቀፂልና ንገልፆም ነጥብታትኣብ ባይታ ስለዘየለው ወይ እውን ብጣዕሚ ስለዝውሕዱ እዩ ኣብ ሃገርና ኩነታት ሰናይ ምምሕዳር ካብ ግዜ ናብ ግዜ ለውጢ ከምፅእ ዘይከኣለ ምባል ይከኣል እዩ።)

ሰናይ ምምሕዳር ብቑንፁል መግለፂ ኣይትንተንን፤ ንኣብነት ፍትሒ ብምርካብ (ብምህላው) ጥራሕ ኣይግለፅን። ሰናይ ምምሕዳር ማለት ግብኡን መሰልን ህዝቢ ተግባራዊ ክኸውን ብምግባር ጥራሕ እውን ዝቋፀር ሓሳብ ኣይኮነን። ሰናይ ምምሕዳር ንመትከላት ስነ ምግባር ዝበሃሉ ተኣማንነት ቅንዕና፣ ተሓታትነት ወዘተ ፀንቂቕካ ስለዘተግበርካ ዝመፅእ እዩ ዝብል መደምደምታ ዝረክብ ኣምር እውን ኣይኮነን። ሰናይ ምምሕዳር ማለት ኣብ ልዕሊ ሓደ ህዝቢ ከይዲ ዝህሉ ትግበራ ሓሳባት ወይ ከዓ ውሳነታት ማሕበረ ቁጠባ እዩ። እዚ ማለት ሰናይ ዝኾነ ውሳነ ምዕራፍ ማለት ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ውሳነ ንሱ ዝኸድካሉ መንገዲ ከመይ ዝበለ እዩ? ዝብል ነጥቢ ዝጠምር እውን እዩ።

እዚ ኮይኑ ግን “ግልፅነትን ተሓታትነትን ቀዲሞም ዝመፁ ቀንዲ መለክዒ ነጥብታት ሰናይ ምምሕዳር እዮም” ይብሉና ሰነዳት እቲ ዓውዲ። ሰናይ ምምሕዳር ማለት ተሓታትነት ማለት እዩ። ሓደ ንህዘቢ የመሓድር እየ ዝብል ኣካል ነቲ ህዝቢ ወኪሉ ንዘዕርፎም ውሳነታት ብግልፂ ከቕርብ፣ ከረድእ፣ ከእምን፣ ንዝለዓሉ ሕቶታት ከዓ ክምልስ ትፅቢት ይግበረሉ። በኣ ልክዕ ውሳነታቱ ፅቡቓት እንተኾይነን ይሽለመለን እንተተበላሽየን ከዓ ይሕተተለን። በዚ ምኽንያት “ተሓታትነት” እቲ ናይ መጀመርያ መረኣዪ ህላወ ሰናይ ምምሕዳር እዩ ይብልዎ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ። ብኻልእ ኣበሃህላ ሰናይ መመሕዳር ማለት ሓላፍነት ምውሳድ ማለት እዩ ዝኸውን ዘሎ።

ነዚኦም ከም ኣብነት ኣልዒልና እንበር ሰናይ ምምሕዳር ብጣዕሚ ብዙሓት መግለፅታት ገይርካ እዩ ጠጠው ዝብል። ንኣብነት ከም ኣረዳድኣ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ጉጅለ ማሕበረ ቁጠባ ፖስፊክ ኤስያ፣ ዝኣመሳሰሉ ዓበይቲ ትካላት ሰናይ ምምሕዳር ነቶም ኣብ ላዕሊ ዝገለፅናዮም ወሲኹ ሸሞንተ መግለፂ ባህርታት ኣለዉዎ ይብሉ። ገሊኦም ከዓ ናብ 10 የዕብዩዎም በቲ በለ በዚ ንተሓታትነትን ግልፅነትን ሓዊሱ ብዙሓት ዝለዓሉ ነጥብታት ኣለዉዎ። ካብዚኦም ብተወሳኺ ሰናይ ምምሕዳር ማለት ግልፅነት እዩ። ህዝቢ ብመራሕቱ ንዝውሰን ውሳነ ክርዳእን ክከታተልን ኣለዎ። እዚ ማለት እቶም መራሕቲ ነቲ ውሳነ ንምንታይ ከመይን ከምዝወሰንዎ ብግልፂ ናብቲ ህዝቢ ከቕርቡ ኣለዎም ማት እዩ። ሰናይ ምምሕዳር ማለት ሓፈሻውነትን ማዕርነታውነትን ዘረጋግፅ ማለት እውን እዩ። እዚ ማለት ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ እትውሰን ወይ እትስዕብ ስራሕ ወይ ውሳነ ነቲ ሕብረተሰብ ብቐጥታ እትፀልዎን ዝግሰደላን ምግባር ወሳኒ እዩ። ሰናይ ምምሕዳር ማለት ምትእኽኻልን ውፅኢታዊ ምዃንን ማለት እዩ። ህዝቢ ኩሉ ነገር ክህልዎ ዝከኣል እኳ እንተዘይኮነ በተን ዘለወኦ ምንጪ ሃፍትን ግዜን ዝተመዛዘነ ውፅኢት ክቐርበሉ ግቡ ይኾን።

ሰናይ ምምሕዳር ማለት ኣሳታፋይነት እዩ። ብውሳነ ሓሳብ እቲ ዝመሓድር ኣካል ክጉዳእ ወይ ክርባሕ ዝኽእል ዝኾነ ዝመሓደር ኣካል ኣብ ውሳነ ሓሳባት መንግስቲ ኣመሓደሪ ኣካል ክሳተፍ ግድን እዩ። እዚ ብበዙሕ መልክዑ ምግላፅ ዝከኣል ኮይኑ ሕብረሰብ ሓበሬታ ክረክብ ብምግባር፣ ሓሳቡ ክገልፅ ብምሕታት፣ ኣብቲ ውሳነ ሓሳብ ርኢቶ ክህብ ብምኽኣል ወይ እውን ኣካል እቲ ውሳነ ሓሳብን ተግባርን ክኾኑ ብምፍቃድ ክኸውን ይኽእል እዩ። በዚ በለ በቲ፣ ሰናይ ምምሕዳር ፍፃመን ከይድን እቲ ዘመሓድር ኣካል ኣብ ፍቓድን ሰናይ ድሌትን እቲ ዝመሓደር ህዝቢ ተቐባልነት እንትረክብ ማለት እዩ። እዚኣቶም ኣብ ሃገርና ኮነ ክልልና ማዕረ ማዕረ እቲ ቁጠባዊ ዕብየት ምኻድ ካብ ዝኣብዩ ዓመታት ይቑፀሩ ኣለው። ብዙሓት ሰብ ሃፍቲ እኳ እንተፈጠርና ብዙሕ ቅሬታ ዘለዎ ብምሕደራ ዘይዓገበ ብዙሕ ሕብረተ ሰብ እውን ጎድና ጎድኒ መፂኡ ኣሎ። እዚ ጉዳይ ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ጥቡቕ ቁፅፅር ገይርና ክንኣልዮ እንተዘይኪኢልና እቲ ብዙሕ ህዝቢ፣ ነቲ ኣብ ሓፂር ዓመታት ዘጥረናዮ ብዙሕ ዕብየትን ምዕባለን ንድሕሪት ክመልሶ ይኽእል እዩ። ድሮ እኳ ኣብ ገለ ገለ ክፋላት ሃገርና ምልክታት ይረአዩ ኣለው። ስለዚ ሕድሕድ ኣባል መግለፂ ወያናይ ስርዓትና ዝኾነ ባህሊ ንውሽጥኻ ምርኣይ ኣቐዲሙ ኣብ ምንጋስ ሰናይ ምምሕዳር እጃሙ ክዋፃእ ዝግበአሉ እዋን ሕዚ እዩ እሞ፤ ብፅሒቱ ይዋፃእ ንብል። 


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 966
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010