የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4530517
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
440
2250
18556
4495290
45790
165145
4530517

Your IP: 54.198.108.19
2017-11-19 03:05

ሓራስ ከም ኢዳ...!

here we go
selam new

ማእቶት ዘደንፍዕ ጠለብ ዘበናዊ ድኹዒ ምህርቲ ዘበን 2009/2010 ዓ/ም

ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2009/2010 ዓ/ም ብደረጃ ክልል ዝህሉ መፍረያይነት ንምዕባይ ልዕሊ ሓደ ነጥቢ ሓደ ሚልየን ሄክታር መሬት ብዝተፈላለዩ ዝራእቲ ንምሽፋን ዝተፈላለዩ ሕርሻዊ ንጥፈታት እናተሳለጡ እዮም። ካብ ሓደ ሄክታር ብማእኸላይ 27 ኩንታል ንምርካብ (ብድምር ልዕሊ 28 ሚልዮን     ኩንታል ምህርቲ ንምሕፋስ) እውን ትልሚ ተታሒዙ ምንቅስቓስ ናተኻየደ ይርከብ።

መፍረያይነት እዚ ዓመት በቲ ዝተትሓዘሉ ሸቶ ንኽዕወት ካብ በዓል ሞያ ክልል ክሳብ ተራ ሓረስታይ ብምውዳድ ኣብ ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂታት ሕርሻ፣ ኣብ ኩነታት ማሕረስን ምልስላስን፣ ኣብ ኣድላይነት ብመስመር ምዝራእ፣ ኣብ ኣጠቃቕማ ኬሚካላትን ዝኣመሳሰሉን ብኽልስ ሓሳብን ብተግባርን ዝተደገፉ  ስልጠናታት ተዋሂቦም እዮም። ሓረስቶት ዕዳጋ ተኮር ዝኾኑ ምህርትታት ኩታ ገጠም ብዝኾነ መንገዲ ብምዝራእ ንምግብነት ካብ ዝግበር ሃልኪ ብተወሳኺ ንዕዳጋ ዝኾኑ ፍርያት ኣፍርዮም ዘቕርብሉ ኩነታት ንምፍጣር ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ክልል ትግራይ ትልሚ ሒዙ እናሰርሐ እዩ።

“እቲ ብብርኪ ክልል ተታሒዙ ዘሎ ትልሚ መፍረያይነት ኣብ ባይታ ወሪዱ እንታይ ከምዝመስል ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ዘሎ ምንቅስቓስ ብኣብነት ወሲድና ክንድህስስ ኢና። ኣብታ ወረዳ መፍረያይነት ዘመነ ምህርቲ 2009/2010 ዓ/ም ንምስሳን ብመሰረት እቲ ብኽልል ዝወፀ ኣሰራርሓ ዝለዓለ ስራሕ እናተሰርሐ እዩ። ኣብታ ወረዳ ዝተሰርሐ ስራሕ ንምርኣይ ኣረኣእያ ኣብ ምቕያር ዝሰርሕዎ ፈላማይ ስራሕ ካብ ምርኣይ ክጅመር ይግባእ። ኣተሓሳስባ ከይሃነፅካ ዝመፅእ ለውጢ ስለዘየለ ሓረስቶት እቲ ወረዳ ናብ ተግባራዊ ስራሕቲ ቅድሚ ምእታዎም ከመይ መፍረያይነት ከምዝስስንን ድርቂ ዝፃወር ቑጠባ ምህናፅን ከምዝከኣልን ግንዛበ ዘጨብጡ ስልጠናታት ብምሃብ እዩ ተጀሚሩ። ኣብቲ ስልጠና 27 ሽሕን 781 ሓረስቶት እቲ ወረዳ ተሳቲፎም እዮም። ብፍላይ መርኣያ ንዝኾኑ ሓረስቶት ኩታ ገጠም ሜላ ተጠቒሞም ብመስመር ብምዝራእ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ዘሪኦም ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ክፃህዩን ዝራእቶም ክእክቡን ትርፊ ምህርቶም ድማ ንዕዳጋ ንኸቕርቡ ተወሳኺ ስልጠና ተዋሂብዎም ተኣማሚኖም ናብ ተግባር ኣትዮም ኣለው።

ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2009/2010 ዓ/ም ከም ክልል መፍረያይነት ከደንፊዑ ዝኽእሉ ፓኬጃት ቴክኖሎጂ ሕርሻ ናብ ሓረስቶት ክተኣታተው እናተገበረ እዩ። ንኣብነት 675 ሽሕ ኩንታል ዝተፈላለዩ ዓይነታት ዘመናዊ ድኹዒ ማለት ዩርያ፣ ዳብን ምጥን ድኹዕን ኣብ ረብሓ ክውዕሉ እዮም። ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2008/09 ዓ/ም ብብርኪ ክልል 153 ሽሕ ሄክታር መሬት ብኩታ ገጠም ዘርኢ ስርናይ ተሸፊኑ ነይሩ።

 ካብዚ ብሉፃት ተመክሮታት ብምውሳድ ሎሚ ዘበን እውን 60 ሽሕ ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ስርናይ ንሓረስቶት ተኸፋፊሉ ኣሎ።

ኣብታ ወረዳ ኣብ ዘመነ ምህርቲ 2009/2010 ዓ/ም መፍረያይነት ንምስሳን 15 ሽሕን 418 ኩንታል ዘመናዊ ድኹዒ፣ 860 ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ኣብ ሓረስቶት ተኣታትዩ ናብ ረብሓ ውዒሉ ነይሩ። ሎሚ ሓረስታይ ትግራይ “ብዘይ ዘመናዊ ድኹዒ ምዝራእ ማለት ዓይንኻ እናረአየ ፍርያትካ ክንኪ ምግባር” ማለት ከም ዝኾነ ካብ ተግባራዊ ውፅኢቱ እናረኣየ ብምምፅኡ ካብ ሰናይ ሓጋዩ ንመዐደጊ እታዎታት ሕርሻ ዝውዕል ገንዘብ እናዓቖረ ብምፅናሕ ኢድ ብኢድ ጠሊቡ ዝጥቀመሉ ኩነታት ተፈጢሩ እዩ። ብዓይንና ሪኢና ዘረጋገፅናዮ ሓቂ እንተሃለወ እውን እዚ እዩ። እቲ ሓረስታይ ገንዘብ እናዓቖረ ብምፅንሑ ዘመናዊ ድኹዒ ኢድ ብኢድ ክጠልብ እንከሎ ተዓዚብና። ከምኡ እውን ብፅሬትን ብመጠንን ዝሐሸ ፍርያት ንምርካብ ፃህያይ ፈልዩ ዘጥፍእ፣ ሓረስታይ ብተግባር ኣረጋጊፁ ዝዓግበሉ “ፖላስ” ዝተብሃለ ኬሚካል ፀረ ፃህያይ ንምዕዳግ ኣቐዲሙ ገንዘብ ኣዋፂኡ 343 ሌትሮ ጠሊቡ ይርከብ።

ሓረስቶት ወረዳ ሳምረ እቲ ላዕለዋይ ስራሕቲ ንምውጋን ዝጠቅም ስልጠና ጥራሕ ኣይኮኑን ተዋሂቦም። ልዕሊ 100 ዓይነት ዝራእቲ ዘጥቅዕ ሓዱሽ ባርኖስ ኣሜሪካ ንምክልኻል እውን ኣብ እንታይነትን መከላኸሊ መንገድታትን እቲ ባርኖስ ብምስሊ ዝተደገፈ ስልጠና ን370 ኣመራርሓ ክኢላታት ሕርሻን ተዋሂቡ እዩ። እዚኦም ድማ ነቲ ሓረስታይ ስልጠና መጨበጢ ግንዛበ ክህቡ ተገይሩ ኣሎ። ስለዝኾነ ድማ እቲ ሓረስታይ እንታይነት እቲ ባርኖስ ክፈልጥ ብምኽኣሉ ዝኾነ ምልክት እንትርኢ ናብ ሰብ ሞያ ብምቕራብ ንምክልኻል ድልው ከምዝኾነ ተዓዚብና ኣለና። ነዚ ከም መርኣያ ዝውሰድ ድማ ኣብ ጣብያታት ዓምዲ ወያነን ማይ ቀናን ነቲ ሓዱሽ ባርኖስ ዝመስል ሓሰኻ ዘዝረኣዮ ንምርግጋፅ ናብ ሰብ ሙያ ሕርሻ ሓበሬታ ኣምፂኦም እቲ ባርኖስ ከም ዘይኮነ ዝተረጋገፀሉ ኩነታት ከም ዝነበረ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሕርሻ እቲ ወረዳ ኣይተ ዘሚካኤል ኣረጋጊፆሙልና።

ኣብ ሕርሻ፤ ስግግር ክረጋግፅ እንተኾይኑ ሓረስቶት ብምግቢ ዓርሶም ንምኽኣል ጥራሕ እንተይኮነስ ብመጠንን ብፅሬትን ዝሐሸ ፍርያት ከርክቡ ኣለዎም። እዚ ጋህዲ ክኸውን እንተኾይኑ ድማ እቲ ዝተኣታቶ ፓኬጃት ሕርሻ ክትግበር ኣለዎ። ካብዚኣቶም ሓደ ብሜላ ኩታ ገጠም ጌርካ ብመስመር ዝዝርኡ ዝራእቲ እዮም። እዚ ስለዝኾነ ኣብ ዘመነ ምህርቲ 2008/09 ዓ/ም ንዕዳጋ ትኹረት ሂበን ኩታ ገጠም፣ ብመስመር ስርናይ ዘሪአን ዝሓሸ ፍርያት ኣብ ዝረኸባ ኣርባዕተ ጣብያታት ተሞክሮ ልውውጥ ተኻይዱለን እዩ።

ብድምር ኣብታ ወረዳ ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2008/09 ዓ/ም ብዝራእቲ ካብ ዝተሸፈነ 35 ሽሕን 806 ሄክታር ተሓራሳይ መሬት ሓደ ነጥቢ ክልተ ሚልዮን ኩንታል ንምርካብ ትልሚ ተታሒዙ ሓደ ሚልዮን 44 ሽሕ ኩንታል እቶት ክርከብ ኽኢሉ እዩ። ኣብ ዘመነ ምህርቲ 2009/2010 ዓ/ም እውን 27,781 ሓረስቶት ብማእኸላይ ካብ ሓደ ሄክታር 33 ነጥቢ ሓሙሽተ ኩንታል ፍርያት ብምርካብ ሓደ ነጥቢ ክልተ ሚልዮን ኩንታል ንምርካብ ትልሚ ተታሒዙ ሓረስቶት መሬቶም ሰለስተ ጊዜ ሓሪሶም ኣለሳሊሶም ኣብ ምዝራእ ይርከቡ። ብቐፃሊ ግዜኦምን ጉልበቶምን ኣብ መሬቶም ብምውዓል ብኣግባቡ ዝራእቶም ክፃህዩ ፀረ-ባልዕ ኬሚካል ክጥቀሙ ሓዱሽ ባርኖስ ኣሜሪካ እንተተራእዩ እውን ብባህላዊ መንገዲ ንምክልኻል ድልዋት ኮይኖም ከም ዝርከቡ እቶም ሓላፊ የረድኡ።

ሓረስታይ ኣሸብር ተካ ነባሪ ወረዳ ሰሓርቲ ሳምረ ጣብያ ዓምዲ ወያነ ደብረ ሓይላ ቁሸት እንዳማርያም እዮም። እዞም ሓረስታይ ኣብ ሳልሳይ ማሕረስ ኢና ረኺብናዮም። መሬት ንሓብሓቢኣ ከም እትልግስ ኣቀዲሞም ስልጠና ስለዝወሰዱ ናብ ተግባር ኣትዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መዓል ኣርባዕተ ፅምዲ ናይ ዓርሶም፣ መዓል ሓሙሽተ ፅማድ ድማ ናይ ካልኦት ሓረስቶት ተወፊሮም ዘሪኦም ነይሮም። ነዚ መዓል 9 ፅምዲ ግራት ሓሙሽተ ኩንታል ዘበናዊ፣ 40 ኩንታል ከዓ ባህላዊ ብድምር 45 ኩንታል ድኹዒ ነስኒሶምሉ እዮም። ካብዚ እቲ መዓል ክልተ ፅምዲ ተሓራሳይ መሬት ስርናይ ብመስመር ዘሪኦም 17 ኩንታል ረኺቦምሉ ነይሮም። ከምኡ እውን ካብ ጣፍን ስገምን 33 ኩንታል ብድምር 50 ኩንታል ፍርያት ሓፊሶም ምንባሮም የረድኡ።

ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2009/2010 ዓ/ም ስልጠና ተዋሂቦም ነይሮም እዮም። ከምኡ እውን ካብ ሰናይ ሓጋዩ ንመዐደጊ ዘመናዊ ድኹዒ ዝውዕል ልዕሊ ሽዱሽተ ሽሕ ብር ዓቒሮም። ስለዝኾነ እውን ሓሙሽተ ኩንታል ዘበናዊ ድኹዒ፣ ሓደ ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ኢድ ብኢድ ከፊሎም ዓዲጐም። ኣብዚ ሕዚ መዓል ሽዱሽተ ፅማድ መሬት ተወፊሮም ናይ ዓርሶም እውን መዓል ኣርባዕተ ፅምዲ ሓዊሶም ጣፍ፣ ስርናይን ስገምን  ዘሪኦም ኣለው። ካብዚ ልዕሊ 60 ኩንታል ንምርካብ ትልሚ ሒዞም ይንቀሳቐሱ ከም ዘለው ድማ የረድኡ።

“ቀንዲ ፀላኢየይ ድኽነት ከምዝኾነ ዝተረደአኒ ሐዚ ኣይኮነን። ከምዚ ሐዚ ሰላሳ፣ ሓምሳ ኩንታል ሓፊሰ ማዕኸነይ ክመልእ እሞ ይትረፍ መሬት ዘርኢ ውሒጣ እንተፅቅጥ ኣብታ ቐጣን ወርሓት ትለሓስ ትቕመስ ዝተሰኣነትላ ካብ ዝፈትዋ መረበተይ ዝተሰደትኩላ 1977 ዓ/ም እዩ” ዝበሉና እዞም ወላዲ ኣብ ስደት ናብ ሃገረ ሱዳን ተሰዲቶም ምንባሮም ንድሕሪት ተመሊሶም ይዝክሩ። ኣብቲ ጊዜ እቲ ውድብ ህወሓት ህዝቢ ከይበርስ ዓዱ ክምለስ ብዝገበረቶ ፃዕሪ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ ዓዲ ዝናብ ወቒዑ ምስተብሃሉ ዓዶም ተመሊሶም። ኣብዚ ሐዚ ሳላ ቅኑዕ ፖሊሲ ውድብን መንግስትን ካብ ተፀባይነት ተናጊፎም ወናኒ ኣርባዕተ ኣብዑር፣ ሰለስተ ፀባ ከፍቲ፣ 10 ጤለበጊዕ ከምዝኾኑ ይገልፁ። ከምኡ እውን ኣብ ከተማ ዓዲ ጉዶም ኣርባዕተ ሚኢቲ ሽሕ ብር ዝግመት መንበሪ ገዛ ከም ዘለዎምን ኣብ ማእኸል እታ ጣብያ ድማ በዓል ክልተ ክፍሊ ቆርቆሮ ገዛ ሰሪሖም ኣብ ዝሓሸ መነባብሮ ይርከቡ። ውፅኢት ፃዕሮም መርኣያ ሓረስታይ ተባሂሎም ከምዝተሸለሙ እውን ብኣንደበቶም ይገልፁ።

ካሊእ ነባሪ ጣብያ ዓምዲ ወያነ ቁሸት ጎናይ ዳዕሮ ዝኾኑ ሓረስታይ ሓጎስ ረዳ እዮም። ናይ ዓርሶም መዓል ሰለስተ ፅማድ ተሓራሲ መሬት ኣለዎም። ካብዚ ብተወሳኺ መዓል ሰለስተ ፅማድ መሬት ናይ ሰብ ተወፊሮም ይዘርኡ። ነዚ ሰለስተ ኩንታል ዘመናዊ ድኹዒ 40 ኩንታል ባህላዊ ድኹዒ ተጠቒሞም ሰለስተ ግዜ ሓሪሶም ኣለሳሊሶም ከም ዝዘርኡ ይገልፁ። ካብዚ እቲ መዓል ክልተ ፅምዲ ተሓራሳይ መሬት ብመስመር ስርናይ ዘሪኦም ኣለው። ንመዐደጊ ዘበናዊ ድኹዕን ምሩፅ ዘርእን እውን ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ቕርሺ ዓቚሮም ብምፅነሖም ከይተጨናነቑ ኢድ ብኢድ ጠሊቦም ከምዝተጠቐሙ ይገልፁ።

ሓረስታይ ሓጎስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን ንተመሳሳሊ ተሓራሳይ መሬቶም ሰለስተ ኩንታል ዘበናዊ ድኹዒ፣ 40 ኩንታል ባህላዊ ድኹዒ ተጠቒሞም መዓል ሽዱሽተ ፅምዲ ዘሪኦም ነይሮም። ካብዚ 34 ኩንታል ንምርካብ ትልሚ ሒዞም ተንቀሳቒሶም ነይሮም። ይኹን እምበር እቲ ስርናይ በዝሒ ማይ ብምንባሩ ነትዒ ስለዘጋጠመ 20 ኩንታል ረኺቦም ነይሮም። ሎሚ ዘበን ካብዚ ተሞክሮ ወሲዶም ብሰፊሕ ድጉሪ ሓሪሶም ብመስመር ዘሪኦም ምፅፋፍ ዘድሊ እንተኾይኑ እውን ኣፃፊፎም 36 ኩንታል ንምርካብ ትልሚ ሒዞም ይሰርሑ ከምዘለው የረድኡ።

ካብዚ ብተወሳኺ ካብቶም ልሙዳት ባልዓት ዝተፈለየ ኣብዚ ቀረባ ዝተርኣየ ሓዱሽ ባርኖስ ሓደግኡ ብሰብ ሞያ ሕርሻ ኣስተምህሮ ተዋሂቦም ንምክልኻሉ ድልው ከምዝኾኑ እዮም ዝገልፁ። እዚ ባርኖስ ሓደገኛ ከም ዝኾነ ተገንዚቦም ኣብ ከባቢኦምን እንተደኣ ተራእዩ በቲ ቁፅሪ ሓደ መማረፂ ብባህላዊ (መንገዲ) ንምክልኻል ቐትርን ለይትን ዝራእቶም ከምዝከታተሉ ገሊፆሙልና። ዝተለመዱ ባልዓትን ፃህያይን ንምክልኻል እውን ብፍላይ “ፖላስ” ዝተብሃለ ፀረ ፃህያይ ኬሚካል ውፅኢታዊ ምዃኑ ብዝግባእ ተገንዚቦም ነዚ ዝኸውን ክልተ ሽሕ ብር ዓቚሮም ከምዘለውን ብመጠን ይኹን ብፅሬት ዝሓሸ ፍርያት ንምርካብ ድልው ኮይኖም ከምዝርከቡ እዮም ዝገልፁ።

ብድምር ከምቲ “ሓራስ ከም ኢዳ ትበልዕ ኣርጕዳ” ዝበሃል ምሰላ ለባማት ማዕረ ፃዕርና ኢና እንሓፍስ። ነዚ ንምግባር ሓረስታይ ፍርያት ሕርሽኡ ብፅሬትን ብመጠንን ንምስሳን ዝተጀመሩ ብክላስተር ናይ ምዝራእ ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ክቕፅሉ ይግባእ። ከከም ኩነታቱ ማይ እንትበዝሕ ከንፃፍፍ፣ ማይ ሕፅረት እንተጋጥም ድማ ዝነጠበት ማይ ናብ ግራቱ ክኣሊ ከምዘለዎ መልእኽትና እዩ።


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 961
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010