የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4530399
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
322
2250
18438
4495290
45672
165145
4530399

Your IP: 54.198.108.19
2017-11-19 02:48

ጋንታታት ዝዘርአኦ እየን ዝዓፅዳ

here we go
selam new

ከመይ ቀኒኹም እንዳ ምስንዳእ ጋዜጣ ወይን? መንበቢ እምበር ተሳታፊ ኣይነበርኩን። ኣንበብቲ እውን ኣብ ዓውዲ ስፖርት ኣመልኪቶም ሃናፃይን መስተኻኸልን ሪኢቶኦም ብጋዜጣ ወይን ኣቢሎም ትዕዝብቶም ዝገልፅ ፅሑፍ ብዙሕ ኣየንበብኩን። ኣነ ግን ኣብዚ ጉዳይ ካብ ትዕዝብተይ ንእሽተይ ክብል።

ስፖርት ፍልፍል ቁጠባ፣ ፍቕሪ፣ መግለፂ ጭዋነት፣ ሓድነት ድልዱል ቁመናን ጥንካረን ሓንቲ ሃገር እዩ። ስለዝኾነ ካሊእ ዓለም በፂሕዎ ናብ ዘሎ ብርኪ ዕቤት ንምስግጋር ተሳትፎ ብዙሓት ኣካላት ይሓትት። ካብ  ዕቱብን ጭዋነትን ዝተላበሰ ወነ ደገፍቲ ሓሊፉ ሽፋን ሚድያታት፣ ኮሚሽንን ፌዴሬሽንን ስፖርት ኣመራርሓ ጋንታታት ይጠልብ። ምኽንያቱ ኣብ ዓወት ፀወታ ስፖርት ብመጠን ዝዘራእኻዮ ኢኻ ትሓፍስ። ሎሚ ዓመት ኣብ ክልልና ድሕሪ ጋንታታት ጉናን ትራንስን እቲ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ፃምእ ተሳትፎ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ዝነበረ ድሌት ክንረኽቦ ዝኸኣልና ዝተዋደደ ፃዕሪ ብዙሓት ኣካላት ስለዝነበረ እዩ። ይኹን እምበር ክንቀፉ ዝግበኦሞን ንሓድነትና ዝፈታተኑን ተርእዮታት ምንባሮም ክንርዳእ ይግባእ።

ምኽንያቱ ኣብ መንጎ ጋንታ ወልዋሎን ጋንታ መቐለን ዝነበረ ፀወታ ብወሳናይ መልክዑ ኣስጋኢ ተገይሩ ዝቐርብ ዝነበረ ጉዳይ እዩ። ይኹን እምበር ፅቡቕ ስነ ምግባር ዝተላበሰ ኮይኑ ብምዝዛሙ ነቶም ሕማቕና ዝምነዩ ርእሶም ዘድነነ፣ ፅቡቕና ንዝምነዩ ድማ ሕብረት ሓድነትና ክንደየናይ ጥንኩር ምንባሩ ተምሳሌት ምንባሩ ዝምስክር ኮይኑ ብምሕላፉ ተዓቂቡን ተጠናኺሩን ይቐፅል በሃሊ እየ። እዚ ተዓቂቡን ተጠናኺሩን እንተቐፂሉ ድማ ንፋስ ፀላኢ ኣይኣትውን። እቶም ሓድነት ንምፍሻል ድቃስ ኣብዩዎም ዘሎ ዝፍሐስዎ ዘለዉ ውዲት መኺኑ ይተርፍ። በዚ ድማ ጋንታታትና ዓወት ብዓወት ይኾና። ንኣካላት ሚድያ ስፖርታዊ ጭዋነት ደገፍቲ፣ ተፃወቲ፣ መንፈስ ሰዓራይነት፣ ብፋይናንስን ብስነ-ልቦናን እተን ጋንታታት ክጠናኸራ ኣብ ምብርባር፣ ፍቕሪ ስፖርት ኣብቲ ሕብረተሰብ ክሰርፅ፣ ማዕረ ሽፋን ሂብካ ምስ ሰማዕቲ እሂን ምሂን ኣብ ምባል ብርክት ዝበላ ስራሕተን ዳርጋ ፍርቂ እቲ ዓወት ናቶም ብፅሒት ዝሽከም እንተኾነ ንላዕለዎት ኣመራርሓ ስፖርት ኮሚሽን ኣስጥም ኣቢልካ ሒዝካ ፅዕንቶ ኣብ ምፍጣር ግን ክመሓየሽ ኣለዎ።

ንኣካላት ስፖርት ኮሚሽን ግን ብዙሕ ንዘይምባል እቲ ኮሚሽን ውሽጣዊ ዓቕሙን ፀገሙን ፈቲሹ እንተዝኸይድ ይምረፅ። እንተዘይኮይኑ ጠንካራ ጋንታታት ኣብ ትሕቲኡ ክፍጠራ ስለዘየኽእል እቲ ኮሚሽን መሓውራዊ ለውጥን ተሃድሶን ዘድልዮን ውዓል ሕደር ዘይበሃሎን ጉዳይ እዩ። ንኣካላት ኣመራርሓ ጋንታታት ብዝምልከት እተን ጋንታታት ኣጠናኺርካ ፅቡቕ ውፅኢት ከመዝግባ ዝግበር ፃዕሪ ዝናኣድ እኳ እንተኾነ ኣብ መጀመርያ ፀወታታት ዝረኣያ ዝነበራ ውፅእ ዝበላ ምልክታት ንሓድነትን ትግራዋይነትን ዘይገልፅ ኢ-ስነ ምግባራዊ ርክብ ናብቶም ደገፍቲ ክልሑኽ ምኽንያት ስለዝነበረ ንቐፃሊ ከይድገም ብትኹረት ክስረሐሉ ኣለዎ በሃላይ እየ። ጋንታ መቐለ እውን ምስ ጋንታ ወልዋሎ ከም እትስዕብ ተስፋ እናገበርኩ ንመፍቀርቲ ስፖርት ክልል ትግራይ ብፍላይ ድማ ንደገፍትን ኣመራርሓን ጋንታ ወልዋሎ ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት ክሳብ ሕዚ ንዝተረኸበ ዓወት እንኳዕ ደስ በለኩም። ቀፃሊ እውን ናይ መላእ ክልልን ጋንታታትናን ልኡኽ ተሰኪምኹም ከም እተኹሩዑና ኣይጠራጠርን።

መምህር ኣክሊሉ መስፍን

ካብ ወረዳ ሕንጣሎ ወጀራት ቤት ትምህርቲ ዋረን


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 961
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010