እዋናዊ ቃለ-መሕትት ምስ ኣቦ መንበር ህ.ወ.ሓ.ት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4821230
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1276
4443
10490
4800954
53491
108196
4821230

Your IP: 54.226.253.34
2018-02-20 09:12

ኣብ እዋን መኼዳ (ዓውዲ) ካብ ዝበሃሉ ስነ-ቃላት

here we go
selam new

ብጭቃን በዝሒ ዝናብን ተዋሒጡ ዝነበረ ወርሓት ክረምቲ ተዛዚሙ ወርሓት ቀውዒ እንትኣቱ ኩነታት ኣየር ተለዊጡ መሬት ሒዛቶ ዝነበረት ለምለም እናደረቐ ይኸይድ። ነዚ ወቕቲ ብሃንቀውታ ክፅበ ዝፀንሐ ሓረስታይ ድማ ዝራእቱ ዓፂዱ ብምኹልሳስ ዓውዲ ኣውፂኡ ኣብ ሃይሃይታ መኽየዳ ዓውዲ ይፅመድ። ኣብዚ እዋን ሓረስታይ ብዛዕባ እቲ ወቕትን ብዛዕባ እቶም ዝፈትዎም ኣብዑሩን እናልዐለ ስርሑ ዘሳልጠሎም ስነ ቃላት ኣለውዎ። እቶም ስነ ቃላት ወነ ሓረስታይ እናበረታትዑ መንፈስ ድኻም ከይፍጠር ዝሕግዙ መሳለጥቲ ስራሕ እንትኾኑ ናይ ባዕሎም ፍሉይ መልክዕ ኣበሃህላን ኣከዋውናን ኣለዎም። መብዛሕትኦም ድማ እዋን ቀውዒ ከም ዝኣተወን ዝበፅሐ እኽሊ ምእካብ ከም ዝተጀመረን ዘመላኽቱ እዮም። ሓረስታይ ትግራይ ኣብ እዋን ዓውዲ ዝጥቀመሎም ስነ-ቃላት (ግጥምታት) ዋላ እኳ ብዙሓት እንተኾኑ ኣብ መብዛሕትኡ ከባብታት ትግራይ ብበዝሒ ካብ ዝንገሩ ነቶም ውሱናት ጨሊፍና ከም ዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና፡፡

ወሆየ ወሆየ (2) ኣታ በዓል ብዕራየ

ምቕማጥካ ላዕላየ

ከብለዐካ ጮማ

ኣታ በዓል ብዕራየ

ከስትየካ ዶ ፅራየ

ብዕራይ ዘይብሉ ሰብ

እንዳ ሃፍታም ይዕሰብ

ብዕራይ ዘለዎ ሰብ

መመሪፁ ይዋሰብ

****************

ብዕራየ ወዲ ላሕምናየ

ናትካ ቅጫ ናይ እኖኻ ጠስሚየ

ሓዊስካ ሓዋዊስካ ዘለዎ ጣዕሚየ

***********

ብዕራየ፣ ብዕራየ  ኣንታ ቀላቢየ

        ኣንታ ከዳንየ

ሰየ ሰየ ንካልኦት ሕማም ንዓይ ፈውሰየ

************

ብዕራየ፣ ብዕራየ ሸኾና ጥርሞ

ምንጉድኡ ጎልጎል ዘየዒሞ

ክፀርገልካ ባዕለይ ብገዚፍ ጎዞሞ

በዓል ጉራ ፃዕዱ

መመሊእኹም ኪዱ

ዓውዲ ኣይተሕምዱ። ዝብሉ ስነ ቃላት እናስታወስና

ሰናይ ቀውዒ ንክኾን ንምነ፡፡

           ፍልፍል ስነ ቃል ህዝቢ


alena ember where do we

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 970
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010