የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4290950
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
583
2449
11221
4258204
59680
89268
4290950

Your IP: 54.225.54.120
2017-09-21 05:02

በዓል ዲግሪ ሰገን

here we go
selam new

 

ሓደ ቆልዓ ኣብ 14 ዓመቱ ምናልባሽ ሻምናይ ክፍሊ እዩ ክበፅሕ ዝኽእል። ካብዚ ሓሊፉ ፉሉይ ዓቕምን ተፈጥሮኣዊ ውህብቶን እንተሃሊይዎ ድማ ካብኡ ቁሩብ ስግር ኢሉ ናብ ዓሽራይ ክፍሊ ክመጣጠር ይኽእል። ዓሽራይ፣ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ እንተዝበፅሕ እውን ግን ብዙሕ ኣየግርምን። ምኽንያቱ ወዲ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ዓመት ምስኮነ ትምህርቲ  ጀሚሩ ክኸውን ስለዝኽእል።  ምናልባት ቅድሚ ሕዚ ከምኡ ዝኣመሰሉ ንፉዓት ቆልዑ እናሰማዕናን እናረኣናን መፂእና ክንኮን ንኽእል ኢና። ሕዚ እንሰምዖ ዘለና ግን ፍልይ ዝበለ እዩ።

እዚ ኣብ ፎቶ እትርእይዎ ዘለኹም ቖልዓ ወዲ 14 ዓመት ካርሰን ሁዌይ ዩ ይበሃል። ኣብዚ ዓመት ኣብ ዩንቨርስቲ ቴክሳስ ክርስቲያን ብዲግሪ ካብ ዝተመረቑ 2000 ሰባት ሓደ እዩ።  ኣብ 2013 ኣቖፃፀራ ፈረንጂ ወዲ 11 ዓመት እንከሎ ኣብቲ ዩንቨርስቲ ዝተፀንበረ ካርሰን፣ ኣብ ኣርባዕተ ዓመቱ ብትምህርቲ “ፊዝክስ’’ ቀዳማይ ዲግሪኡ ጨቢጡ ኣሎ። እቲ ካልእ ዝገርም ድማ ጎድና ጎድኒ እቲ ትምህርቲ ብዓይነት ትምህርቲ ሒሳብን ቋንቋ ቻይንኛን እውን እናተምሃረ ምፅንሑ እዩ። ብቐፃሊ ’’ካንተም ማካኒክስ’’ ዝበሃል ትምህርቲ ብካልኣይ ዲግሪ ክመሃር ድልየት ከምዘለዎ ተዛሪቡ ክብል ’’ስታር ቴለግራም’´ዝተበሃለ መርበብ ሓበሬታ ፀብፂቡ ኣሎ።

ናትና ተምሃሮ ኸ ከመይ ኣለኹም? ወርሒ ጉንበት- ሰነ እዩ እሞ ካብታ ዘላትኩም ግዜ ቆጢብኩም ኣብ ግዜ ንእስነትኩም ኣብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ዶ ተፈቲንኩም? መቸም ከም ህፃን ካርሰን  ከም ካርሰን ሁዌይ ዩ ንክትኾኑ  እውን ኣይትግደዱን። “እቲ ሕዚ ዝበፃሕኽምዎ ብርኪ ትምሀርቲ ዝግባእ ፍልጠት፣ ክእለትን ኣተሓሳሰባን ዶ ጨቢጥኩም ሉ?” ዝብል ሕቶ ግን ክትምልስዎ ኣለኩም። ኣብ ባዕልኹም ክትተኣመመኑን ’’ምቅድዳሕ’’ ዝተፀየፍኩምን ኮይንኩም እንተደኣ ተጓዒዝኩም ዋላ ከም ካርሰን ኣይትቐልጥፉ ብኸይዲ ዕውታት ከምእትኾኑ ዝስሓት ኣይኮነን። 

ባህርያትን ተግባራትን ደቂ ሰባት ዝረኣዮም እንስሳት

ኣብ ዓለምና ባህርያትን ተግባራትን ደቂ ሰባት ዝረኣየሎም እንስሳት ኣለው። እቶም ብባህርያቶምን ተግባራቶምን ተፀኒዖም ኣብ ዕለታዊ ምንቅስቓሶም ደቂ ሰባት ዝረኣዮ ባህርያትን ተግባራትን ዝተላበሱ እንስሳት እዮም። ኣብ ሃገረ ኣመሪካ ተፀኒዑ ንሰብ ዝመስሉ ዝተበሃሉ እንስሳታት ተባሂሎም ዝተፈለዩ ኣንጭዋ፣ ከልቢ፣ ፈረስ፣ ላዃኺቶን ዓሳ ነባሪን እዮም ክብል መርበብ ሓበሬታ ’’ሳይኮሎጂ ቱ ደይ’’ ይገልፅ።

ከም ኣገላለፃ እቲ መርበብ ሓበሬታ፣ ኣንጭዋ ምስ ደቂ ሰባት ዘመሳስላ ብዙሕ ባህርያት ዘለዋ እንትኾን ካብቶም ንሰባት ዝኣመሰሉ ባህርያትን ተግባርን ኣለውዋ። ካብኣቶም ልክዕ ከም ሰብ ’’ፒዛ’’ ዝበሃል ምግቢ ምፍታዋ እዩ። ብኣና ድማ መብዛሕትኡ ሰብ ዝፈትዎ ምግቢ ትፈትው ማለት እዩ። ካልእ፣ መደያይቦ ምውፃእ ኣዚዩ ቃሕ ይብላ። ኣብ ቀረባ እዋን ከም ዝተፀንዐ ዝንገረሉ ብፉሉይ ምስ ሰብ ዘመሳስል ባህርያት ኣንጭዋ ከም ሰብ ክትኩርኸር እንከላ ምስሓቓ እዩ።

ከልቢ፣ ከም ሰብ ዓቕሚ ምዝካር ኣለዎ። ኣብ ቀረብኦም ዘሎ ሰብ ኣብ ቐረባ እዋን እንታይ ከም ዝሰርሐ ይፈልጡ እዮም። ፈረስ እውን ልክዕ ከም ሰባት ክሰርሕዎ ዘይኽእሉ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ንዝኾነን ኣብ እዋን ሓደጋ ግዜን ሓገዝ ይሓቱ እዮም። ለዃኺቶ ድማ ብፍላይ ጓል ኣንስተይቲ ለዃኺቶ ልክዕ ከም ጓል ኣንስተይቲ ሰብ ብጨና ተፃራሪ ፆታ ብምጭናው ንፆታዊ ረኽቢ ይዳለዋ እየን። ጨና መሓዙተን ይፈልያ። ዓሳ ነባሪ/ኣንበሪን/ እውን ካብቶም ባህርያትን ተግባርን ምስ ሰብ ዝመሳሰሉ እዮም። ካብቶም ዝተፀንዑ ሓደ ድማ ዓሳ ነባሪ ልክዕ ከም ሰብ ካብ ገዝኡ ርሒቑ ክኸድ ደስ ኣይብሎን ይብል እቲ መርበብ ሓበሬታ። 


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 959
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት ግንቦት 2009