የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4600570
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1003
5928
12057
4567652
38535
77308
4600570

Your IP: 54.163.61.66
2017-12-13 09:11

ደወል ንኣከብቲ ክራይ!

here we go
selam new

              ምክትል ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዱስትሪን ኣይተ ዳንኤል መኮነን

“ ‘ግብሪ፤ ክፍፍል ሃፍቲ እዩ’ እንትበሃል እቲ ፀጋታት እዛ ሃገር ተጠቒሙ ሃፍቲ ዘዋህልል ዘሎ ኣካል ግብሪ ኣብ ዝኽፈለሉ እዋን መሰረተ ልምዓት ብምምላእ ኣብ ከይዲ ህንፀቱ ይኹን ምስ ተዛዘመ ንቲ ድኻ ሕብረተሰብ ዕድል ስራሕ ስለዝፈጥረሉን ምዕሩይ ግልጋሎት ስለ ዝህብን እዩ። ንኣብነት ኣስፋልት እንትስራሕ ነቲ ኣብ ታሕተዋይ ብርኪ መነባብሮ ዝርከብ ወገን ንግዚኡ ጉልበቱ ኣሕሲሩ ብምስራሕን ዕድል ስራሕ ብምርካብን መነባብሮኡ ክደፍእ ይገብሮ። ብቀፃላይ ድማ እቲ ዝህነፅ መንገዲ ኣስፋልት ካብን ናብን ህዝብታት ነንባዕሎም ስለዝራኸቡ ቁጠባ እታ ሃገር ኣብ ምዕባይ ኮነ መነባብሮ እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ምልዋጥ ዝለዓለ ብፅሒት ይፃወት። ነዚ እውን እዩ ግብሪ ንኩሉ ሕብረተሰብ ዝጠቅም ክፍፍል ሃፍቲ እዩ ዝበሃል”። ክብሉ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዳስትርን ክልልና ኣይተ ዳኒኤል መኮነን ኣብ ከተማ መቐለ 5 ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ዝገለፁ።

ከምዚ ዝበለ ስርዓት ዘለዎ ክፍፍል ሃፍቲ ክህሉ ዝኽእል ግን ስወራ ግብሪ እንትውገድ እዩ። ስወራ ግብሪ ዝውገድ እውን ንሕድሕድ ምንቅስቓስ ንግዲ ቅብሊት እንትቁረፅ ምዃኑ ምርዳእ ከድሊ እዩ። ኣብዚ መብዛሕትኡ ነጋዳይ ስስዐ ብዝወለዶ ዘይግበኦ ነገር ክበልዕ ክብል ቅብሊት እንተይቆረፀ ናይማቱ ገንዘብ እንትሰርቅ ይርአ ኣሎ። እዚ ድማ ግልፂ ምጭብርባር ካብ ምዃን ሓሊፉ ካሊእ ትርጉም ኣይወሃቦን። ኣብዚ ኩሉ ክግንዘቦ ዘለዎ ንበይንኻ እናበላዕኻ ዘይንበር ምዃኑ እዩ። በይኑ ክህፍትምን ክዓብን ዝደሊ ሰብ እንታይ ከጋጥሞ ከምዝኽእል ምርድኡ ኣይኸበድን። ስለዚ ሕድሕድ ነጋዳይ ስርዓትን ሕግን ተኸቲልካ ምስራሕን ሓቢርካ ምዕባይን ከም ዘድሊ ኣሚኑ ስርዓት ከኽብር ኣለዎ።

ሕግን ስርዓት ተኸቲልካ ዘይምስራሕን ሓቢርካ ዘይምዕባይን ሓደጋ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ደወል ኣከብቲ ክራይ ምዃኑ ክስመረሉ ይግባእ። እቲ ምንታይ ስርዓት እናጠሓስካ ዝእከብ ሃፍቲ ኣብ መወዳእታኡ ለኻኺሙካ ከም ዝጠፍእ ካብ ነባራዊ ኩነታት ሃገርና ይኹን ዓለምና ዓብዪ ትምህርቲ ክንወስደሉ ይግባእ። ንኣብነት ሓደ በዓል ሃፍቲ ዘጣየሾ ትካል እቲ ሕብረተሰብ ከም ናቱ ትካል ገይሩ ብምርኣይ ከም ብሌን ዓይኑ ክሕብሕቦ ዝኽእል እቲ ትካል ብቐጥታን ተዘዋዋርን መንገዲ ረብሓታት እቲ ህዝቢ ዘረጋግፅ እንትኾን እዩ። እዚ እውን ብእዋኑ ዝግባእ ግብሪ እንትኸፍል ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። እቲ ምንታይ ሕድሕድ በዓል ሃፍቲ ዝግባእ ግብሪ እንትኸፍል መንግስቲ ነቲ ዝኣከቦ እቶት ተጠቒሙ ኣብ መብራህቲ፣ ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ፓርክታት ኢንዳስትሪ ወዘተ ክሃንፅ በሪ ስለዝኸፍተሉ እዩ።

ስለዚ ሃገራዊ “ፀጋታት እናተጠቐመ ሃፍቲ ዘዋህልል ዘሎ ኣካል እቲ ክኸፍሎ ዝግባእ ግብሪ ብእዋኑ እንተኸፊሉ ንባዕሉ ይኹን ነቲ ህዝቢ ይረብሕ” እንትበሃል ብዘይምኽንያት ኣይኮነን። ንኣብነት መንግስትና ኢኮኖምያዊ ዓቕሙ ምድልዳል እንትጅምር ካብ ሃዲድ ባቡር ጀሚሩ ግዙፋት ፓርክታት ኢንዳስትሪ ክሃንፅ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብዚ ሃዲድ ባቡር እንትስራሕ እቲ ድኻ ሕብረሰብ ኣብ ከይዲ ህንፀት ዕድል ስራሕ ዝፍጠረሉ ኮይኑ ምስ ተዛዘመ ድማ ካብ ሓደ ከተማ ናብቲ ካሊእ ንክበፅሕ ግዚኡን ገንዘቡን ይቑጥበሉ። ግዚኡን ገንዘቡን ይቕጡበሉ ጥራሕ እንተይኾነስ ብምኽንያት ስሉጥ መጓዓዝያ ምርካቡ መነባብርኡ ዘመሓይሸሉ ዕድል ሰፊሕ እዩ። እቲ ሃፍታም ግን ካብ ዓርሱ ሓሊፉ ንብረት እውን ንከጎዓዕዝ ይሕግዞ። ፓርክታት ኢንዳስትሪ እውን እንተኾነ ተመሳሳሊ ሓበራዊ ረብሓ እዩ ዘለዎም። እቲ ድኻ ኣብ ህንፀት ይኹን ምዝዛም እቲ ኢንዳስትሪ ስራሕ ንኽቑፀር እንትሕግዞ ነቲ ሃፍታም ግን ፋብሪካታት ኣተኣታትዩ ይኹን ብንግዳዊ ምንቅስቓስ ዝበለፀ ሃፍቲ ንከዋህልል እዩ ዝገብሮ። እዚ ድማ መንግስቲ በቲ ዝእከብ እቶት ዝውግኖ ብምዃኑ ህዝቢ ንዝኾነ ይኹን ትካል ዋንነት ተሰሚዕዎ ከም ብሌን ዓይኑ ክሕልዎ ይኽእል። ስለዝኾነ እውን “ሓበራዊ ተጠቃምነትን ሓበራዊ ዕብየትን እንድሕር ዘይሃልዩ ዝተፈጠረ ሃፍቲ እውን ክዓኑ ይኽእል እዩ” ዝብሉ ኣይተ ዳኒኤል።

ኣብ ክሊ እዚ ስርዓት ግብሪ ዘይምኽታል ዘስዕቦ ሓደጋ ከምቲ ዝተገለፀ እናሃለወ ልዕልነት ሕጊ ከንግስ ዝንቀሳቐስ ነጋዳይ ግን ብጣዕሚ ውሑድ ኮይኑ ንረኽቦ።ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ድማ ነቲ ህዝቢ ዝብድል ዘይልምዓታዊ ተግባር እዩ። ብፍላይ እቲ ትግራዋይ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ኣብዛ ብመስዋእቲ ዝተረኸበት ስርዓት፤ ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ዘየኽበር እንተኾይኑ እቲ ሕሉፍ በደል ከይኣክል ሕዚ እውን ዓርሰ ብዓርሱ ክበዳደል ምግባር ስለዝኾነ ክሕሰበሉ ኣለዎ። ስለዝኾነ እውን እዩ ስወራ ግብሪ ፍፁም ክውገዝ ዘለዎ ተግባር እዩ እንብል ዘለና። ኣብዚ እቲ በዓል ሃፍቲ ስኣን ቅብሊት ምቁራፅ ግብሪ እናሰወረ ሕብረተሰቡ እንትጎድእ እቲ ፀገም ተመሊሱ ንዓርሱ ዝልብልቦ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። እቲ ሓደጋ ክሳብ ክንድኡ ስለዝኾነ እውን እዩ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ከተማ መቐለ ኣብ ስወራ ግብሪ ኢድ ዘለዎም ልዕሊ 200 ዝኾኑ ነጋዶ ከምቲ ልሙድ ኣብዚ ዓመት እውን መድረኽ ኣዳልዩ ምስኦም ክላዘብን ቅድሚ ስጉምቲ ምውሳዱ መጠንቀቕታ ክህብን ዝተገደደ።

እቲ ኣብ መቐለ ቅብሊት ብዘይ ምቑራፅ ዝግበር ስወራ ግብሪ እንትቕረፍ ንካልኦት ከተማታትን ወረዳታትን ክልልና እውን ናብ ስርዓት ዘእቱ ብምዃኑ መንግስቲ ክልልና ልዑል ትኹረት ሂቡ እዩ ዝሰርሐሉ ዘሎ። እቲ ምንታይ ነጋዶ መቐለ “ኣብ መርካቶ ዝርከቡ ነጋዶ ናብ ስርዓት ስለዘይኣተው እዮም ቅብሊት ዘይንቖርፅ ዘለና” ዝብሉ ዝነበሩ ሕዚ እቲ ምኽንያት ስስዐ ምዃኑ ባዕልቶም እውን እናኣመንሉ እዮም። ስለዝኾነ ነጋዶ መቐለ ቅብሊት ዘይቆርፁ እንተኾይኖም ነቶም ካልኦት ነጋዶ ክልልና ፈታኒ እዩ። መንግስቲ ነቲ ፀገም ብልዝብን ምምሃርን ክፈትሖ ስለዝደለየ እውን እዩ እቲ ሕጊ ንዘጥፈአ ይቀፃዕ እናበለ እናሃለወ “ካብ ምቕፃዕ ምምሃር ይቐድም” ኢሉ ካብ 2004 ዓ/ም ጀሚሩ ብስሩዕ ካብ ምምሃር ሓሊፉ ሰለስተ ግዜ ምስ ኣጠንቀቐ ምቑንጣጥ ጀሚሩ ዘሎ። እዚ እውን ነቲ ምኽርን ትዕግስትን መንግስቲ ፀማም እዝኒ ዝሃቡ (ኣይንሰምዕን ዝበሉ) 25 ዓበይቲ ነጋዶ ከተማ መቐለ ኣብ 2009 ዓ/ም ንሕድሕዶም 50000 ብር ቀፂዑ ኣሎ። ኣብዚ ዓመት እውን ዛጊድ ክልተ ነጋዶ ድሕሪ ተደጋጋሚ መጠንቀቕታ 50000 ብር ዝቐፀዐ ኮይኑ እቲ ብገበን መዳዩ ካብ 3 ክሳብ 5 ዓመት ተወሳኺ ቅፅዓት ዘውህብ ዝነበረ ግን ከምዝመሓሮም ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ከተማ መቐለ ወ/ሮ ብርኽቲ ዘሪሁን የረድኣ።

ግብሪ ሰረት ዕብየት ሓንቲ ሃገር እዩ እንትበሃል ብዘይምኽንያት ኣይኮነን። እቲ ምስጢር ከምኡ ስለዝኾነ እውን እዩ ኣብ ዝዓበያ ሃገራት ዝእክበኦ እቶት ካብ 25 ክሳብ 45 ምኢታዊ ዓመታዊ ምህርተን ዝሽፈን ዘሎ። ኣብ ሃገርና ግን ኣተሓሳስባ ስለዝደሓርና ካብ 12 ነጥቢ 5 ክሳብ 14 ምኢታዊ እዩ ዝሽፈን። እዚ ክኾን ዝኸኣለ እውን እቲ ነጋዳይ ቅብሊት ብዘይምቁራፅ ግብሪ ኣብ ርእሲ ምስዋሩ ልውውጥ ዕዳጋ እንተየካየድካ ከም ዘካየድካ ኣምሲልካ ብተመላሽ ገንዘብ መንግስቲ ምዝራፍ እውን ስለዘሎ እዩ። ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት በዚ መንገዲ 24 ሚልዮን ብር ገንዘብ መንግስቲ ክወስዱ ዝፈተኑ ሸሞንተ ነጋዶ ከተማ መቐለ ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ውዒሎም ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ እናተርኣየ ከምዝርከብ ዓቃቢ ሕጊ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ኣይተ ሓዱሽ ኣባዲ ይገልፁ።

እዚ ተግባር ኣካብነት ክራይ ካብ 100 ሽሕ ክሳብ 200 ሽሕ ብርን ካብ 7 ክሳብ 10 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርትን ዘቕፅዕ ገበን እዩ። እቲ ካሊእ ክትግበር ዝፀንሐ ስወራ ግብሪ እውን ዝምልከቶ ኣካል ዘይፈቐዶን ዘይፈልጦን  ባዕሎም ፓዳት እናሓተሙ ዝጥቀምሉ ሕትመት እዩ። ቀንዲ ተግባር እቲ ዘይሕጋዊ ሕትመት ድማ ተገልጋላይ ንመንግስቲ ዝኸፍሎ ግብሪ ሕጋዊ ኣምሲልካ ብምቕባል ንውልቀ ረብሓኻ ንምውዓል እዩ። እዚ ድማ ካብ 300 ሽሕ ክሳብ 500 ሽሕ ብርን ካብ ክልተ ክሳብ 5 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርትን ዘቕዕፅ ምዃኑ ክፍለጥ ይግበኦ። ከምዚ ዓይነት ዘይሕጋዊ ተግባር ክፍፅም ዝፀንሐ ሓደ ነጋዳይ እውን ኣብ ቀይዲ ሕጊ ውዒሉ ጉዳዩ ኣብ ከይዲ ቤት ፍርዲ ከምዘሎ ኣይተ ሓዱሽ ገሊፆም ኣለው።

እዚ ከምዚ እናሃለወ ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ሕትመት ሒዙ ዝተረኸበ ዝኾነ ይኹን ኣካል 200 ሽሕ ብርን ካብ 10 ክሳብ 15 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርትን ዘቕፅዕ ኮይኑ በዚ ተግባር ክንቀሳቐስ ዝፀንሐ ሓደ ነጋዳይ እውን ኣብ ቀይዲ ሕጊ ውዒሉ ጉዳዩ ኣብ ከይዲ ሕጊ ምህላው ንምፍላጥ ክኢልና ኣለና። ኣብ ከተማ መቐለ ከምዚ ዝበለ ተግባራት ኣከብነት ክራይ ገንጊኑ ዝረኣየሉ ዋላ እኳ እንተኾነ መንግስቲ ካብ ዘለዎ ትዕግስቲ ግን ኣብ ውሱናት ነጋዶ መርኣዪ ዝኾነ ስጉምቲ ክወስዱ ጀሚሩ ምህላው ምርዳእ የድሊ። ኣብዚ መንግስቲ ስወራ ግብሪ ሓደጋ ስርዓት ምዃኑ ብምግንዛብ ሕብረተሰብ ንክፈልጥ እውን ተደጋገምቲ ፃዕርታት እናገበረ ከም ዝፀንሐ ይፍለጥ። መቐፀልታ ናቱ እውን እዩ ሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ከተማ መቐለ ምስ ነጋዶ ገፅ ንገፅ ተራኺቦም ክግምግሙ ፀኒሖም ዘለው።

ተሳታፊ እቲ መድረኽ ዝነበሩ ኣይተ ወ/ስላሰ ጎይቶኦም ዝተብሃሉ ኣብ ሱፐር ማርኬት ዝንቀሳቐሱ ወገን እቲ ዝቐረበ ገምጋማዊ ስልጠና ባይታ መሰረት ዝገበረ ዳህሳሳዊ ፅንዓት ስለዝኾነ ንባህርን ተግባርን ነጋዶ ከምዝገልፅ የረድኡ። ንሱ እውን ገሊኡ ቅብሊት ዝቖርፅ ገሊኡ ዘይቖርፅ ዝተረፈ ድማ ኣብ ምቑራፅ ቅብሊት ምሉእነት ዘይብሉ ነጋዳይ ከምዘሎ የረድኡ። ኣይተ ሓዱሽ ተኽሉ እውን እንተኾነ እቲ ዝቐረበ ገምጋም ልክዕ ኮይኑ ኣብ ምምዝጋብ ተወሳኺ እሴት ታክስ ኣብ መንግስቲ ሓላፍ ዘላፍ ብምህላው ነቲ ክፍተት ክፍጠር ምኽንያት ከምዝኾነ ይገልፁ። ካብኡ ሓሊፉ ንሓደ ዓይነት ስራሕ ንገሊኡ “ቫት” እናመዝገብካ ንገሊኡ ምግዳፍ ከምዘሎ የረድኡ። ወ/ሮ ኣረጋሽ መረሳ ኣብ መሳርሒ ህንፃ ዝንቀሳቐሳ ነጋዲት ብወገነን መብዛሕትኡ ነጋዳይ ቅብሊት ዘይቖርፅ በዝሒ ስራሕን ስስዐን ከምዝኾነ እየን ዝገልፃ። እቲ ክፍተት ኣብ ሰራሕተኛታት እውን ስለዝፍጠር ነቲ ሰራሕተኛ ስልጠና ዝወሃበሉ መንገዲ ንክመዓራረ የተሓሳስብ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ኣይተ ኣማኑኤል መብራህቱ ነጋዳይ ማሕበረሰብ እቲ ፀገም ኣሚኑ ናብ ስርዓት እንተኣትዩ ዝጎሃሃር ዘሎ ልምዓትና ናህሩ ንክዕቅብ ከምዝሕግዝ እዮም ዝገልፁ። ልምዓትና ከይቀላጠፍ ግን ቅብሊት ብዘይምቁራፅ ዝግለፅ ስወራ ግብሪ ብሰፊሑ ይርአ ብምህላው ዕንቅፋት ከምዝኾነ ይሕብሩ። ናይዚ መርኣዪ ድማ ኣብታ ክፍለ ከተማ ሓደ ን3 ዓመት ዝኣክል “ኣይሸጥኩን” እናበለ ፀብፃብ ዘቕርብ ዝነበረ ኣብ ስሚንቶ ዝንቀሳቐስ ነጋይ ምንቅስቓስ ንግዱ ብዕምቆት እንትፍተሽ በብማዓልቱ  50 ኩንታል ክሸይጥ ከምዝፀንሐ ተረጋገፁ እዩ። ስለዝኾነ ስወራ ግብሪ ክሳብ ክንድኡ ዝኸፍአ ብምዃኑ ኣብዚ እዋን መንግስቲ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ናብ ስርዓት ንክኣቱ ቆሪፁ ተላዒሉ ኣሎ። ብዛዕባ ቅብሊት ምቁርራፅ ዝብል ንሰራሕተኛታት ከምዘሰልጥኑ ዝሓበሩ ኣይተ ኣማኑኤል ብዛዕባ “ስራሕ በዚሑና ቅብሊት ኣይንቆርፅን” ዝብል ግን ሸፈጥ ምዃኑ እዮም ኣገንዚቦም። እዚ እውን እቲ ነጋዳይ ቅድሚ ገንዘብ ምቕባሉ ነቲ ተጠቃማይ ክንደይ ከምዝኸፍል ኣቐዲሙ ቅብሊት ክህብ ከምዘለዎ የተሓሳስቡ።

ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ከተማ መቐለ ወ/ሮ ብርኽቲ ዘሪሁን ብወገነን ልዕልነት ሕጊ ክረጋገፅ ቅብሊት ምቑራፅ እንተይተሸራረፈ ንክፍፀም እየን ኣተሓሳሲበን። እቶም ስጉምቲ ዝተወሰደሎም ነጋዶ ሓደ ግዜ ክልተ ግዜ ወይ ቅብሊት ብዘይምቁራፆም ዝተቐፅዑ ዘይኮኑስ ዓመት ምሉእ ግብሪ ክስውሩ ዝፀንሑ ከምዝኾኑ እየን ዝገልፃ። “ቅብሊት ዘይቑረፅ ዘሎ ዝተቖፀሩ ሰራሕተኛታት ንኸትርፉ ስለዝደልዩ እዮም ዘይቁረፅ ዘሎ እምበር እቲ በዓል ሃፍቲ ኮነ ኢሉ ኣይኮነን። ስለዚ ሰራሕተኛ እውን መንግስቲ ይሕተተልና” ዝብል ሕቶ ኣግባብ ከምዘይኮነ እየን ዝገልፃ። ምኽንያቱ ነቲ ሰራሕተኛ ክቆፃፀር ዘለዎ እቲ በዓል ዋና ስለዝኾነ ኣብዚ ካብ ተሓታትነት ዘምልጥ ኣካል ስለዘየለ ተረዲኡ ባዕሉ ክቆፃፀር ከምዘለዎ እየን ዘገንዘባ።

ብድምር እቲ ነጋዳይ ሕብረተሰብ ብዝኸፍሎ ግብሪ ኣብ ህንፀት ህልውና ሃገር ሓደ ኩረት የቕበል ከምዘሎ ክሓስብ ኣለዎ። ላዕሊ ታሕቲ ኢሉ ዘዋህልሎ ሃፍቲ ብሰላም ክጥቀመሉን ድሕንነቱ ዘረጋግፀሉ መንግስቲ ድልዱል ሰራዊት ፀጥታ ክሃንፀሉ እንተኾይኑ ገንዘብ የድሊ። ገንዘብ ድማ ካብ ዝእከብ ግብሪ እዩ ዝርከብ። ካብዚ ሓሊፉ ምንቅስቓስ ንግዲ ዘቀላጥፉ መሰረተ ልምዓታት ክውገኑን ግልጋሎት ዝህቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክቁፀሩን እንተኾይኖም ንስወራ ግብሪ ክፅየፍ ይግባእ። ብፍላይ ድማ እቲ በዓል ሃፍቲ ዘጣይሾም ትካላት እቲ ሕብረተሰብ ምንጪ ልምዓቱ ገይሩ ብምርኣይ ከም ብሌን ዓይኑ ክሕልዎም እንተኾይኑ ነቲ ህዝቢ ዝረብሕ ግብሪ እንትኽፈል እዩ እሞ ስስዐ ተመሊሱ ዝበልዖ ምዃኑ ኣሚኑ ነጋዳይ ንስወራ ግብሪ ክቃለስ ይግባእ ንብል።


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 966
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010