የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4530389
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
312
2250
18428
4495290
45662
165145
4530389

Your IP: 54.198.108.19
2017-11-19 02:46

ዋጋ ህይወት ክንደይ ይግመት?

here we go
selam new

ጥዕና መዘና ዘይብሉ ናይ ፀጋታት ኩሎም ብሉፅ ህያብ እዩ። እዚ ፀጋ እዚ እንትጓደል ኣብ ስነ ልቦናዊ ይኹን ማሕበረ-ቁጠባዊ ዜጋታት ፅዕንቶ የሕድር። ከምኡ እውን ብርኪ መነባብሮ ህይወት ክንኪ ብምግባር ብህይወት ናይ ምንባር ዕድመ ዜጋታት ክሓፅር ይገብር። ነዙይ ንምምሕያሽ እዩ ውድብናን

 ኣብ ዙርያ መድሕን ጥዕና ብምዕሳል ህይወትና ነውሕስ!

መንግስትናን ፖሊስን ስትራቴጅን ጥዕና ሓንፂፆም ኣድማሳዊ ተበፃሕነት፣ ፅሬትን ፍትሓውነትን ግልጋሎት ጥዕና ንምርግጋፅ ወግሐ ፀብሐ ኣጀንዳ ገይሮም ኣብ ምርብራብ ዝርከቡ ዘለዉ።

ፖሊሲ ጥዕና ሃገርና ጥዑይን መፍረያይን ዜጋ ምፍጣር ቀንዲ ዕላምኡ ገይሩ እናሰርሐ ፀኒሑ እዩ። እዚ ተበፃሕነት ግልጋሎት ተበፃሕነት ግልጋሎት ጥዕና  ዝያዳ ንምርግጋፅ ድማ ሓረስታይ ሕብረሰብና ይኹን ኣብ ትሑት ብርኪ መነባብሮ ዝርከብ ክፋል ሕብረተሰብ ብዉሑድ ወፃኢ ምስ ሙሉእ ስድርኡ ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝለዓለ ትካል ጥዕና ግልጋሎት ዝረኽበሉ ስርዓት ምዝርጋሕ ኣገዳሲ እዩ። እዚ እንትገብር ሸቶ ልምዓት ጥዕና ንምዕዋት ድማ ዜጋታት ግልጋሎት ጥዕና ክረኽቡ ብዘተባብዕ መልክዑ ምንፃር ኣገዳሲ እዩ።

ብመሰረት እዚ ቀፃልነት ዘለዎ ግልጋሎት ጥዕና ንሕብረተሰብ ንምቕራብ ሕብረተሰብ መሰረት ዝገበረ መድሕን ጥዕና ምትእትታው መማረፂ ዘይብሉ መፍትሒ ምዃኑ ተኣሚንሉ ተግባራዊ ካብ ዝኸውን  ሸውዓተ ዓመታት ተቖፂሩ ኣሎ። ሕብረተሰብ መሰረት ዝገበረ መድሕን ጥዕና ስሩዕ ኣብ ዘይኮነ ዘፈር ቁጠባ ዝተዋፈሩ ክፋላት ሕብረተሰበ ዝሓቖፈ ኮይኑ ኣብ 2003 ዓ/ም ብብርኪ ሃገር እንትጅመር ክልልና እውን እዚ ስርዓት ተግባራዊ ካብ ዝኾነለን ኣርባዕተ ክልላት ሓንቲ ነይራ።  ብብርኪ ክልል እውን ቀዲሙ  ከም “ፓይለት” ኮይነን ካብ ዝተጀመረለን ወረዳታት ሓንቲ  ወረዳ ኣሕፈሮም እያ። ማእኸል እዚ ፅሑፍ እውን ነበርቲ እታ ወረዳ ረብሓታትን ጥቕምታትን እቲ ፕሮግራም ከመይ የስተማቕርዎ ምህላዎም ዝድህስስ እዩ።

ሕብረተሰብ መሰረት ዝገበረ መድሕን ጥዕና ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ተግባራዊ እንትግበር ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝነበረ ኣቀባብላ ጥርጣረ ዝተመልኦ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር መላእ ኣመራርሓ ከምኡ እውን ክኢላታት ጥዕና እታ ወረዳ ብዝገበርዎ ተደጋጋሚ ኣስተምህሮ እቶም ምስቲ ፕሮግራም ተኣሳሰሲሮም ዝለዓሉ ዝነበሩ ሓሳባት ከም ኣባል መድሕን ጥዕና ንዝኾኑን ዘይኮኑን ኣካላት ኣብ ትካላት ሕክምና ዝወሃብ ግልጋሎት ማዕረ ኣይኮነን፣ ካብ ውልቀ ቤት መድሓኒት ንምግዛእ ዘውፃእካዮ ገንዘብ ኣይምለሰካን ዝብሉን ካልኦት ጥርጣረታትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብዝተባብዕ መንገዲ እናቐነሰ ከምዝመፀ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጥዕና ወረዳ ኣሕፈሮም ኣይተ ገ/መድህን ኣለማዮ ገሊፆሙልና። ብተግባር ዝተዓዘብናዮ ህልዊ ኩነታት እውን ንእኡ እዩ ዘጠናኽር።

ወረዳ ኣሕፈሮም ልዕሊ 47 ሽሕን 507 መራሒ ስድራ ዝነብረላ ኮይና ካብዚኣቶም 34 ሽሕን 938  መራሕቲ ስድራ ኣባል መድሕን ጥዕና ንምግባር ትልሚ ተታሒዙ እናተሰርሐሉ እዩ። እቲ ፕሮግራም ኣብ 2003 ዓ/ም እንትትጅመር እቶም 13 ሽሕን 907 መራሕቲ ስድራ ኣባል ብምግባር እዩ። እዙይ እውን 35 ነጥቢ ሽዱሽተ ምኢታዊ ኣፈፃፅማ ዝነበሮ እንትኸዉን ኣብ 2005 ዓ/ም እውን ናብ 39 ምኢታዊ ክዓቢ ክኢሉ እዩ ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ 2006 ዓ/ም ኣብ ማእኸል ወረዳን ኣብ ኩለን ጣብያታት እታ ወረዳ ብዝተዉሃበ መዕበዪ ግንዛበ ናብ 40 ምኢታዊ ክብ ክብል ከም ዝኸኣለ እዮም ኣይተ ገ/መድህን ኣለማዮ ዘረድኡ። ዛጊድ ድማ እቶም 15 ሽሕን  845 (46 ምኢታዊ) ዝኣኽሉ ኣባል መድሕን ጥዕና ኮይኖም እዮም። ካብዚኣቶም እውን ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮንን 971 ሽሕን 679 ብር ናይ ኣባልነት ክፍሊት ክርከብ ዝኸኣለ እንትኸውን እቲ ሓደ ሚልዮንን 433 ሽሕን 145 ብር ን144 ሽሕን 689 ንተሓከምቲ ወፃኢ ተገይሩ እዩ። ብድምር እቲ ኣፈፃፅማ ምስቲ ዝተጀመረሉ ዓመት እንትንነፃፀር ኣመራርሓ እታ ወረዳ ገና ብዙሕ ዘይደየቦ ዓቐበት ከምዘሎ እዩ ዘመላኽት።

እዚ መደብ ካብ ዝተኣታቶ ንነዘ ብዙሓት ሓረስቶት ብፍላይ ድማ ኣብ ትሑት ዝኾነ ብርኪ ቁጠባ ዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣባላት እዚ ስርዓት ብምዃኖም ተረባሕነቶም እናስተማቐርዎ ከምዝኾኑ እዮም ዝገልፁ። ኣይተ ወልዱ ገ/ህይወት ነበሪ ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ዓጋሞ እዮም።  መጀመርያ ወርሒ ለካቲት 2008 ዓ/ም ንዐዖም ከምተን ኩለን ኣዋርሕ ፅቡቕ ኣይነበረትን። እቲ ምንታይሲ ዓብይ ዝኾነ ምህዋኽ ጥዕና ኣጋጢምዎም ነይሩ። ድሕሪኡ ድማ ናብ ከተማ ፈረስ ማይ ከይዶም ኩነታት ጥዕንኦም ክትትል ገይሮም። እቲ ዘጋጠሞም ምህዋኽ ጥዕና ብዓቕሚ ጥዕና ጣብያ ፈረስ ማይ ክምለስ ስለዘይከኣለ ናብ ሆስፒታል ዓድዋ “ሪፈር” ተባሂሎም ከይዶም ክሕከሙ ኪኢሎም እዮም። ይኹን እምበር ሕዚ እውን እቲ ዘጋጠሞም ሕማም ክብድ ዝበለ ስለዝነበረ ናብ ሆስፒታል ሪፈራል ዓይደር ከይዶም ንኽሕከሙ እንደገና “ሪፈር” ተባሂሎም ብምኽንያት እዚ እውን ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ንልዕሊ 10 መዓልቲ ሕክምነኦም ክከታተሉ ፀኒሖም ኩነታት ጥዕንኦም ናብ ንቡር ኩነታት ክምለስ ከምዝኸኣለ ይገልፁ።

እዚ እንትትኸውን ድማ ልዕሊ 25 ሽሕ ብር ወፃኢ ተሸፊንሎም እዩ። ኣይተ ወልዱ ኣቐዲመ ኣባል መድሕን ጥዕና ብምዃነይ ዋጋ ሰለሰተ ኣብዑር ዝግመት ገንዘብ እዩ ኣድሒኑለይ ይብሉ። ንምዃኑ እዞም ወገን ኣባል መድሕን ጥዕና እንተዘይኮኑ ነይሮም ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ካበይ ኣምፂኦም ምታሓከሙ ነይሮም ዝብል ሕቶ ምልዓሉ ኣይተርፍን። ኣይተ ወልዱ እውን ምስ እዚ ተኣሳሲሩ ዝበሉና ሓደ ነገር ኣሎ። ንሱ እውን እቲ ዘጋጠሞም ሃንደበታዊ ምህዋኽ ጥዕንኦም ህይወቶም ካብ ሞት ንምትራፍ “ናብ ትካላት ሕክምና ከይደ ምሕካመይ ኣይተርፈንን ነይሩ። ኮይኑ ግን ዘለዋኒ ጥሪት ኩለን ሸይጠ እውን እዚ ዝኣክል ገንዘብ ኣይምረኸብኩን። ስለዚ እታ ብዛዕባ እንታይነትን ረብሓን መድሕን ጥዕና ዝሰማዕኩላ መዓልቲ ከም ‘ቅድስቲ መዓልቲ’ እየ ዝቖፅራ ”ይብሉ።

እቲ ፕሮግራም ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ኣብ 2003 ዓ/ም ካብ ዝተኣታቶ ጀሚሩ መድሕን ጥዕና ፀገም ጥዕና እንተጋጥም ብዘይተወሳኺ ክፍሊት ግልጋሎት ሕክምና ንምርካብ ዘኽእል ስርዓት ምዃኑ ከም ኣይተ ወልዱ ገ/ህየወት ዝተረድኡ ብዙሓት ዋላ እኳ እንተኾኑ ሕዚ እውን እቲ ረብሓ ዘይተረድኦም ዘየድሊ ወፃኢ ዘውፅኡ ወገናት እውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ንኣብነት ንምርኣይ ዝኣክል ኣይተ ግርማ ኣበራ ኣብ ሆስፒታል ኣክሱም ብዘጋጠሞም ፀገም ጥዕና ክትትል እናገበሩ ኢና ረኺብናዮም። ኣብቲ ሆስፒታል ካብ ዝኣትው ሰለስተ መዓልቲ ድማ ገይሮም። ብሓፈሻ ንተኸታተልቲ ዓሰርተ መዓልቲ ኣብቲ ሆስፒታል ፃንሒት ከምዝገበሩ ብዶክተሮም ከምዝተነገሮም ነጊሮሙና። ንኣፋውስን ንምግብን እሞ ይፅናሕ ንዓራት ጥራሕ ንሓደ ለይቲ 141 ቅርሺ ከምዝኸፈሉ ሓቢሮሙልና እዮም። ጠቕላላ ኣብ ውሸጢ 10 መዓልቲ ንዓራት ጥራሕ ልዕሊ ሓደ ሽሕን ኣርባዕተ ሚኢትን ይኸፈሉ ኣለው ማለት እዩ።

ንኣይተ ግርማ ክሳብ ሕዚ ንምንታይ ኣባል መድሕን ጥዕና ከም ዘይኮኑ ሓቲትናዮም ነይርና። ብከምዚ ዝስዕብ ድማ ይገልፁልና። ብዛዕባ እቲ ፕሮግራም ካብ ወረዳ ብዝመፁ ኣመራርሓን ክኢላታት ጥዕናን ኣስተምህሮ ከምዝወሃብ እዮም ዝነገሩና። ይኹን እምበር ኣባል ኮይኖም ዓመታዊ ክፍሊት 240 ብር ምስ ከፈልሉ ኣፋውስ ይኹን ካልኦት ግልጋሎት ካብ ጅባኻ ክፈል ክብሉኒ እዮም ዝብል ጥርጣረ ከምዝነበሮም እዮም ዝገለፁ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን እቲ ኣብ ምሽጦም ዘሎ ጥርጣረ ከውግድ ዝኽእል ሓደ ኣጋጣሚ ከምዝተዓዘቡ ነጊሮሙና ኣለው። ኣብ ሆስፒታል ኣክሱም ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ኣብ ጎድኖም ደቂሱ ዝነበረ ሓደ ተሓካሚ ኣባል መድሕን ጥዕና ብምዃኑ ልዕሊ ሽዱሽተ ሽሕን 700 ቅርሺ ወፃኢ ከምዝተሸፈነሉ ብዓይነይ ሪአ ይብል። “እዙይ ዝኣክል ገንዘብ ክኽፈለሉ እንተሎ ዋላ ሓንቲ ሳንቲም ኣውፂኡ ካብ ደገ /ውልቀ ቤት መድሓኒት/ ግዛእ ከምዘይተብሃለ ተዓዚበ” ይብሉ። “ምርኣይ ምእማን እዩ” ማለት እዙይ እዩ። ክሳብ ሕዚ ዘውፅእዎ ገንዘብ ኩነታት ጥዕናኦም ናብ ንቡር ኩነታት ንምምላስ ዋላ እኳ እንተኾነ እውን “ብዘይ ኣገባብ ከም ዝወፀ ገይረ እየ ዝሓስብ ንቀፃሊ ግን ኣባል መድሕን ንምዃን ወሲነ ኣለኹ” ይብሉ።

ኣብዙይ ክንዝንግዖ ዘይግባእ ሓደ ቁምነገር ኣሎ። ግልጋሎት ሕክምና ንምርካብ ኣብ መንግስታዊ ትካላት ሕክምና ንኸይድ ኢና። ኩሉ ዓይነት ኣፋውስ ክንረክብ ኢና ማለት ግን ኣይኮነን። ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ድማ እቲ ዝተኣዘዘልና ፈውሲ ኣብ ውልቀ ቤት መድሓኒት ቀጥታ ካብ ጅባና ገንዘብ ብምውፃእ ንኽንገዝእ እንግደደሎም መዓልታት ብዙሓትእዮም። ስርዓት መድሕን ጥዕና ግን ዋላ መድሓኒት ካብ ደገ ንግዛእ እምበር እቲ ካብ ጅባና ዘውፃእናዮ ገንዘብ ብመሰረት ዘቕረብናዮ ሕጋዊ ቅብሊት ካብ ቤት ፅሕፈት መድሕን ጥዕና ከምዝወራረደልና መተሓባበሪ ኤጀንሲ መድሕን ጥዕና ጨንፈር መቐለ ኣይተ ኣረጋዊ በርሀ ይገልፁ።

ኣብ ሕዚ እዋን ኣብ ትካላት ጥዕና ዝወሃብ ዘሎ ግልጋሎት ጥዕና ክፍሊት ክሓትት ግድን እዩ።ግልጋሎት እስካብ ዝሃብካ ክፍሊት ግድን እዩ።ይኹን እምበር ልምዓታዊ መንግስትና እንታይ ዓይነት ስርዓት ክፍሊት ከምዝህሉን ከፊሎም ክሕከሙ ንዘይኽእሉ ድኻታት ክፋል ሕብረተሰብ ብሰንኪ ሕፅረት ወይ ስእነት ገንዘብ ሂዎቶም ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ብምሕሳብ ጥንቃቐ ዝተመልኦ ስርዓት እዩ ፈጢሩ ዘሎ። ብሓፈሻ ሕብረተሰብ መሰረት ዝገበረ መድሕን ጥዕና ብምኽንያት ቅፅበታዊ ሕማም ከጋጥሞ ንዝኽእል ዘድሕን ፕሮግራም እዩ። ስለዚ ነዚ ኣብ ግምት ዘእተው ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ዓመት ብዘዋፅእዎ ንህይወቶም ዘተኣማምን ውሕስና ኣትዮም ይርከቡ።

ዋጋ ህይወት ብገንዘብ ኣይኮነን። ዝኾነ ሰብ ድማ ብተፈጥሮ እውን ሃንደበታዊ ሓደጋን ዝበፅሖ ነገር ኣይፍለጥን። እዚ እንተኾይኑ ንህይወቱ ውሕስና ከቐምጠላን ክጥንቀቐላን ኣለዎ። ኣሸንካይዶ ባዕሉ ተመሊሱ እንትሕከም ተደራራቢ መኽሰባት ኣብ ዝረኽበሉ ትካል መድሕን ኣባል ምኻን ንመፃኢ ውሕስና ዝኾነ ገንዘብ ምቕማጥ ግድን ይብሎ። ስለዚ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ነዚ ሓቂ ተረዲኡ ኣባል ኮይኑ ክፍሊቱ ብምፍፃም ንህይወቱን ህይወት ስድራ ቤቱን ዋጋ ክህብ ይግባእ።


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 961
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010