የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4600560
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
993
5928
12047
4567652
38525
77308
4600560

Your IP: 54.163.61.66
2017-12-13 09:09

ኣማራፂ ማይ ዱልዱል ዓቕሚ ሓረስታይ

here we go
selam new

                                      ካብ ፍርያት መስኖ ሓረስታይ ጥዑማይ

ክረምቲ ጥራሕ ተፀቢኻ ዝካየድ ስራሕቲ ማእቶት ኣብ ሓረስቶት ክልልና እናነከየ ብኣንፃሩ ኣማራፅታት ማይ ወኒንካ ኣብ እዋን ሓጋይ ኮነ ክረምቲ ፍርያት መስኖ ምሕፋስ ብኣረኣእያን ተግባርንእናጎልበተ ዝኸደሉ ኩነታት ንርእይ ኣለና። ናይዚ ምኽንያት፣ ሓረስቶት ረብሓ ልምዓት መስኖ ተገንዚቦም ኣብ ምውናን ኣማራፅታት ማይ ዝነበሮም ኣተሓሳስባ  ካብ እዋን ናብ እዋን እናዛየደ ይመፅእ ብምህላዉ እዩ። ስለዝኾነ ምውናን ኣማራፅታት ማይ ንድኽነት ካብ ምስዓር ሓሊፉ ሃፍቲ ዝምእረረሉ ዓውዲ ምዃኑ ብተግባር ይርአ ስለዘሎ ሓረስቶት በዚ ኣቢሉ ዝምዝገብ ዘሎ ለውጢ እናረኣዩ “ኣማራፂ ማይ ወኒንካ መነባብሮኻ ንምልዋጥ ይከኣል እዩ” ዝብል ኣተሓሳስባ እናጨበጡ ይርከቡ። እዚ ኣተሓሳስባ ወኒኖም ናብ ተግባር ዝኣተዉ ሓረስቶት ክልልና ብዙሓት እኳ እንተኾኑ ንሎሚ ኣማራፅታት ማይ ብምውናን መነባብሮኦም ካብ ዝለወጡ ሓረስቶት ወረዳ ሰሓርቲ ሳምረ ክንርእይ።

ጠቕላላ ተሓራሳይ መሬት ወረዳ ሰሓርቲ ሳምረ 32 ሽሕን 190 ሄክታር ኮይኑ ተሓራሳይ መሬት ዘለዎም መራሕቲ ስድራ ሓረስቶት ድማ 27 ሽሕን 578 እዮም። ካብዚኣቶም እቶም 23 ሽሕን 256 መራሕቲ ስድራ ንልምዓት መስኖ ዝምችው ተሓራሳይ መሬት ኣለዎም። ስለዝኾነ 21 ሽሕን 385 መራሕቲ ስድራ ንሓጋዝን መደበኛን መስኖ ዝኾኑ ኣማራፅታት ማይ ዝወነኑ እንትኾኑ 15 ሽሕን 856 መራሕቲ ስድራ ድማ ንመደበኛ መስኖ ዝኾኑ ኣማራፅታት ማይ ዘለዎም እዮም። ካብቶም ንመደበኛ መስኖ ዝኽውን ኣማራፂ ማይ ዝሓዙ እቶም 9,484 መራሕቲ ስድራ ሓደ ኣማራፂ ማይ እንትህልዎም እቶም 6,373 መራሕቲ ስድራ ክልተን ልዕሊኡን ኣማራፅታት ማይ ዝወነኑ እዮም። እዚ ንመናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ዝሓቘፈ እዩ። ንኣብነት ካብቶም ንመደበኛ መስኖ ዝኸውን ኣማራፂ ማይ ዝሓዙ መራሕቲ ስድራ እቶም 2,600 መናእሰይ እንትኾኑ እተን 3,848 ደቂ ኣንስትዮ እየን። ኣብቲ ወረዳ ተፈጢሮም ብዘለዉ ኣማራፅታት ማይ ብመስኖ ክለምዕ ዝኽእል 13 ሽሕን 711 ሄክታር እዩ። ካብዚ ክሳብ መወዳእታ 2009 ዓ/ም ናብ ልምዓት ዝኣተወ ዓሰርተ ሽሕ ሄክታር ከም ዝኾነ ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሃፍቲ ማይ፣ ማዕድንን ኢነርጅን እታ ወረዳ ኣይተ ገብረስላሴ ተስፋይ ይገልፁ።

ይኹን እምበር ኣብታ ወረዳ ናብ ልምዓት መስኖ ኣትዩ ዘሎ ስፍሓት መሬት ክንድቲ ክለምዕ ዝግበኦ ከም ዘይኮነ እዮም ኣይተ ተስፋይ ዝገልፁ። ምኽንያቱ ኣብታ ወረዳ ዘለዉ ኣማራፅታት ማይ ልዕሊ እቲ ዝለምዕ ዘሎ  ስፍሓት መሬት ከልምዑ ዝኽእሉ እዮም። ኮይኑ ግና ኣብ ሓረስቶት ዘሎ ግንዛበ ልምዓት መስኖ ናብቲ ዝድለ ብርኪ ዘይምብፅሑ ኣማራፂ ማይ ምስ ሓዝካ ቀልጢፍካ ናብ ልምዓት ዘይምእታው፣ ናብ ልምዓት እንተኣቲኻ እውን እተልምዖ መሬት ቆንጢርካ ምሓዝ ኣሎ። እዚ ዝፈጠሮ እውን እኹል ማይን ምችው ተሓራሳይ መሬትን እናሃለወ ካብ ልምዓት ወፃኢ ዝኾነ 3,711 ሄክታር ተሓራሳይ መሬት ገና ናብ ልምዓት ኣይኣተወን። እዚ ከም ዘለዎ ኮይኑ ኣብ ጣብያ ለምለም ዝርከብ 600 ሄክታር ዘለምዕ ዳይቨርሽን ብምፍራስ ኣብቲ ከባቢ ዘለው ሓረስቶት ተፀጊሞም ይርከቡ። እዚ ንክዕሪ ናብ ክልል ተደጋጋሚ ሕቶ ዝቐረበ ኮይኑ ክሳብ ሕዚ መልሲ ኣይተወሃበን። እቲ ኣብ ሓረስቶት ዘሎ ፀንቂቕካ ናብ ልምዓት ዘይምእታው ኣረኣእያ  ግና ምስ ማሕበራት ሓፋሽ፣ ክኢላታት ልምዓት መስኖ ጣብያታትን ሞዴላት ሓረስቶትን ብምትሕብባር ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንምምሕያሽ ፃዕሪ ከም ዝግበር ኣይተ ገብረስላሴ የረድኡ።

ነባሪ ጣብያ ዓምዲ ወያነ ደብረ ሓይላ ዝኾኑ ሓረስታይ ጥዑም ጊደይ ዝገለፁልና ሓሳብ እውን ነዚ ዘጠናኽር እዩ። እቶም ሓረስታይ ቅድሚ 2008 ዓ/ም ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝፍጠር ግዝያዊ ወሓዚ ሩባ እናተጠቐሙ እዮም ከልምዑ ፃዕሪ ዝገብሩ ነይሮም። ይኹን እምበር ኣብ መስኖ እኹል ግንዛበ ብዘይምሓዞም እቲ መሬቶም ንመስኖ ምችውን ብቀረባ ማይ ዝርከበሉን እናሃለወ ዘተኣማምን ዒላ ኩዒቶም ናብ ዝተጠናኸረ ልምዓት መስኖ ክኣትዩ ኣይከኣሉን።

ኣብ 2009 ዓ/ም ወረዳኦም ምስ ቤተ ክርስትያን መካነ እሱስ ተሓባቢሩ ኣብ ከባቢኦም ሓደ ዓብዪ ሓበራዊ ዒላ ምስ ኮዓተሎም ምሉእ ብምሉእ ናብ ልምዓት መስኖ ብምእታዎም ኣብ ዘለዎም ሓደ ፅምዲ መሬት ፃዕዳን ቀይሕን ሽጉርቲ ከምኡ እውን ዕፉን ዘሪኦሙዎ። ካብዚ እውን 15 ኩንታል ዕፉን፣ ሓሙሽተ ኩንታል ቀይሕ ሽጉርትን ኣርባዕተ ኩንታል ፃዕዳ ሽጉርትን ከምዝረኸብሉ ይዛረቡ። ኣብ 2010 ዓ/ም 28 ኩንታል ምህርቲ ንምሕፋስ ዘኽእል ትልሚ ሒዞም ናብ ልምዓት ኣትዮም ኣለዉ።

ኣማራፅታት ማይ ኣብታ ወረዳ ብበዝሒ ምህላዎም ኣብቲ ሓረስታይ ዝመፀ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ዝምስክር እዩ። ነዚ እውን እዩ መንግስቲ፣ ምምሕዳር ወረዳን ትካላት ምግባረ ሰናይን፤ ሓረስቶት ኣማራፅታት ማይ ወኒኖም ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ካብ ድኽነት ክናገፉ እናተረባረቡ ዝርከቡ። ይኹን እምበር እቶም ኣማራፅታት ማይ ብዝግባእ ናብ ልምዓት ማይ እንተዘይኣትዮም ኣማራፅታት ማይ ምብዝሖም ጥራሕ ውፅኢት ክህልዎም ኣይኽእልን። ኣብ ክሊ እዚ  ኣብ ገለ ሓረስቶት ኣማራፂ ማይ ሒዝካ ቀልጢፍካ ናብ ልምዓት ዘይምእታውን ናብ ልምዓት እንተኣቲኻ እውን ክለምዕ ዝግብኦ መሬት ዘይምልማዕን ዝኣመሰሉ ጉድለታት ስለዝርኣዩ ብቐፃልነት ክእረሙ ኣለዎም። ኣብ ጣብያ ለምለም ዝርከብ ዝተበላሸወ ዳይቨርሽን እውን ረብሓ ብዙሓት ሓረስቶት ዓፅዩ ስለ ዘሎ ህፁፅ ፍታሕ ክግበረሉ ይግባእ።


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 966
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010