የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4118174
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
6248
5773
12021
4087087
75949
90416
4118174

Your IP: 23.20.193.33
2017-07-24 14:50

እናበላዕኻ ምህፍታም

here we go
selam new

ኣብ 2002 ዓ/ም ኣብ ንእሽተይ ተሓራሲ መሬት ፈርዩ ይሕፈስ ካብ ዝነበረ 180 ሚልዮን ኩንታል ሃገራዊ መጠን ፍርያት ኣብ 2006 ዓ/ም ናብ 270 ሚልዮን ኩንታል ብምዕባይ ብ90 ሚልዮን ኩንታል ወሰኽ እቶት ከርኢ ምኽኣሉ ኣብ ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ምምሕያሽ ምህላዉ ከም ዘመላኽት ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ቀዳማይ ምዕራፍ ትልሚ ዕብየትን ስግግርን 2007 ዓ/ም የረድእ። ኣብ ክልል ትግራይ እውን እንተኾነ ብመሰረት መለክዒ “ማክሮ ኢኮኖሚ” ኣብ 2006 ዓ/ም ዓመታዊ ዕብየት ብ11 ምኢታዊ እንትውስኽ ምህርቲ ሕርሻ 34 ነጥቢ ሸውዓተ ምኢታዊ ብፅሒት ከምዝነበሮ ይገልፅ።

እዚ ውፅኢት ካብ ምንካይ ድኽነት ሓሊፉ ማዕረ ተሳትፎን ፍትሓዊ ተጠቃምነትን ህዝቢ ንኽረጋገፅ እወንታዊ ግደ ተፃዊቱ እዩ። ይኹን እምበር ብብርኪ ሃገር ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዜጋታት ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ምህላዎም ድማ ነቲ ብሰፊሑ ዝእመት ምርግጋፅ ዘላቒ ልምዓት ማሕለኻ ከየጋጥም ብቐፃልነት እናተሰርሐሉ ይርከብ። ምስቶም ፅቡቕ ኣፈፃፅማ ልምዓትን ቀፀልቲ መደባትን መንግስቲ ጎድኒ ንጎድኒ ዝኸይድ ስራሕቲ ማረት እውን ካብዚ ነፂልካ ዝረአ ኣይኮነን። ብፍላይ ማረት ሓረስቶት ትግራይ ኣብ  ዝርካቦም መሬት ብመስኖ ኣልሚዖም ሃፍቲ ዝውንንሉ ኣማራፂታት ብምንዳይ ዓበይቲ ስራሕቲ እናሰርሐት ትርከብ። ነዚ ዝገበረቶ ኣስተዋፅኦ መርኣዪ ዝኸውን ኣብ መረብ ለኸ ዘሎ ልምዓት መስኖ ቀወምቲ ተኽልታት ተጠቃሲ እዩ።

ማረት ኣብ 1994 ዓ.ም ኣብ ወረዳ መረብለኸ ሓዱሽ ተኽሊ ሒዛ ቅልቅል ኢላ። እቲ ዝወሰደቶ ፍረ ማንጎ ኣፕል እዩ ነይሩ። ንሓረስቶት ኣኪባ ድማ ጥቕሚ ማንጎ ኣፕል ብዝርዝር ብምርዳእ ተመራፂ ምግቢ ምዃኑን ኣብ ዕዳጋ ተጠላብነት ከምዘለዎን ብኣብነት እናደገፈት ኣስተምህሮ ሂባ። ይኹን እምበር ሒዛተን ዝቐረበት 60 ተኽሊታት ማንጎ ኣፕል ቀልጢፉ ዝደፍረን ኣይተረኽበን። ምኽንያቱ ቅድሚኡ ኣብቲ ከባቢ ዝፍለጥ ኣይነበረን። ድሕሪ ብዙሕ ኣስተምህሮ ወ/ሮ ሃረጉ ጎበዛይ ዝተባሃላ ኣብ ልምዓት መስኖ ክነጥፋ ጀሚረን ዝነበራ 30 ፈልስታት ወሲደን። ዝተረፈ 30 ድማ ካልኦት ሓረስቶት ተማቒሎመን። ኣብ ከይዲ እቲ ተኽሊ ማንጎ ኣፕል ፍርያት ክህብ ምስጀመረ ግና ቡዙሓት ሓረስቶት ክመናጠልሉ ጀሚሮም። ሕዚ ንወ/ሮ ሃረጉ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ሓረስቶት መረብ ለኸ ሰብ ሃፍቲ ክኾንሉ ክኢሎም ኣለዉ።

ነዚ ሓፂር መብርሂ ዝሃቡና ነባሪ እቲ ወረዳ፣ ጣብያ ብርሽዋ ዝኾኑ ኣይተ ብርሃኑ ተኽሉ እዮም። ኣይተ ብርሃኑ ካብቶም መጀመርታ ነቲ ማንጎ ኣፕል ሰጊአሙዎ ዝነበሩ ሓረስቶት ሓደ እንትኾኑ ሕዚ ግና ንሶም እውን ኣብ ልምዓት ማንጎ ኣፕልን ካልኦት ቀወምቲ ተኽልታት ተዋፊሮም ኣለዉ። ”ብቐንዱ ልምዓት ቀወምቲ ተኽልታት መስኖ 2000 ዓ/ም ዝጀመርኩ ኮይነ እቲ ቦታ ጉህሚታት ዝበዝሖ ስለዝነበረ ነቲ ልምዓት ይፀግመኒ ነይሩ። ድሕሪ ብዙሕ ፃዕሪ ካብ ፍርያቶም ተጠቃሚ ክኸውን ዝጀመርኩ ግና ብ2005 ዓ/ም እዩ። 450 ቀወምቲ ተኽልታት ማንጎን ኣፕልን እንትህልዉኒ ኣራንሺ፣ በዝሒ ተኽልታት ዘይትሁን ፓፓዮን ወዘተ ድማ ከባቢ 200 በፂሑ ኣሎ። ሳላ እዞም ቀወምቲ ተኽልታት መነባብሮይ ኣማሓይሸ እየ” ይብሉ ኣይተ ብርሃኑ።

ሓረስታይ ብርሃነ ዝተዋፈሩሎም ቀወምቲ ተኽልታት ማንጎ፣ማንጎ ኣፕል፣ ኣራንሺ፣ ዘይትሁን ወዘተ ኣብ ክልተ ነጥቢ ሓሙሽተ ሄክታር ዝተተኸሉ እዮም። ሕዚ ድማ ፓፓየ ብበዝሒ እናወሰኽሉ ይርከቡ። ካብ 2005 ዓ/ም ኣትሒዞም በብዓመቱ ካብ 30 ሽሕ ክሳብ 40 ሽሕ ብር ዝረኽቡ ምዃኖም ለምዘመን ድማ 60 ሽሕ ብር ንምርካብ ትልሚ ሒዞም ከም ዝተበገሱ ይገልፁ። ክሳብ ፈለማ ወርሒ ጉንበት ኣብ ዘሎ እዋን ድማ 30 ሽሕ ብር ረኺቦም ኣለዉ። ኣብቶም ዝተረፉ ኣዋርሕ እንተናኣሰ 20 ብር ከምዝረኽቡ ይዛረቡ።

ኣይተ ብርሃኑ ሕዚ ኣብ ከተማ ራማ ሸሞንተ ክፍልታት ገዛውቲ ኣስሪሖም ኣለዉ። እቶም ሰለስተ ክፍልታት የካርይዎም፣ እቶም ዝተረፉ ድማ ምስ ስድረኦም ይነብሩሎም። ሓንቲ ባጃጅ ዓዲጎም ኣብ ስራሕ ዘዋፈርዋ እንትኾኑ ብሓደ ፈረስ እትጉተት ካሬሳ ድማ ኣላቶም። ካብዙይ ሓሊፉ ኣብ ባንኪ 60 ሽሕ ብር ዓቚሮም እዮም።

ከምቲ ልዕል ክብል ዝተገለፀ ማረት ቅድሚ 15 ዓመታት ኣትሒዛ ብልምዓት ቀወምቲ ተኽልታት ብፍሉይ ንልምዓት መስኖ ብሰፊሑ ሰሪሓ እያ። ኣይተ ብርሃኑ ድማ ኣብ ጣብያ ፈልሲ ማረት መተሓባበሪ ኮይኖም ንልዕሊ ሸሞንተ ዓመታት ስለዘገልገሉ ስራሕቲ ማረት ኣፀቢቖም ዘስተማቐሩ እዮም። ማረት ንፍረ እቶም ቀወምቲ ተኽልታት ብኽባር እናዓደገት ብምፍላስ ንሓደ ቀዋሚ ተኽሊ ብክልተ ብር ሒሳብ ጥራሕ ትሸጦ ነይራ። እዙይ ብኽሳራ ንሓረስቶት ክትረብሕ እትገብሮ ዝነበረት ቀረብ ቀወምቲ ተኽልታት ማንጎን ማንጎ ኣፕልን ከምኡ ድማ ኣብቲ ከባቢ ዘይፍለጡ ዝነበሩ ካልኦት ተኽልታትን ኣብ ምቕናስ ድኽነት እጃሞም ክፃወቱ ብምሕሳብ እዩ። ከምቲ ዝሓሰበቶ ድማ ሕዚ ቀወምቲ ተኽልታት ብሓረስቶት እቲ ወረዳ ተጠለብቲ ኮይኖም ንሓደ ፈልሲ 20 ብር ብቕድድም ይሽየጡ ኣለዉ። ማረት ኣብ ጣብያታት ፈልሲ መሃያ ብዝኸፈሎም ሰራሕተኛታት ተሰሪሐን ተመሓዳድርን እያ።

ኣብዚ ሓንቲ ተጠቃሚት ክንውስኽ። ነባሪት ወረዳ መረብ ለኸ፣ ጣብያ መድሕን ኮይነን ወ/ሮ ፅጌ ስዩም ይበሃላ። ዕድመአን 56 ይምላእ እምበር ሐዚ እውን ሃፍቲ ንምምእራር ምስ ተፈጥሮ ኣብ ቃልሲ ዘለዋ ዋዕሮ ልምዓት ምዃነን ኣብ ልምዓት መስኖአን ፅዓርዓር እንትብላ ሪእኻ ትርዳእ። “መበገሲ ሃፍተይን ማእገረይን ማረት እያ “ ዝብላ ወ/ሮ ፅገ፣ ብ1999 ዓ/ም ልምዓት መስኖ ጀሚረን። ቅድሚኡ ሓሙሽተ ቆልዑ ሒዘን ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝኾነ ናብራ እየን ዝመርሓ ነይረን። ካብ ድኽነት ንምውፃእ ኣብ ዝወሰናሉ እዋን ብልቓሕ ዝረኸብኦ 2,000 ብር መበገሲ ካፒታል ብምሓዝ ሓንቲ ዒላ ኩዒተን። ቀፂለን ድማ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሄክታር መሬት 400 ተኽሊ ማንጎ፣ 100 ኣራንሺ፣ 300 ሙዝን 20 ዘይትሁንን ብምትካል ስራሕቲ መስኖ “ሀ” ኢለን ጀሚረንኦ። ምስዚ ጎድኒ ንጎድኒ ነቲ ኣብ ሓደ ሄክታር መሬት ዝዓረፈ ዝራእቲ መፍረያይነቱ ንኽዓቢ ሰለስተ ግዜ ደጋጊመን ይሓርስኦ። ምህርቱ ንኽስስን ድማ ኣብ ሄክታር ሰለስተ ኩንታል ዘመናውን ልዕሊ 60 ኩንታል ባህላውን ድኹዕዒ ይጥቀማ። ገለ ምልክት ሕማማት ተኽሊ ንኸይረኣዩ ምስ ሰብ ሙያ ማረት ብምምኻር ሙያዊ ሓገዝ ይረኽባ። ሰብ ሙያ ዝህብወን ግልጋሎት ምኽሪ መሰረት ብምግባር ድማ ኣትክልተን ብእዋኑ ክፀሀን ክኹስኮስን ካብ ምግባር ክሳብ ዘድልዩ ንጥፈታት ምፍፃም ብእዋነን ይውግና።

ነዚ ኩሉ ጉዕዞአን ብሕራነ ዝገልፅኦ ወ/ሮ ፅገ ብተኽሊ ማንጎ ኣራንሺ፣ ዘይትሁን ባናናን ዝመልአ ዝበለ ሕርሻ መሬተን ኮሊልና እንትንሪኦ እውን ሽሻይ ተፈጥሮ ብፃዕረን ዝተቛደሳ ዋዕሮ ምዃነን ባዕልትና ምስክራት ኮይና። ውፅኢቱ ንምርኣይ ዝኣክል፣ ኣብ 2007 ዓ/ም ካብ 300 ተኽሊ ማንጎ 525 ኩንታል ረኺበን። ካብ 50 ተኽሊ ኣራንሺ ድማ 50 ኩንታል ንዕዳጋ ኣቕሪበን። ምህርቲ ወ/ሮ ፅገ ኣብዚ ጥራሕ ዝተሓፅረ ኣይኮነን። ካብ 300 ተኽሊ ሙዝ 75 ኩንታል ምህርቲ ሓፊሰን። ኣብ ፍርቂ ሄክታር መሬት ካብ ዝዘርኣኦ ሽጉርቲ ከዓ 120 ኩንታል ክረኽባ ክኢለን። ብምኽንያት ከምዚ ገይረን ምፅዓረን በብዓመቱ ልዕሊ600 ሽሕ ብር ንምርካብ በቒዐን። ሐዚ ወ/ሮ ፅገ ሓሙሽተ ደቀን ኣምሂረን ንቁምነገር ዘብቀዓን ኣብ ሕርሻ መሬተን ን21 ሰራሕተኛታት ቀዋምን ግዝያውን ዕድል ስራሕ ዝፈጠራን መርኣያ ሓረስቶት ዝኾና  ኣዶ እየን። ብድምር ኣብዚ እዋን ሰለስተ ሚልዮን ካፒታል ዝወነና በዓልቲ ሃፍቲ ኮይነን ኣለዋ። ነዚ ኹሉ ዓወተን መሰረት ዝኾነተን ድማ ማረት እያ። ማረት ኣብ ምትእትታው ቀወምቲ ተኽልታትን ሕብረተሰብ ኣብኣቶም ዘለዎ ግንዛበ ክዓቢ ምግባርን ዓብዪ ስራሕ ምስ ሰረሐት መንግስቲ እውን ብስፍሓት ኣትይዎ። ምኽንያቱ ቀስብቐስ ጠለብ ቀወምቲ ተኽልታት እናወሰኸ ስለዝመፀ መንግስቲ ብሰፊሑ ክሰርሐሉ ግድን ነይሩ። 

መተሓባበሪ ልምዓት መስኖ ወረዳ መረብ ለኸ ኣይተ ገብረእግዚኣብሔር ገብረህይወት ከምዝብልዎ ክሳብ ሕዚ ዝተተኸሉ ቀወምቲ ተኽልታት እቲ ወረዳ 715 ሽሕን 413 በፂሖም ኣለዉ። ካብዚኣቶም እቶም 73 ሽሕ ብማረት ዝተኣታተዉ እዮም። ካብቶም ልዕል ክብል ተጠቒሶም ዘለዉ ጠቅላላ ቀወምቲ ተኽልታት ወረዳ መረብ ለኸ 498 ሽሕን 928 ናብ ፍረ ዝተሰጋገሩ እንትኾኑ ካብዚኣቶም እቶም ብማረት ዝተኣታተዉ 73 ሽሕ ይርከብዎም። በቶም ኣብቲ ወረዳ ዘለዉ ቀወምቲ ተኽልታት ተጠቀምቲ ዝኾኑ መራሕቲ ስድራ ድማ 1,945 ደቂ ኣነስትዮን 2,631 መናእሰይን ዝርከብዎም 9,965 ሓረስቶት እዮም። 

ማረት ኣብዚ ዝገበረቶ ኣበርክቶ 73 ሽሕ ቀወምቲ ተኽልታት ምትእትታው ጥራሕ ኣይኮነን። ነቶም ብመንግስቲ ዝተኣታተወሎም ሓረስቶት ሓዊሱ ጠቕላላ ሓረስቶት እቲ ወረዳ ኣብ ረብሓን ከይዲ ልምዓትን ቀወምቲ ተኽልታት ግንዛበ ክሕዙ ኣብ ምግባር ዓብዪ ስራሕ ሰሪሓ እያ። ኣብቲ ወረዳ ንዘለዉ ሰብ ሞያ ልምዓት መስኖን ሃፍቲ ማይን ብምስልጣን እውን ዓብዪ ዓቕሚ ፈጢራ እያ። ካብኡ ሓሊፉ ዝተፈላለየ ባንክታት ማይ መስኖ እናሰረሐት ከምዘረከበት ኣይተ ገብረእግዚኣብሔር ይገልፁ። 15 ቼክዳማትን ክልተ ኣናእሽተይ ግድባትን ኣብቲ ወረዳ ካብ ዝሰረሐቶም ባንክታት ማይ መስኖ ተጠቀስቲ እዮም።

ካሊእ ልምዓት መስኖ እቲ ወረዳ ብፍላይ ልምዓት ቀወምቲ ተኽልታት ኣብ ጎቦታት እውን ንኽሳለጥ ዝካኣላ ገይራ እያ። ንኣብነት ኣብ ሓሙሽተ ጣብያታት ስራሕቲ መደባዊ ዛላ ክስርሑ ብምግባር ኣብተን ሰለስተ ጣብያታት 46 ደቂ ኣነስትዮ ዝርከበኦም 148 መናእሰይ ብመልክዕ መቐሎ ኣብ ልምዓት መስኖ ክዋፈሩ ብምግባር ፅቡቕ ስራሕ ሰሪሓ።

ጥዑም እናበላዕኻ ምህፍታም ዝብል ርእሲ ፅሑፍና እምበኣር ነዚ እናራኣናዮ ዝመፃና ንምግላፅ ዝተቐመጠ እዩ። እዞም እናሓበርናዮም ዝመፃና ቀወምቲ ተኽልታት ጥዑማት ኣብ ርእሲ ምዃኖም ኣብ ዕዳጋ ልዑል ተጠላብነት ኣለዎም። እዚ ጥቕሚ ከምዘለዎም ግና ቅድሚ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ሕብረተሰብ እቲ ወረዳ ዝነበረ ግንዛበ ትሑት እዩ። ማረት ምስ መንግስቲ ተሓጋጊዛ ሕብረተሰብ ክፈልጦምን ክጥቀመሎምን ምስገበረት ግና እቲ ዝተደለየ ውፅኢት ይርከበሎም ኣሎ። እቶም ኣብ ልምዓት ቀወምቲ ተኽልታት መስኖ ዝተዋፈሩ ሓረስቶት ነዞም ጥዑማት ፍረታት ይዕንገልዎም እውን ይሸጥዎም እውን። እንትዕንገልዎም ኣመጋግበኦም ስለዝመሓየሽ ብኡ ልክዕ ጥዕነኦም ዝተመሓየሸ ይኸውን። እንትሸጥዎም ድማ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ስለዝረኽቡሎም መነባብረኦም ብቐፃልነት ይመሓየሽ። ጥዑም እናበላዕኻ ምህፍታም ማለት እዙይ እዩ።

ኣብ ወረዳ መረብ ለኸ ዘሎ ልምዓት መስኖ ብድምር፣ ልምዓት ቀወምቲ ተኽልታት ድማ ብሓፈሻ እንተየድነቕና እውን ኣይንሓልፍን። እዚ ድማ ድምር ውፅኢት ንጥፈታት ማረት፣ መንግስትን ህዝብን እዩ እሞ ተጠናኺሩ ይቐፅል። 


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 955
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት ግንቦት 2009