የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4600557
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
990
5928
12044
4567652
38522
77308
4600557

Your IP: 54.163.61.66
2017-12-13 09:08

ሃፍቲ ዝሕለበን ሕጓታት ሳምረ

here we go
selam new

                              ኣብ ምሕዋይ ሃፍቲ ዝፈጥሮ ዘሎ ሽሻይ መዓር

ሕጓታት ሰሓርቲ ሳምረ ዘሕዝንን ዘሐጉስን ታሪኽ ዝሓቖፉ እዮም። እቲ ዘሕዝን ታሪኽ ብኣጋርን ነፈርትን ደርግ ብዝተገበሩ ደብዳባት ብዙሓት ህፃውንትን ዓበይትን ዝረገፍሎም ምዃኑ እዩ።ከተማ ሳምረ፣ ከተማ ግጅትን ገጠራት እቲ ከባብን ብዙሕ ግፍዒ ዝተሰከምሉ ጊዜ ሓሊፉ እዩ። ብቐሊሉ ዝርሳዕ እውን ኣይኮነን።እቲ ዘሐጉስ ታሪኽ ሰሓርቲ ሳምረ ድማ ዋላ እኳ ደርግ ብተደጋጋሚ እንተደብደቦ እቲ ህዝቢ ዋላ ሓንቲ ሻዕ እኳ እንተይተንበርከኸ ኣብ ጎድኒ ውድቡ ህወሓት ብምዃን ንስርዓት ደርግ ክሳብ መወዳእታ ገጢሙ ዝሰዓረ ፅኑዕ ህዝቢ ምዃኑ እዩ። መቐፀልታ ሕሉፍ ፅንዓቱ ኣብ ቃልሲ ኣንፃር ድኽነት እውን ኣይሰነፈን። ካብ ፅባሕ ውድቀት ስርዓት ደርግ ኣትሒዙ ኣብ ዝዓረቑ ጎቦታቱ ብምዕሳል ሓምለዋይ ክዳን ከዲኑ ናብ እንጀራ ክቕይሮም ተረባሪቡ። ሎሚ ሕጓታት ሰሓርቲ ሳምረ ግፍዒ ፋሽሽታውያን ዝዘንበሎም እንተይኮኑስ ልምዓት ዝሳለጠሎም ምንጭታት ለውጢ እዮም። መስኖ ዝለምዐሎም፣ ልምዓት ንህብን መፍረ እንስሳትን ዝሳለጠሎም እዮም። ንህልውና ዝተፈላለዩ ንጥፈታት መፍረያይነት ዓንዲ ሑቐ ዝኾነ ልምዓት ደኒ ድማ ኣብቲ ወረዳ ብኣብነታውነቱ ይግለፅ። ኣብቲ ወረዳ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ምድሓን ሃፍቲ ተፈጥሮ ብሓፈሻ ኾነ ምስ ምኽላል ዝተተሓሓዙ ንጥፈታት ልምዓት ደኒ ብፍሉይ ብቐንዱ  መንግስትን ህዝብን ዘሳልጥዎም ኮይኑ ተሳትፎ ማረት እውን ኣካል እዚ ምንቅስቓስ ገይርካ ዝውሰድ እዩ።

ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ (ማረት)ካብ ፅባሕ ውድቀት ስርዓት ደርግ ኣትሒዛ  ኣብ ኩሎም ዘፈራት ልምዓት  እቲ ወረዳ ክትነጥፍ ዝፀንሐት ኮይና፣ ኣብ ልምዓት ደኒ ብፍላይ ዕውት ስራሕ ሰሪሓ እያ።ማረት እተሳልጦ  ተግባር ምኽላል ደኒ ምስተኸላ ፈልሲ ይተኣሳሰር እዩ። ማረት በብዓመቱ ተኽላ ዝተፈላለዩ እፅዋት ተካይድ። ኩሉ ግዘ ድሕሪ ወፍሪ መደብ ተኸላ ድማ እቲ ፈልስታት ዝተኸለትሉ ከባቢ ትኽልሎ። እቲ ዝተኸለለ ተኽሊ ብዝድለ መንገዲ ይፀድቕ። 

ማረት ኣብ ወረዳ ሰሓርቲ ሳምረ ብዝተፈላለዩ ልምዓታዊ ስራሕቲ ክትነጥፍ ዝጀመረት ብ1985 ዓ/ም  ኮይና ካብ ውሽጢ እቶም ሽዑ እዋን ኣትሒዛ ዝጀመረቶም ንጥፈታት  ልምዓት ደኒ (ዳግመ ግረባ) ይጥቀስ። ሰሓርቲ ሳምረ ብሓደጋታት ተፈጥሮን ኣብ እዋን ስርዓት ደርግ ብዝተኻየዱ ውግኣትን ተኸታታሊ ደብዳባትን ደንታታ በሪሶም መሬታ ተጓሕጊሑ ዝነበረ ወረዳ እያ። ማረት ካብ ፈለማ ንዳግመ ግረባ ቆላሕታ ሂባ ክትሰርሕ ዝጀመረት እውን ስራሕቲ ዳግመ ግረባ እንተየካየድካ ኣብታ ወረዳ ክመፅእ ዝተደለየ ልምዓታዊ ለውጢ ከም ዘይመፅእ ስለ ዝተኣመነሉ እዩ። ስለ ዝኾነ ማረት ሓሙሽተ ጣብያታት ፈልሲ ኣዳልያ በብዓመቱ ዝተፈላለዩ እፅዋት እናፍለሰት ብምትካልን ብምኽላልን መንግስትን ህዝብን ንዝገብርዎ ኩለመዳይ ቃልሲ ዓባይ ዓቕሚ ኮይና። ንኣብነት ኣብ 2009 ዓ.ም ጥራሕ ሓደ ነጥቢ ክልተ ሚልዮን ፈልሲ ከም ዝተኸለት ክኢላ ልምዓት ደኒ ማረት እቲ ወረዳ ኣይተ ፋንታይ ኣሰፋ ይገልፁ።

“ሓመድ ኣብ ውሽጢ ሰከንድታት እዩ ብውሕጅ ዝጉሕጓሕ። ኣብ ሰከንድታት ዝተጓሕጎሐ መሬት ንኽተድሕኖ ግና ነዊሕ ግዘ ይወስድ። ሓመድ መሬት ትግራይ ድማ ንብዙሕ ዓመታት እዩ ተጓሕጒሑ። ን25 ዓመት ዝተገበረ ኩለመዳይ ፃዕሪ ስራሕቲ ዳግመ ግረባ ገና ሕዚ እውን ቀፃልነት ዝሓተሉ ምኽንያት እዚ እዩ። ቀፃሊ ፃዕሪ ከም ዘድሊ ንምምልኻት እምበር ክሳብ ሕዚ ዝተመዝገበ ለውጢ ዝነኣድ እዩ” ይብሉ ኣይተ ፋንታይ።

መንግስቲ ኮነ ማረት ንልምዓት ደኒ ፍሉይ ቆላሕታ ሂቦም ዝሰርሕሉ ምኽንያት ኩሎም ልምዓታዊ ስራሕቲ ኣብኡ ዝተመስረቱ ስለ ዝኾኑ እዮ። ደኒ መሰረት ህልውና ደቂ ሰባት እዩ። ኣብ ጥንታዊ ዓለም ወድሰብ ዘመናዊ ሕርሻ እንተይጀመረ ብሃደን ኣብ ዝናበረሉ እዋን ምግቡ ኣብ ደኒ ካብ ዝረኽቦም ፍራምረን ኣብ ደኒ ዝነብሩ እንስሳት ብምህዳንን እዩ ዝጥቀም ነይሩ። ብሓፂሩ መነባብርኡ ኣብ ደኒ ዝተመስረተ እዩ ነይሩ። ሕዚ ኣብ ዘመናዊ ዓለም እውን ህልውና ወድሰብ ኣብ ልሙዕ ደኒ ዝተመስረተ ከም ዝኾነ በዓል ሞያ ልምዓት ደኒ ዝኾኑ ኣይተ ፋንታይ ይዛረቡ።

ደኒ ንስርዓት ምስትንፋስ ወድሰብ ወሳኒ እዩ። ደኒ ኣብ ዝበዝሐሉ ከባቢ እፅዋት ኦክሰጅን ብበዝሒ ስለ ዝሰዱ ዛሕልን ፅቡቕ ስነ ምህዳርን ይህልዎ። እቲ ከባቢ ንጥዕና ወድሰብ ዝስማዕማዕ ይኸውን። ደኒ ዘይብሎም ከባብታት ሙቐት ዝሓየሎምን ንመነባብሮ መፀገምትን ይኾኑ። ንህላወን ምዕባለን ማይ ከርሰ መሬት ድማ ደኒ ዓንዲ ሑቐ እዩ። ልምዓት መስኖ ብዘመናዊ መንገዲ ክሳለጥ ዝኽእል እኹል መማረፂ ማይ እንድሕርሃልዩ እዩ። እኹል መማረፂ ማይ ከርሰ ምድሪ ድማ ብዘይደኒ ኣይሕሰብን። ከባቢ እንተሓውዩን ብደኒ እንተተሸፊኑን ግና ከርሰ መሬት ማይ ይመልእ። ብቐሊሉ ኩዒትካ ማይ ብምውፃእ ድማ ልምዓት ምስላጥ ይከኣል። እዚ ልምዓት ደኒ ዝህቦ ረብሓ ኣብ ክልልና ትግራይ ብተግባር ሪእናዮ ኢና። መፋስሳት ናብ ዝተፈላለዩ ልምዓታት ኣትዮም፣ ልምዓት ንህብን ኣህጢርካ ምሻጥን መናእሰይ ብበዝሒ ዝዓሰልሉ ዘፈር ልምዓት ኮይኑ። ሓረስቶት ትግራይ ንልምዓት መስኖ ብሰፊሑ ኣትየሙዎ። ንኣብነት ልዕሊ 270 ሄ/ር መሬት ትግራይ ናብ ልምዓት መስኖ ኣትዩ ይርከብ። ውፅኢት ምድሓን ሃፍቲ ተፈጥሮ ወረዳ ሰሓርቲ ሳምረ እውን ኣካል እዚ እዩ።

ብድምር ካብ ጠቕላላ ስፍሓት መሬት እቲ ወረዳ 89 ሽሕ ሄክታር መሬት እቲ ወረዳ ዝተኸለለ ኮይኑ ካብዚ እቲ 22 ሽሕን 300 ሄክታር ክኽለል ዝገበረቶ ማረት እያ። በዞም ዝተዋደዱ ስራሕቲ ድማ ጎቦታት እታ ወረዳ ብበዝሒ ድሒኖም፣ መፋስሳት ማይ ፈልፊሎም፣ ብልምዓት መስኖን ካብ ዝሓወየ  ደኒ ዝርከቡ ፀጋታትን ሕብረተሰብ ክርባሕ ጀሚሩ። ልምዓት መስኖ ጥራሕ ብኣብነት እንተድኣ ሪእና 15 ሽሕን 856 መራቲ ስድራ ሓረስቶት እቲ ወረዳ ንልምዓት መስኖ ዝኸውን ሓደን ልዕሊኡን መመራፂ ማይ ዝሓዙ ከም ዝኾኑ ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሃፍቲ ማይ መዓድንን ኢነርጅን እቲ ወረዳ ኣይተ ገብረስላሰ ተስፋይ ይገልፁ። በዞም መማረፅታት ማይ ድማ 10 ሽሕ ሄክታር መሬት ናብ ልምዓት መስኖ ኣትዩ ነዞም ልዕል ክብሉ ዝተገለፁ መራሕቲ ስድድራ ተጠቀምቲ ገይሩ ይርከብ። እዚ ብሳላ ምሕዋይ ከባብን ልምዓት ደንን ዝተረኸበ ፀጋ እዩ። ኣብቲ ወረዳ ዝሳለጡ ንጥፈታት ልምዓት ንህብን ካልኦት ምስ ልምዓት ሃፍቲ እንስሳት ዝተኣሳሰሩ ምንቅስቐሳት  እውን ብሳላ ምህላው ዝሓወዩ ጎቦታት ዝተፈጠሩ እዮም። ኣብቲ ወረዳ እትርከብ ጣብያ ዋንዛ ነዚ ፅብቕቲ መርኣይት ኮይና ረኺብናያ ኣለና።

35 ሄክታር መሬት ጣብያ ዋንዛ ብደኒ ዝተኸለለ እዩ። ኣብታ ጣብያ ዝተኻየደ ጠቕላላ ንጥፈት ምሕዋይ ደኒ ድማ ብማረት ዝተሰርሐ እዩ። ማረት ጎድና ጎድኒ ምኽላል ደኒ ሕብረተሰብ እታ ጣብያ ናብ ረብሕኡ ክቕይሮ ቀፃሊ ስራሕ እናሰርሐትን ትርከብ። ካብቶም ሕብረተሰብ እታ ጣብያ ዝሓወዩ ጎቦታት ዝጥቀመሎም ንጥፈታት ልምዓት ሓደ ልምዓት ንህቢ እዩ። እዚ ብፍላይ ኣብ መናእሰይ ጎሊሁ ይርአ። ካብኣቶም ኣብ “ማሕበር ዕምበባ ንህቢ” ተወዲቦም ናብ ተግባራዊ ስራሕ ዝኣተዉ 20 መናአሰይ ይጥቀሱ። ፈለማ ብ2008 ዓ.ም ኣብ ዝሓወየ ጎቦ ሸሞንተ ሄክታር መሬት ተዋሂቡዎም። ብምቕፃል ሕድሕዶም 500 ብር ኣዋፂኦም ብትሸዓተ ሽሕ ብርን ብጉልበቶምን ንዋርድያ መሀረሲ ዝኸውን ገዛ ከምኡ ድማ ንኣናህብ ዝኸውን ዳስ ኣብቲ ጎቦ ሰሪሖም። ብምቕፃል ካብ ማረት 32 ሽሕ ብር ብምልቃሕ 20 ዘመናዊ ቆፎ ንህቢ ዓዲጎም። ብኣካል ከይድና ከም ዘረጋገፅናዮ ኣብ እግሪ ጎቦ ዋንዛ ብጫ ሕብሪ ዘለዎም ዘመናዊ ቆፎታት ንህቢ፣ ካብ የማን ናብ ፀጋም ተር ኢሎም ነቲ ከባቢ ግርማ ሂቦምዎ ይርኣዩ።

ኣቦወምበር እዛ ማሕበር መንእሰይ ዮሃንስ ሓለፎም ከምዝገለፆ፣ እቶም 16 ዘመናዊ ቆፎ ብ2009 ዓ.ም ዝተበርበሩ ኮይኖም ንሓደ ዘመናዊ ቆፎ ብማእኸላይ 26 ኪሎ ግራም መዓር  ተረኺብዎ እዩ። ጎድና ጎድኒ እዚ ድማ ንገሊኦም እናዋለዱ ናብ ባህላዊ ቆፎ ዝገበሩዎም  እንትኾኑ ኣብዚ እዋን እዚ 22 ባህላዊ ሓዊስካ ብድምር 42 ኣናህብ ኣለዉዎም። ነቶም ዝተዋለዱ ናብ ባህላዊ ቆፎ ዝገበርሉ ምኽንያት ክሳብ ገንዘባዊ ዓቕሚ ዘጥርዩ ከም ዝኾነ ንቐድሚት ድማ ዘመናዊ ቆፎታት እናወሰኹ ከምዝኸዱ እዩ መንእሰይ ዮሃንስ ዝሓበረ። 

ከም ዝፍለጥ ወርሒ ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም መዓር ዝብርበረሉ ወቕቲ እዩ። ብመሰረት እዚ ድማ 300 ኪሎ ግራም ንምርካብ ትልሚ ከም ዝሓዙ መንእሰይ ዮሃንስ የረድእ። እቲ ዝተመቐልዎ መሬት ብቐፃልነት ተወሳኺ ረብሓ ንኽረኽብሉ ድማ ቀዋሚ ተኽልታት ፍራምረን ባሃርዛፋትን ይተኽልዎ ኣለዉ። ኣብ ርእሲ እዚ ሳዕሪ እናዓፀዱ ክጥቀሙሉ ጀሚሮም እዮም። ንሕና ብኣካል ከይድና እውን ሸሞንተ ኩልስስቲ ሳዕሪ ረኺብና ኢና። እቲ ሳዕሪ እናሸጡ ናብ ማሕበሮም ኣታዊ ዝገብርዎ ኮይኖም ንኣብነት እቲ ሕዚ ዝተዓፀደ ክሳብ ሓሙሽተ ሽሕ ብር ከም ዘውፀአሎም መንእሰይ ዮሃንስ ይዛረብ። ከም መርኣዪ ንጥፈታት እዞም መናሰይ ካብ ዳህሰስና ናብ ጠቕላላ ንጥፈት እቲ ወረዳ ድማ ንመለስ።

ኣብ ወረዳ ሰሓቲ ሳምረ ዝካየድ ምኽላል ደኒ ውፅኢታዊ ንክኸውን ብምዕላም ምስ ሕብረተሰብ ምርድዳእ ብምግባር ዝፍፀም እዩ። ፈለማ ክኽለል ዝተደለየ ከባቢ ንኣካላት ኣመራርሓ እቲ ከባቢ ይንገር። ምስኣቶም ምርድዳእ ምስተገበረ ድማ ሕብረተሰብ ክፈልጦ ብምግባር ኣድላይነቱ ዝምልከት ዘተ ይካየድ። ሕብረተሰብ ብሙሉእነት ምስተቐበሎ እቲ ምኽላል ይትግበር። እዚ ዘድልየሉ ምኽንያት እንተዘይኣሚኑሉ ብስዲ ጋህፂ ከጥሕሶን ንዕንፀይቲ ክብል ክቖርፅን ስለ ዝኽእልን ናብ ልምዓት ኣብ ምቕያር ስለዝዝንግዕን እዩ። ብምርድዳእ ስለ ዝፍፀም ግና ናተይነት ስምዒት ሓዲርዎን ረብሓኡ ፈሊጡን ይከናኸኖ።

እዚ ጥራሕ ግና እኹል ኣይኮነን። ካብ ደኒ ዕንፀይቲ ከይጥቀም ተዛሪብካ ክሕለፍ ስለ ዘይብሉ ከክንዲ ዕንፀይቲ ካሊእ መማረፅታት ሓይሊ ክጥቀም ፃዕሪ ይግበር። እዚ ከም ወረዳ ብሰፊሑ ዝስርሐሉ እዩ። ንኣብነት ብብርኪ ወረዳ 69 መራሕቲ ስድራ ባዮ ጋዝ ከተኣታትዉ ዝተገበረ ኮይኑ 110 ሕድሕዶም ሰለስተ ኣምፑል ዘብርሁ ዓበይቲ ሶላራት(ሓይሊ ፀሓይ) እውን ተኣታትዮም እዮም። ኣብ ርእሲ እዚ ዕንፀይቲ ንምቑጣብ ዝጠቅም 2,256 ምሩፅ እቶን ከምኡ ድማ ንመብራህቲ ዝጠቕሙ 4,571 ሓይሊ ፀሓይ  ብሓረስቶት ክውሰዱ ተገይሩ ኣብ ጥቕሚ ውዒሎም እዮም። እዚ ንቐፃሊ እውን ተጠናኺሩ ዝቕፀለሉ ጉዳይ ከም ዝኾነ ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሃፍቲ ማይ፣ መዓድንን ኢነርጅን እቲ ወረዳ ኣይተ ገብረስላሰ ተስፋይ ገሊፆምልና እዮም።ኣብዚ እውን ተሳትፎ ማረት ኣሎ። ንኣብነት ካብቶም ዝተገለፁ መማረፅታት ነዳዲ እቶም 1,500 ምሩፃት እቶናት፣ 13 ባዮ ጋዝን 13 ሶላራት(ሓይሊ ፀሓይን)ን ብማረት ዝተኣታተዉ እዮም።

ብድምር ኣብ ወረዳ ሰሓርቲ ሳምረ ካብ ዘሎ ከይዲ ምኽላል ደንን ውፅኢቱን ብምብጋስ ትርጉም ደኒ ኣብቲ ወረዳ ትርጉም ምንባር ምዃኑ ተኣሚኑሉ እዩ ምባል ይከኣል። ናይ ብሓቂ ትርጉም ምንባር ምዃኑ ድማ ውፅኢቱ ዝኾነ ምውናን መማረፅታት ማይን ልምዓት መስኖን ከምኡ ድማ ምስ መቐሎ ጎቦ ተኣሳሲሩ ዘሎ ውፅኢት ልምዓት መርኣዪ እዩ።ስለዝኾነ እዚ ኣብቲ ወረዳ ዘሎ ልምዓት ደንን ውፅኢቱን ተጠናኺሩ ክቕፅል ዝግበኦ ኮይኑ ኣብ ካልኦት ከባብታት እውን ኣብ ርእሲ እቲ ብዝበለፀ ክስርሐሉ ዝግበኦ ምኽላል ደኒ፣ ነቲ ለሚዑ ዝተኸለለ ናብ ረብሓ ምቕያር እውን ብዕቱብ ክስረሐሉ ኣለዎ። ምኽንያቱ ትርጉም ልምዓት ደኒ ከባብያዊ ለውጢ ክፈጥር ብምግባር ናብ ጥቕሚ፣ ናብ ዝብላዕ ኣብ ምቕያር እዩ ዘሎ።


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 966
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010