የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4290934
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
567
2449
11205
4258204
59664
89268
4290934

Your IP: 54.225.54.120
2017-09-21 04:59

ዘየስግር ሓጓፍ ግብሪ

here we go
selam new

ንፉዕ ሓረስታይ ኣብ ምህርቱ ክርዳድ፣ ሳዓዕን ጎንጨን ከይሕወሶ ቀትሪ ይኹን ለይቲ እንተይተሃከተየ ኣቐዲሙ ንዝራእቱ ስለዝርኢ ፅሩይ ምህርቲ ይሓፍስ። ህኩይ ሓረስታይ ግን ታህኺት ዝወለዶ ዘርኡ እንተይኣረየ ስለዝዘርእ ግራቱ ሰዓዕን ክርዳድን ዓሲልሉ ብምኽራም ምህርቱ ኣብ ርእሲ ምንካዩ ኣብ ፅርየቱ እውን ይጓደሎ። ነዚ እውን እዩ ወለድና “ከከም ዝዘራእኻዮ እዩ ዝዕፀድ” ዝብሉ። ነዚ ምስላ ብዘይምኽንያት ኣየልዓልናዮን። ናብ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ኣምሪሕና ከከም ዝዘራእኻዮ ዝዕፀዶ ተግባር ስለ ዝተዓዘብና እዩ።

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ኣብ ዙርያ መለሽ መደባታ ሕዚ እያ ትበራበር ዘላ እንተተብሃለት ምግናን ኣይኮነን። መብዛሕቲአን ኣብያተ ዕዮ ልምዓት እቶት ክልልና ንፀጋታት ግብሪ ኣለልየን ስለ ዝንቀሳቐሳ ዋላ ብዙሕ ሒሳብ መዝገብ ላዕለዎትን ማእኸለዎትን ነጋዶ እንተሃለወን ነቲ ልዕሊ ሓይሊ ሰበን ዝኾነ ስራሕ ምስ ክልል በዓል መዚ ልምዓት እቶት ብምርድዳእ ንሰለስተ ወርሒ በጀት መዲበን ካብ ካልኦት ገፀር ወረዳታት ብዝመፁ ክኢላታት እናተሓገዛ ዋኒነን ክውግና ፀኒሐን እየን። ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ግን ዓርሳ ክኢላ እንተይወገነት ሓገዝ እውን እንተይሓተተት ኣስተርሕያ እያ ፀኒሓ።

ኣብ 2008 ዓ/ም ብብርኪ ወረዳ ካብ 2005 ዓ/ም ጀሚሩ ዝነበርዋ “ኦዲት” ዘይኮኑ 333 ውዙፍ ሒሳብ መዛግብቲ መርሚራ ናብ ስሩዕ ኣእትያ ኣላ። እቶም ከፈልቲ ግብሪ ብእዋኖም ግብሪ ክትመነሎም ብዘይምኽኣሎም 25 ነጥቢ ሓደ ሚልዮን ብር ግብሪ ክኸፍሉ እናተገብኦም ኣብ እዋኑ ብዘይምትማኑ ግን ቅፅዓትን ወለድን ተወሲኽዎ ናብ 52 ሚልዮን ብር ብምዕባዩ ከፈልቲ ግብሪ ብኢፍትሓዊ ኣከፋፍላ ተማሪሮም ከንፀርፅሩን ክጠርዑን ምኽንያት ካብ ምዃን ሓሊፉ ጠንቂ ሰናይ ምምሕዳር ኮይኑ ፀኒሑ እዩ። ይኹን እምበር  በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልልና እቲ ክፍተት ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት እታ ወረዳ ዝብገስ ብምዃኑ ነቶም ነጋዶ እቲ ተወሲንዎም ዝነበረ 26 ነጥቢ 9 ሚልዮን  ብር ወለድን ምምሕዳራዊ ቅፅዓትን ብምልዓል ክረጋግኡ ገይሩዎም እዩ።

እታ ቤት ፅሕፈት ነዞም ውሱናት መዛግብቲ ኦዲት ዘይገበረትሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ እንትንሓትት ሰራሕተኛታት እታ ቤት ፅሕፈት ዝገልፅዎ ሓሳብ ኣለዎም። “ሓደ ጊዜ ዋጋ ወርቂ ብናይ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ሓዝዎ ካሊእ ጊዜ ድማ ብናይ ብሄራዊ ባንኪ እናተብሃልና መምርሒ ስለ ዝወረደልና እናተፀገምና ብምፅናሕና እዩ” ክብሉ እዮም ምኽንያት ዘቕርቡ። እቲ ምኽንያት ንሱ እንተዝኾን እውን ፀገም ኣይምነበሮን። እቲ ምንታይ እተን መምርሒታት ብዝመፃኦም ንኣኣተን እናጠቐሱ ንምስራሕ ምንም ዝዓግቶም ኣይነበረን። ካሊእ ድማ እቲ ኦዲት ዘይኮነ ሒሳብ መዝገብ ናይ ወርቂ ጥራሕ ብዘይምዃኑ እቲ ምኽኒት ሚዛን ዝደፍእ ኣይኮነን።

ኣፈፃፅማ ስራሕ እቶም ሰራሕተኛታት ሐዚ እውን ምስ ካልኦት ኣብያተ ፅሕፈት ዘወዳድር ቁመና ንክህልዎም ብዙሕ ይቐርዮም እዩ። እዚ እውን ዋላ እኳ ቅድሚ 2008 ዓ/ም ዝነበርዎም ውዙፋት ኦዲት ዘይኮኑ ሒሳብ መዛግብቲ ኣፅፊፎም ናብ ስርዓት ምሕደራ ግብሪ እንተኣተዉ ፀጋታት ግብሪ እቲ ከባቢ ፀንቂቕካ ኣብ ምጥቃም ግን ሕዚ እውን ነዊሕ ርሕቐት እዩ ዝተርፎም። ብርግፅ ካብ ክልል ዝመፀ 237 ነጥቢ ሽዱሽተ ሚልዮን መረዳእታ መሸጣን ባዕልቶም ሒሳብ መዛግብቲ እንትምርምሩ ዝኣከብዎ መረዳእታን ደሚሮም ብምጥቃም ኣብ ሰለስተ ነጋዶ ጥራሕ 11,000 ብር ዝተሰወረ ተወሳኺ ግብሪ እንተኽፈሉ መሊኦም ስርዓት ግብሪ ከንግሱ ግን ሰፊሕ ክፍተት እዩ ዘለዎም። ኣብታ ወረዳ “ውራይ ግብሪ ውራይ ኩሉ ዜጋ እዩ” ዝብል ኣረኣእያ ገና ሱር ዘይሓዘ ምዃኑ መርኣያ ናይዚ መደምደምታ እዩ።

ኣብታ ወረዳ ብመዳርግቲ ኣካላት ክእከብ ዝተትሓዘ እቶት ኣብ ቤት ፅሕፈት ሃፍቲ ማይን መኣድንን ኢነርጅን ጥራሕ ስለ ዝኾነ እዩ ዓብዪ ክፍተት ኣለዎም ዘብሎም። ምኽንያቱ ከምኒ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳ ኦፍላ እቲ ልኡኽ ብዝግባእ ተሓንጊጠን ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን፣ ሃፍቲ ማይን መኣድንን ኢነርጅን፣ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ፍትሕን ዝኣመሰላ መዳርግቲ ኣካላት እታ ወረዳ ክእክብኦ ዝግባእ እቶት ነፂረን እናሃባ እየን። ምሃብ ጥራሕ ዘይኮነስ ብርኪ ኣፈፃፅማኣን እውን በቢ ርብዒ ዓመቱ እናገምገማ ስርርዕ ክተካይደለን ተዓዚብና ነይርና። ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ግን ነዚ መስርሕ ኣይሰዓበቶን። ብዘይካ እዚ መብዛሕተን ወረዳታት ኣብያተ ፅሕፈት ልምዓት እቶት ክልልና ኣብ በቢ ወረድኡ ዘለዋ ኣብያተ ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ካብ ጣብያ ክሳብ ወረዳ ዘለዉ ዝውገዱ ንብረታት ብጨረታ ይኹን ካልኦት ኣታዊታት ተጠቒመን ክሳብ ክልተ ሚልዮን ብር ክእክባ ትልሚ እንትሕዛ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ግን እዚ መስርሕ ኣይተጠቐመትሉን። ካሊእ ይትረፍ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን እታ ወረዳ ንተመን ግብሪ ነጋዶ ዝሕግዝ መረዳእታ ዕድጊት ንብረት መንግስቲ እውን ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ እያ ትህብ። ንሱ እውን ሰራሕተኛታት እቶት ከይዶም ዘምፅእዎ ብምዃኑ ውራይ ግብሪ “ውራይና” ኢሎም ከም ዘይሓዝዎ ሓደ መርኣዪ እዩ።

ኣብታ ወረዳ ግብሪ መሬት ንምእካብ ዝግበር ምንቅስቓስ እውን ካሊእ መርኣዪ ድኽመት እታ ቤት ፅሕፈት እዩ። ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ኣብዚ ዓመት ካብ ግብሪ መሬት ክልተ ሚልዮን ብር ንምእካብ ተሊሞም ዛጊድ 40 ምኢታዊ ፈፂሞም ኣለዉ። እዚ ድማ ምስ መሬት ምምሕዳር ይኹን ካልኦት ኣመራርሓ ብዝግባእ ተዋዲድካ ካብ ዘይምንቅስቓስ ዝብገስ እዩ። ብመሰረቱ እታ ቤት ፅሕፈት ኣብታ ወረዳ ዘሎ ስፍሓት ተሓራሲ መሬት “73 ሽሕ ሄክታር እዩ” እንትትብል ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር መሬት እታ ወረዳ ድማ “ኣይፋል 57 ሽሕን 775  ሄክታር ደኣ” ኢሉ ይምጉት። ካብ ዝገርም ነገር “ኣብ ሕድሕድ ጣብያ ዘሎ መጠን ስፍሓት መሬት ንምርካብ ንፅገም ኢና” ንዝብል ሓሳብ መተሓባበሪ ኣተኣኻኽባ እቶትን ክትትልን ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት እታ ወረዳ ኣይተ ቸሩ ወልዳይ፣ “ዝሓተና ኣካል ኣይረኸብናን እምበር እንታይ ኮይንና መረዳእታ ዘይንህብ”  ዝብሉ ድማ ሓላፊ ምምሕዳር መሬት እታ ወረዳ ኣይተ መኮነን በርሀ እዮም። ስለ ዝኾነ እውን እዩ ዘይምንባብ ክሳብ ክንድዚ ሓደጋ ስለ ዘለዎ ክናበቡን ክዋደዱን ይግባእ ንብል ዘለና።

ኣብ ግብሪ መሬት ዝነበረና ትዕዝብቲ ዛዚምና ናብ ቤት ፅሕፈት ሃፍቲ ማይን መኣድንን ኢነርጅን እንትነምርሕ እውን ኣብ ሓንቲ ወረዳ ክልተ ዓይነት ትልሚ ኢና ረኺብና። እቲ ብቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት እታ ወረዳ ዝተነገረና ትልሚ “ኣብዚ ዓመት 600 ሽሕ ብር እቶት ካብ ሮያሊቲ ክንእክብ ኢና” ዝብል እንትኾን ካብ ቤት ፅሕፈት ሃፍቲ ማይን መኣድንን ኢነርጅን ድማ ሓደ ሚልዮን እዩ ዝብል። እቲ ኣፈላላይ ኣብ ትልሚ ጥራሕ ዝተሓፀረ ኣይነበረን። መተሓባበሪ ኣተኣኻኽባ እቶትን ክትትልን ኣይተ ቸሩ ወልዳይ ካብ ሮያሊቲ (ፀጋታት ሃፍቲ ተፈጥሮ) 595 ሽሕ ብር ከም ዝተኣከበ እንትገልፁልና ኣብ ውሱን ሰዓት ኣፈላላይ ቃለ መሕትት ዘካየድናሎም በዓል ሞያ ሃፍቲ ተፈጥሮ ቤት ፅሕፈት ሃፍቲ ማይን መኣድንን ኢነርጅን እታ ወረዳ ኣይተ ሰይድ መሓመድ ብርሃን ድማ ሓደ ነጥቢ 47 ሚልዮን ብር ከም ዝተኣከበ እዮም ዝገልፁ።

እዚ ኣፈላላይ ኣሃዝ (ዳታ) ክፍጠር ዝኸኣለ እውን ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ከምተን ካልኦት ወረዳታት ፀጋታት ግብሪ ኣለልያ ንሕድሕድ  ቤት ዕዮ ሸንሺና ብምሃብ ንኣፈፃፅማኡ ክትትል ስለ ዘይትገብር እዩ። ካሊእስ ይትረፍ እቶም መተሓባበሪ ልምዓት እቶት ኣብ ሑፃን እምንን ዘሎ ምንቅስቓስ እታ ወረዳ ውሱን ምዃኑ እንትገልፁ ኣይተ ሰይድ ግን ኣብ ሑፃ 805፣ ኣብ እምኒ 302፣ ኣብ ወርቂ 274፣ ኣብ ሓመድ ድማ 126 ብድምሩ 1507 መናእሰይ ተወዲቦም ይሰርሑ ብምህላዎም ሑፃን እምንን እቲ ዝለዓለ ምንቅስቓስ ዘለዎ ከም ዝኾነ የረድኡ። ኣብዚ ግን ንሮያሊቲ ዝቆፃፀሩ ክምደቡ ዝግበኦም ክልተ ሰራሕተኛ ብዘይምቑፃሮም እቲ ዝግባእ ሮያሊቲ ከም ዘይእከብ እዮም ኣይተ ሰይድ ዘተሓሳስቡ።

ብመሰረቱ ከም እኒ ወረዳ ቆላ ተምቤንን ታሕታይ ቆራሮን ዝኣመሰላ ወረዳታት ካብ ሮያሊቲ ዝርከብ  ፀጋታት ግብሪ ፀንቂቐን ንምጥቃም በቢ ከባቢኡ ነባራት ተጋደልቲ መልሚለን  ሕድሕድ ቢያጆ ሑፃ፣ እምኒ ይኹን ፀፀር “ፓድ” ይቑረፆ ምህላዉ ክከታተሉ እንትገብራ ኣብታ ወረዳ ግን እዚ መስርሕ ኣይፍለጥን። ካሊእስ ይትረፍ “ክንደይ ፀፀይቲ እምኒ (ክረቸር) ኣለዋኹም? ከመይ ትከታተልወን?” ኢልና ንኣይተ ቸሩ እንትንሓትት በዝሐን ካብ ዘይምፍላጥ ጀሚሩ እቲ “ንከታተሎ ኢና” ዝብልዎ መልሲ እውን ስሩዕ ኣንፈት መከታተሊ ስለ ዘይብሎም ዘዕግብ ኮይኑ ኣይረኸብናዮን። እንተ ኣይተ ሰይድ ግን ኣብ ርእሲ ዝግባእ ሓይሊ ሰብ ዘይምቁፃሩን ደገፍቲ ዋርድያታት ዘይምህላዎምን ክልተ ሰብ ምስ ዘሎ ዓብይ ፀገም መጓዓዝያ  ሕንቆ ገጢሞም ምስ ካሊእ ስራሕ ቤት ፅሕፈቶም እናዋደዱ ኣብ 23 ጣብያታት እታ ወረዳ ብዝገበርዎ ክትትል ሓደ ነጥቢ 47 ሚልዮን ብር ኣኪቦም ከምዘለዉ ይገልፁ። ፅቡቕ ስለ ዝከታተሉ እውን መምርሒ ዝተሓላለፋ 20 ቢያጆ ሑፃን እምንን ዝፀዓና መኻይንን ካብ ዝተፈቐደለን ወፃኢ ዝተረኸባ 16 መሽናት መእረዪ ወርቅን ብምቁፅፃር ንሕድሕደን 5,000 ብር ብድምሩ 130,000 ብር ከም ዝተቐፅዓ የገንዝቡ።

ኣብዚ ምስ ወርቂ ዝተኣሳሰረ ሕድሕድ ዜጋ ክሓስብሉ ዝግባእ ዘይሕጋዊ ተግባር ከምዘሎ ኣይተ ሰይድ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣሎ። ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ምስ ዘለዋ ልዑል ሃፍቲ ወርቂ ተዛሚዱ ካብ ካልኦት ወረዳታት ክልልና እንተይተረፉ ዝመፁ መናእሰይ ተወዲቦም ፍቃድ ረኺቦም ወርቂ ዝኣርዩላ ወረዳ እያ። ኣብታ ወረዳ ቅድም እንትብል ብባህላዊ መንገዲ ኣብ ዓመት 10 ኩንታል ወርቂ ተኣርዩ ናብ ባንኪ ኣታዊ ይኾን ነይሩ። ሕዚ መንግስቲ ብዝገበሮ ምትዕርራይ መናእሰይ በቢ 25 ኣብ ሓደ ብምውዳብ ሓንቲ መሽን መእረዪት ወርቂ ብምግዛእ ስለዝንቀሳቐሱ ጉልበቶምን ግዜኦምን ኣብ ርእሲ ምቑጣቡ ብዙሕ ወርቂ ክረኽቡ እውን እናሓገዞም እዩ። ስለ ዝኾነ ኣብዚ ዓመት 10 ኩንታል ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ንምእታው ተሊሞም ኣብ ትሸዓተ ወርሒ ዝኣተወ ግን ሓደ ነጥቢ 76 ኩንታል ጥራሕ እዩ። ናይዚ ምኽንያት እውን ኣብታ ወረዳ ዘለው ልዕሊ 70 ዝኾኑ ዘይሕጋዊ ነጋዶ ወርቂ ብኮንትሮባንድ ንሱዳን፣ ኬንያን ካልኦት ሃገራትን እናወሰዱ ሽሻይ ባዕዲ ስለዝገብርዎ እዩ።

ብመሰረቱ ሕድሕድ ዜጋ ክግንዘቦ ዝግባእ ነገር እንተሃለወ እቲ ዘዋህለሎ ሃፍቲ ተረጋጊዑ ክጥቀሞ ዝኽእል ሰላም እታ ሃገር ውሑስ እንትኸውን ጥራሕ እዩ። ሕድሕድ ሰብ ወፊሩ ብሰላም ክምለስን ተመሊሱ ብሰላም ክሓድርን እንተኾይኑ ናይ ግድን ሰላም ክህሉ ኣለዎ። ሰላም ሓንቲ ሃገር ዝረጋገፅ ድማ መንግስቲ ንኣካላት ፀጥታ ይኹን ካሊእ ግልጋሎትን መሰረተ ልምዓትን ዝኾን በጀት እንትረክብ እዩ። ስለዝኾነ ሕድሕድ ዜጋ ብዝውገኑ መሰረተ ልምዓትን ካልኦት ፕሮጀክትታትን ዕድል ስራሕ ክረክብን ተጠቃሚ ክኸውንን እንተዘይገይርካዮ ንስኻ እናበላዕኻን እናሰተኻን ሱቕ ኢሉ ክርኢ ከም ዘይኽእል ምፍላጥ የድሊ። እዚ ከይኸውን ድማ መንግስቲ በጀት ክረክብ ኣለዎ። ልምዓት ከሳልጥ ኣለዎ፣ በጀት ዝርከብ ድማ ካብ ዝርካቡ እቶት ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።

እቲ ሓቂ እዚ እናሃለወ ሃገርና ብሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ህንፀት ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ኣብ ዝፈታተንዋ እዋን ነቲ ፀገም ክቐርፍ ትፅቢት ዝግበረሉ ሃፍቲ ወርቂ ሓደ ሓደ ሰባት ሰለስተ ምኢታዊ ሮያሊቲ ንዘይምኽፋል ናብ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ምእታው ገዲፎም ንውልቀ ደላሎ ክህቡ ይረኣዩ ኣለዉ። እዚ ተግባር ድማ ስኽን ኢልካ ክሕሰበሉን ሕጋዊ ስጉምቲ ክጠናኸረሉን ዘለዎ ጉዳይ እዩ። እቲ ዝገርም ነገር ሕድሕድ ኣብቲ ቦታ ዝሰርሕ ሰብ እቲ ንመንግስቲ ዝኸፍሎ ገንዘብ ይገበጥ እንተተባሂሉ ኣብዚ እቶ ዝበሃል ኣይኮነን። ንኣብነት ካብ 1000 ብር ዝዋግኡ መኣድን እቲ ተጠቃሚ ዝኸፍላ ግብሪ 30 ብር ጥራሕ እያ። እዚ ድማ ንመረጋገፂ ልምዓትን ሰላምን ስለ ዝኾነ እንተተኸፈለ ዝጎድእ ኣይኮነን። ኮይኑ ግን ከምቲ ቻይናውያን ሓደ ሓደ ኣከብቲ ክራይ ሪኦም “ኣንታ እዞም ኢትዮጵያውያን ካሊእ ዓዲ ግዲ ኣላቶም እያ?” ዝብልዎ ናብ ትዕዝብቲ ዘእቱ ተግባር እዩ። ትዕዝብቲ ጥራይ ዘይኮነስ ስርዓት ግብሪ ዘይብላን ዘበናዊት ዘይኮነትን ሃገር ተባሂሉ ዋሕዚ ኢንቨስትመንት እውን ዝዓግት ክኸውን እዩ። ብምዃኑ እዚ ሃፍቲ ክልልና ሽሻይ ፀረ ሰላም ሓይልታት ንከይኸውን ሕድሕድ ዜጋ ነቲ ጉዳይ ብውነ ተረዲኡ ክንቀሳቐሰሉ ይግባእ። ኣብዚ ዝምልከቶም ኣብያተ ዕዮ ይኹን ምምሕዳር እታ ወረዳ ብዕቱብ ክሰርሓሉ ዝግባእ ውራይ ምዃኑ ነተሓሳስብ።

እዚ ኮይኑ ድምር ምንቅስቓስ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ብብዙሕ መዐቀኒ እንትረአ ገና ካብ ምድቃስ ዘይተበራበረት ስለዝኾነ ዘይተሰግረ ሓጓፍ ግብሪ ክንብሎ ተገዲድና ኣለና። እዚ ድማ ምምሕዳር እታ ወረዳ ብዝግባእ ገምጊሙ እቲ ፀገም ክፈትሖ እዩ ዘለዎ። እታ ወረዳ ብፀጋታት ግብሪ ዝሃፍተመት እናሃለወት ክንዲ ፀጋታታ ብዝግባእ ፀንቂቓ ምጥቃም ንዓርሳ በጀታ እንተይሸፈነት፤ ንዝምደበላ በጀት 70 ምኢታዊ ተመፅዋቲት ክትኾን ምኽኣላ ኣመራርሓ እቶት ኮነ ኣመራርሓ ወረዳን ህዝባን ኣዐርዩ ከተሓሳስቦም ዝግባእ ዋኒን ክኸውን ኣለዎ።


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 959
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት ግንቦት 2009