የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4290906
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
539
2449
11177
4258204
59636
89268
4290906

Your IP: 54.225.54.120
2017-09-21 04:55

ምስቲ ዘመን ዝስጉም ስርዓት ግብሪ

here we go
selam new

መምህር ኣሰፋ ገ/ስላሴ ፕሬዚደንት ቤት ምክሪ ንግድን ዘርፊ ማሕበራትን ክልልና

 

“ግብሪ ተመሊሱ ዘልመዐካ ክፍፍል ሃፍቲ እዩ” እንትበሃል ብኩሉ ወገን ዝረአ ኣበሃህላ እዩ። እዚ ሓሳብ ብዝበለፀ ንምብራህ ሓደ ኣብነት ኣልዒልና ክነጉልሆ። ኣብ ሓደ ከባቢ እምኒ ምንፃፍ እንትስራሕ እቲ ከባቢ ከመይ ኢሉ ናብ ናይ ንግዲ ቦታ ከም ከምዝቕየር በቢከተምኡ እንዕዘቦ     ጉዳይ እዩ። ክንድቲ ዝግባእ ተጠለብቲ ዘይነበሩ ገዛውቲ በቲ መሰረተ ልምዓት ክራዮም ኣዐርዩ ከም ዝውስኽ በቢከባቢና እናተዓዘብና መፂና ኢና። ስለዝኾነ ኣብ ሓደ ከባቢ ካብ መንገዲ ጀሚሩ ዝኾነ መሰረተ ልምዓት እንትስራሕ ንብዙሓት ወገናት ዕድል ስራሕ ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ እቲ ከባቢ ከም ዝነቓቓሕ ብቐረባና ንዕዘብ ኣለና።

እቲ ምንታይ እቲ ዕድል ስራሕ ዝተፈጠረሉ ወገን እቲ ዝበዝሕ ገንዘቡ ንምግቢ፣ መስተን ካልኦት ጠለባትን  ስለ ዘውዕሎ እዩ። እቲ ማሕበረሰብ ባህግታቱ ንምምላእ ገንዘቡ ዘውፅእ እውን ነቲ ግልጋሎት ዝህብ ዘሎ ነጋዳይ ከም ዘረክቦ ምግንዛብ የድሊ። ብኸምዚ መልክዑ መሰረተ ልምዓት ሓንቲ ዓዲ እንትቀላጠፍ እቲ ነጋዳይ ይኹን ካሊእ ማሕበረሰብ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ንክብርኽ እዩ ዝገብር። ስለዝኾነ እውን መሰረተ ልምዓታትና ተጠናኺሮም ዝቕፅሉ እውን ሕድሕድ ሰብ ከከም ምንቅስቓሱ ግብሪ ክኸፍል እንተኽኢሉ ጥራሕ እዩ። እቲ ዝኽፍሎ ግብሪ ፍትሓዊ ንክኸውን ድማ ስርዓት ግብሪ ምዝማን የድሊ። ስለዝኾነ እውን እዩ እቲ ብብርኪ ሃገር ዘሎ “ሓደ ግዜ ኣፅኒዕኻ ንሰለስተ ወይ ሓሙሽተ ዓመት ግብሪ ትትምን” ዝብል ነባር መስርሕ ግብሪ ከም ክልል ክስተኻኸል ዝተገበረ። ብካልእ ኣበሃህላ ንሓደ ነጋዳይ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ መዓልታዊ መሸጣ ብምፅናዕ ግብሪ ክትመኖ ምግባር ማለት እዩ።

ኣብዚ እቲ ኣብ ካልኦት ክልላት ዘሎ ሓደ ጊዜ ኣፅኒዕኻ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ግብሪ ምትማን ዘለዎ  ሳዕቤን ምርኣይ ኣገዳሲ ይመስለና። እቲ ነባር መምርሒ ኣብቲ እዋን መፅናዕቲ ፅቡቕ ንግዳዊ ምንቅስቓስ  ፀኒሑስ ደሓር እንተቐኒሱ እቲ ነጋዳይ ይጉዳእ ኣሎ ማለት እዩ። ብካልእ መልክዑ ኣብ እዋን መፅናዕቲ ድኹም ምንቅስቓስ ንግዲ ዝነበሮ ደሓር እንተተመሓይሹ መንግስቲ ክረኽቦ ዝነበረ እቶት ብምስኣን መሰረተ ልምዓት ከጓትት ይኽእል። ስለዚ ኣብዚ ነባር መስርሕ ሕልፊ ይወስዶም ወይ ድማ እቲ ክፍሊት ግብሪ ይቅነሶም እዩ ነይሩ። ነዚ እውን እዩ ዝተፈላለዩ ወገናት “ክብ ወይ ግብ ዝኾነ መምርሒ” እናበሉ ዝገልፅዎ  ዝነበሩ። ስለዝኾነ እውን እዚ ኣሰራርሓ ኣብ ክልልና ካብ 2004 ዓ/ም ኣትሒዙ ተስተኻኺሉ ኣሎ። ዋላ እኳ ሓደ ግዜ ኣፅኒዕኻ ንሰለስተ ኣርባዕተ ዓመት ምትማን ነቲ ሰራሕተኛ ዕረፍቲ ዝህብ ዝነበረ ስለ ፍትሓውነት ተባሂሉ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ምፅናዕ ግን ድኻም ዘለዎ እንተኾነ ፍትሓውነት ግብሪ ንምርግጋፅ ንሕድሕድ ነጋዳይ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ መዓልታዊ መፅናዕቲ ክካየደሉ ተገይሩ ኣሎ።

ስለዝኾነ  እቲ ቅድም ሓደ ግዜ ዝግበር መዓልታዊ መፅናዕቲ ካሊእ ሳዕቤን እውን ነይሩዎ እዩ። እዚ እውን እቲ ነጋዳይ ንግዳዊ ስራሕቲ እንተቋረፀ እውን “ግብሪ ክፈል” እናተብሃለ ብምትማን ናብ ሰሓቦ ጉተቶ ይእቶ ነይሩ። አረ ሓለሓሊፉስ ዝሞተ ሰብ እውን ተመን ግብሪ ይመፆ ነይሩ። እዚ ኣሰራርሓ ግን  በዚ ሓዱሽ መምርሒ ተፈቲሑ እዩ። ብተወሳኺ እቲ ካሊእ ፍትሓውነት ተመን ግብሪ እዚ ሓዱሽ ኣዋጅ ግብሪ ሕድሕድ ተመን ግብሪ ብጉጅለ ልምዓትን መሰረታዊ ውዳበ ነጋዶን እናተርኣየ ዝቐርብ ምዃኑ እዩ። እቶም ውዳበታት ነጋዶ “ንእከለ በዚሕዎ ንእከለ ውሒድዎ” እናበሉ ሚዛን ካብ ዘትሕዝሉ ኣሰራርሓ ብተወሳኺ በቢከተምኡ ዘለዉ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘርፊ ማሕበራትን ፍትሓውነቱ እናረጋገፁ ዝኸድሉ መስርሕ ኣሎ። እዚ መስርሕ ብብርኪ ሃገር ዘበናውን ዝሓሸ ኣሰራርሓን ብምዃኑ ካብ ደቡብ ክልል ጀሚሩ ክሳብ ጎረቤትና ዝኾነት ክልል ኣምሓራ እናመፁ ተመክሮ ልውውጥ ከም ዘካይዱ ፕሬዚደንት ቤት ምክሪ ንግድን ዘርፊ ማሕበራትን ክልልና መምህር ኣሰፋ ገ/ስላሴ ገሊፆምልና።

ኣብ ክልልና ከምዚ ዝበለ ፅፉፍ ኣሰራርሓ ስርዓት ግብሪ ብምትእትታው ቅድም እንትብል ነጋዳይን ሰራሕተኛ በዓል መዝን ከም ድሙን ኣንጭዋን ዝረኣእይሉ  ዝነበረ ሎሚ ጠስምን ድልኽን ዝኾንሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ። ሕድሕድ ነጋዳይ ዝኸፍሎ ግብሪ ኣሚንሉን ተመሊሱ ንዓርሱ ዘልምዖን ምዃኑ ስለ ዝግንዘብ ብልዑል ሰላማዊ ሰልፍን ተሃድሶን ዝኸፍለሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ። ብፍላይ ካብ 2007 ዓ.ም ንደሓር ዘሎ መዓልቲ ምጅማር ግብሪ ባሕቲ ሓምለ ብዘለዎ ድምቀት ሓደ ካብቶም ህዝባዊ በዓላት ዝመሳሰለሉ ኩነታት ተፈጢሩ እዩ። እቲ ነጋዳይ ካብ ባሕቲ ክሳብ 30 ሓምለ ኣብ ዘሎ እዋን ግብሪ ክኸፍል እናኸኣለ “ባሕቲ ገንዘብ ኣይወፅእን” ዝብል ኣባህላ ሰይሩ ነዊሕ ሰዓታት እናተሰለፈ ግብሪ ክኸፍል ምኽኣሉ፤ እቲ ዝኸፍሎ ግብሪ ክሳብ ክንደየናይ ፍትሓውን ተመሊሱ ዝረብሖን ምዃኑ ከም ዝኣመኖ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ኣብ ክልልና ከምዚ ዝበለ ብሉፅ ስርዓት ንግዲ ንክተኣታቶ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘርፊ ማሕበራትን ዝለዓለ ብፅሒት ነይሩዎ። እዚ ውዳበ ኣብ መንጎ መንግስትን ነጋዳይ ማሕበረሰብን ድልድል ኮይኑ ንከራኽብ ብኣዋጅ 341/95 ዝተጣየሸ ነፃ ማሕበር እዩ። ብምዃኑ እውን መንግስቲ ዘውፅኦ መምርሒ ህዝቢ ንምርባሕ ከም ምዃኑ መጠን እቶም ዝወፁ መምርሒታትን ኣዋጃትን ቅድሚ ብቤት ምኽሪ ፀዲቖም ሕጊ ምዃኖም ንነጋዳይ ማሕበረሰብ ዝህልዎም ረብሓ እናገምገመ መራጎዲ ሓሳብ ዝልግስ ውዳበ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ኣሰራርሓታት ኣብያተ ዕዮ ዝረኣዩ ክፍተታት እናወደበ ብብርኪ ከተማታት ከንቲባ፤ ብብርኪ ክልል ድማ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ዝመርሖ መድረኽ እናተዳለወ ምኽክር የካይድ እዩ። በቶም ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ዝካየዱ መድረኻት እቶም ብወገን መንግስቲ ይኹን ነጋዳይ ዝረኣዩ  ክፍተታት እናተነፀሩ እናተኣለዩ ብምምፃኦም ዝሓሸ ምንባብ ነጋዳይን መንግስትን ከም ዝተፈጠረ መምህር ኣሰፋ የረድኡ።

በዞም ዝካየዱ መድረኻት ብወገን መንግስቲ ካብ ተበግሶ፣ ቅንዕናን ዓቕምን ሰራሕተኛታት ዝተሓዙ ኣብ ኣዋህባ ግልጋሎት ዝረኣዩ ዝነበሩ ክፍተታት ንክእረሙ ሓጊዙ ኣሎ። እዚ እውን ኣብ ውሱን ከተማታት ማለት እውን ሽረ እንዳስላሰን ኣብ መቐለ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነን እንተዘይኮይኑ ሰኣን ሒሳብ መዛግብቲ ብእዋኖም ኦዲት ገይርካ ግብሪ ምኽፋል፤ ኦዲት እንተይኮኑ ንክልተ ሰለስተ ዓመታት እናፀናሕኻ ንነጋዳይ ዝተደራረበ ግብርን ቅፅዓት ወለድን ክፈል ምባል እውን ተሪፉ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ካብ ካልኦት ወረዳታት ኦዲተራት እናምፃእኻ ዝግበር ወፍሪ ፀገም ዓቕምን ፅፈትን ስለ ዘለዎ ምስትኽኻል ተጀሚሩ ኣሎ። ኣብዚ ብወገን ነጋዳይ እውን እንተኾነ ሳላ እቲ ዝካየድ ሓበራዊ መድረኽ ዘይሕጋዊ ንግዲ (ኮንትሮ ባንድ)፣ ብነፃ ቀረፅ “በዓል ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ኮኾብ ሆቴል ክሰርሕ እየ” እናበልካ ቴንዲኖ ኣእቲኻ ዕዳጋ ምሕማስ፣ ንኢንቨስትመንት እናበልካ መሬት ሓፂርካ ምቕማጥ፣ ቅብሊት ዘይምሃብን ካብ ዓመት ናብ ዓመት ምምሕያሽ ንኸምፅኡ ከም ዝሓገዘ መምህር ኣሰፋ የገንዝቡ።

ቤት ምኽሪ ንግድን ዘርፊ ማሕበራት ክልልና ንነጋዳይ ማሕበረሰብ ጥብቅና ጠጠው ዝበለ ከም ምዃኑ መጠን ዝሰርሖም ካልኦት ተወሰኽቲ ዓበይቲ ስራሕቲ እውን ኣለዉ። ንኣብነት ንኣምፃእትን ለኣኽትን ነጋዶ ንምትብባዕ ኣብ ክልልና ደረቕ ወደብ ምስ ፌደራል መንግስቲ ተዛትዩ ድጋፍ መንግስቲ ክልልና እውን ረኺቡ ኣተኣታትዩ ኣሎ። ብምዃኑ ኣብ ወርሒ ብሽዱሽተ ኮንቴነር ኣብ ፅዕነት መናሃርያ ከተማ መቐለ ዝጀመረ ደረቕ ወደብ ሕዚ ኣብ ወርሒ 200 ዝራገፈሉ ኩነታት በፂሑ ኣሎ። እዚ ድማ ብኣዲስ ኣበባ ተዛዊሩን ብዙሓት ነጋዶ ሓሊፉን ብምምፃእ ዋጋ ንብረት ዝውስኽ ዝነበረ እቲ ሰንሰለት ንግዲ ብምሕፃር ነጋዳይ ይኹን ማሕበረሰብ ክልልና ተረባሒ ዝገብር እዩ። እዚ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ድማ እቲ ማሕበር ከም ሰመራን መጆን ስሩዕ ደረቕ ወደብ ንክፍጠር ብዝገበሮ ፃዕሪ ክልል መንግስቲ 40 ሄክታር መሬት ኣብ ኲሓ ስለ ዘዳለወ ኣብ ቀፃሊ ክስራሕ ትፅቢት ይግበር።

መንግስቲ ግብሪ ምእካብ ጥራሕ ዘይኮነስ ነጋዶ ሃፍቲ ንከዋህልሉ ምስቲ ቤት ምኽሪ ኮይኑ ነጋዶ ክልልና ዓለምለኻዊ ኣተሓሳስባ ሒዞም ብምጉዓዝ ተወዳደርቲ ንክኾኑ እውን ዓሊሙ ይንቀሳቐስ ኣሎ። እዚ እውን በዓል ሃፍቲ ክልልና ዓለም ለኻዊ ኩነታት እናሓሰበ ብምኻድ ህልውናኡ ንከረጋግፅ ኣብ ዱባይን ቻይናን ዝካየዱ ዓለምለኻዊ ኤግዚቢሽናት ክሳተፍ እናተገበረ መፂኡ እዩ። ካብቲ ሓሊፉ ጎድና ጎድኒ መዓልቲ ዲያስፖራ ዓቕሚ ነጋዳይ ክልልና ንምዕባይን ካብ ዓለም ለኻውያን ሰብ ሃፍቲ ተመክሮ ንክቐስምን ኣብ ክልልና ዓለም ለኻዊ ኢግዚብሽን ተኻይዱ ነይሩ። ኣብዚ ኢግዚብሽን ካብ ቻይና፣ እስራኤል፣ ዓረብ ኢምሬት፣ ህንዲ ዝኣመሰላ ሸውዓተ ሃገራት 30 ካምፓኒታት መፂኦም ክሳተፉ ተገይሩ ነይሩ። እዚ መድረኽ ክልልና ከም ወርቂ ዝበሉ ክቡራት መኣድናት፣ ዕጣን፣ መዓር ሰሊጥ ወዘተ ዘለውዋ ሃፍትታት ነቶም ወፃእተኛታት ብምልላይ ዋሕዚ ኢንቨስትመንት ንምዕባይ ናይ ባዕሉ ግደ ነይሩዎ።

ከምዚ ዝኣመሰላ ብብርኪ ክልል ዝተዳለወ ዋዕላ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓሊፉ ብብርኪ ክልል ኣባና ዝተጀመረ በኳር ዓለምለኻዊ ኢግዝብሽን ብምዃኑ ጥንካረ እቲ ቤት ምኽርን ደገፍ መንግስቲ ክልልናን ዘርኢ እዩ። ጥንካረ እቲ ቤት ምኽሪ በዚ ጥራሕ ዝግለፅ ኣይኮነን። ከም ቤት ምኽሪ ንግድን ዘርፊ ማሕበራትን ኣብ ውሽጡ ዝረኣዩ ክፍተታት እናኣረመ ብምኻዱ ኣብ ካልኦት ክልላት ዘየለ በዝሒ ኣባልን ዱልዱል ውዳበን ሒዙ ይኸይድ ኣሎ።

እቲ ብብርኪ ሃገር ዘሎ ቤት ምኽሪ ልምዓታዊ በዓል ሃፍቲ ዘይኣተዎ ስለዝኾነ ሕጋውን ዘይሕጋውን ኣሰራርሓ እናተኸተለ ዝኸይድ እዩ ነይሩ። ብምዃኑ ኣብዚ ዓመት “ታክስ ፎርስ” ተጣይሹ ስርሑ እንትእገድ ክመርሖ ሓላፍነት ዝተውሃቦ ንቤት ምኽሪ ንግድን ዘርፊ ማሕበራትን ክልልና እዩ። ቤት ምኽሪ ንግድን ዘርፊ ማሕበራትን ክልልና እውን ዝተውሃቦ ሃገራዊ ዕማም ተቐቢሉ ንክልተ ወርሒ ብዝግባእ መሪሑ እቲ ፀገም ኣፅፊፉ ንሚኒስተር ንግዲ ኣረኪቡ ኣሎ። ብምዃኑ ሚኒስተር ንግዲ ድማ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ልምዓታውያን ሰብ ሃፍቲ ናብቲ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘርፊ ማሕበራትን ክምልመል ምድላው ይግበር ከምዘሎ መምህር ኣሰፋ የረድኡ።

እቲ ካልእ መንግስቲ ነጋዳይ ሃፍቲ ንከዋህልል ዝገብሮ ደገፍ ካብቲ ቀፂሉ ዘሎ ኣንፈት ምግንዛብ ይከኣል እዩ። ሃገርና ምስ እትዓምሞ መደባት ትልሚ ዕብየትን ስግግርን እቲ ነጋዳይ ከመይ ከም ዝኸድ ኣንፈታት ኣናነፀረ እዩ። ንኣብነት ባቡር ናብ ክልልና እንትትመፅእ፣ እተን ማኑፋክቸሪንግ ኢንዳስትርታት እንትምስረታ ስግግር ቴክኖሎጂ እናካየደ ስርዓት ንግዱ ከመይ እናዘመነ ከምዝኸይድ ኣንፈት እናነፀረ እዩ። እቲ ቤት ምኽሪ ከምዚ ተጠናኺሩ ንክኸይድን ብዝበለፀ ድማ ረብሓታት ማሕበረሰብ ንግዲ ንክረጋገፅን እቲ ነጋዳይ ኣባል ኮይኑ ኣብ ጎድኑ ክዓስል ይግባእ። ኣብ ክልልና ልዕሊ 200,000 ዝኾኑ ነጋዶ ከፈለቲ ግብሪ ከም ዘለዉ ይፍለጥ። ዛጊድ ኣባል ቤት ምኽሪ ንግድን ዘርፊ ማሕበራትን ዝኾኑ ግን ካብ 90,000 ኣይሓልፉን። እዚ ድማ ሓድነት ሓይሊ ስለ ዝኾነ ኩሉ ነጋዳይ ክሓስበሉን ኣባል ክኾንን ይግባእ ንብል ዘለና።

ኣብ ዓለም ለኻዊ ዕዳጋ ንዘጋጥም ፀገም ዝፈትሕ እኮ እቲ ብቻምበር እናበልና ንፅውዖ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘርፊ ማሕበራትን እዩ። ንግዳዊ ምንቅስቓስና ናብቲ ባሕሪ ዝኾነ ዕዳጋ ዓለም እንተዘይኣትዩ ትርጉም የብሉን። ካብዚ ሓሊፉ መንግስቲ ንዘዳልዎ ዕድል ኢንቨስትመንት ክጥቀሙ ተኣማሚኖም ዝመፁ ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ እውን እንተኾነ ጥንካረ ቻምበር እናረኣዩ እዮም። ካብዚ ሓሊፉ እቶም ኣብ ክልልና ዘለዉ ሃፍትታት ኣብ ዕዳጋ ዓለም ኣትዮም ክሽየጡ ዝኽእሉ እቲ ውዳበ ጥንኩር ኮይኑ ዕዳጋ ዓለም ኣተኣሳሲሩ ነቲ ፍርያት ብማህተሙ ሃቲሙ እንትልእኽ እዩ። ስለ ዝኾነ ኣብ ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ኣቲና እንተዘይሓሚስና ትርጉም ለውጥና ኣብዚ እቶ ዘይበሃል ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ስለዝኾነ እቲ ዝዝምን ዘሎ ስርዓት ንግድና ብዝበለፀ ክዝምን ውዳበና ምጥንኻር የድሊ ክንብል ንደሊ።  


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 959
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት ግንቦት 2009