የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4290918
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
551
2449
11189
4258204
59648
89268
4290918

Your IP: 54.225.54.120
2017-09-21 04:57

መስርሕ ምልዋጥ ካብ መሃሙቕ ስእነት

here we go
selam new

ዘላቒ ልምዓት ዘረጋግፅ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን

መሬት ትግራይ ብሰብ ሰራሕን ተፈጥሮኣዊን ሓደጋታት ዕርቃኑ ተሪፉ ስለዝነበረ ከርሲ ብዙሓት ከዐንግል እዩ ኢልካ ይትረፍ ክሕሰብስ ንምርኣይ እውን ዘሰክፍ ኩነታት ከምዝነበረ ተዘክሮ ዕስራ ሰላሳ ዓመታት እዩ። ነዚ ኣመልኪቶም ድማ መራኸብቲ ሓፋሽ ዓለም ብዙሕ ነገር ኣውጊዖሙሉ እዮም። ኣብ      1977 ዓ/ም ዓለም ዘደንግፅ ድርቂ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምብፅሑ ዝተዓዘበ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ማይልስ ብሩክ መሬት ትግራይ ምስ ድርቂ ተኣሳሲሩ ብዝነበሮ መልክዕ ተዓዚቡ ህዝቢ ጥራሕ ዘይኮነስ ካሊእ ፍጡር ክነብረሉ ዘይኽእል ሓውሲ ምድረ በዳ ከምዝኾነ ገይሩ እዩ በቲ እዋን ፀብፂቡ ነይሩ።

ይኹን እንበር ሎሚ መስመር ህዳሰና ህዝቢ ካብቲ ዝነበሮ ኣዝዩ ከርፋሕ ናብራ ብምልቃቕ መላእ ህዝቢ ብምንቃሕን ብምልዕዓልን ኣብ ልዕሊ ድኽነት ብዝተወለዐ ቃልሲ ብኣማኢት ኣሽሓት ሓረስቶት ካብቲ ዝነበሮም ፀገም ወፂኦም ብምግቢ ዓርሶም ናብ ዝኽእልሉ ብርኪ ይሰጋገሩ ኣለው። ኣብዚ መዳይ ነቲ ዘለና ሰፊሕ ሃፍቲ ጉልበት ህዝቢ ብምጥቃም ኣብ ስራሕቲ ክንክን ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝሳለጡ ዘለው ተግባራት ቀንዲ ስልቲ ምስሳን ምህርቲ ሕርሻ ክኸውን ካብ ምቕማጡ ብተወሳኺ ማእኸል ርብርብ እቲ ትልሚ ኮይኑ መፂኡ እዩ። ነዚ ተግባር እዚ ኣብ ምዕዋት ብመደብ ልምዓታዊ ሴፍትኔት ዝወሃብ ሓገዝ ሓረስቶት ክልልና በቲ ሓደ ወገን ነቲ ዝነበሮም ክፍተት ምግቢ እናዓበሱ፣ በቲ ኻልእ ወገን ድማ ከባቢኦም ከልምዑን በዚ ኣቢሎም እውን ሃፍቲ ከዋህልሉን ኣብ ምሕጋዝ የማናይ ኢድ እቲ ቃልሲ ኮይኑ መፂኡ እዩ።

ድሕሪ ሰላሳ ዓመት ናብ ትግራይ ዝተልኣኸ ካልእ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ክሪስ ሃሰላም “ካብ ምድረ በዳ ናብ ለምለም ዝተለወጠ መሬት” ብምባል ንኣንደበት ማይልስ ብሩክ ዘፍርስ ርኡይ ሓቂ ንዓለም ዘጋወሐሉ ኩነታት ክፍጠር ኽኢሉ። በቲ ክፋእ ዘበነ ድርቂ 1977 ዓ/ም መሬት ትግራይ ንህዝቢ ጥራሕ ዘይኮነስ ካሊእ ፍጡር እውን ክነብረሉ ዘይኽእል ሓውሲ ምድረ በዳ ከም ዝኾነት ዝተዘረበላ ክልልና ትግራይ ከምታ ኣብ መዝገበ ቃላት ንሃገርና መግለፂ ድርቂ ገይሮምዎ ፀኒሖም ዓለም ዝመስከረሉ ለውጢ ምስ ተረጋገፀ ሓኺኾም ዘውፅእዎ መግለፂ ድርቂ ልሳኖም እውን ክእረሙ ኣኽኢለዎም እዩ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ምቕናስ ድኽነት ልዑል ብፅሒት ካብ ዘለዎ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔት ኣብ ክልልና ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣብ ምዕቃብ ልምዓት መስኖ ኣብ ምግፋሕ፣ ጠዋሪ ዘይብሎም ሰብ ፀጋ ዕድመ /ኣረጋውያን/፣ ደኻታም ህፃናት፣ ጉድኣት ኣካልን ፀገም ጥዕና ዘለዎም ወገናትን ኣብ ምሕጋዝ ብፍላይ ኣብ 2008/09 ዓ/ም ዝተሳለጡ ስራሕቲ እንታይ ከምዝመስሉ ክንርኢ ኢና።

ኣብ ራብዓይ ዙር ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔት (ካብ 2008 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ) ካብ ሓሙሽተ ዕያል ንታሕቲ ስድራ ዘለዎም ከከም በዝሒ ዕያሎም ልዕሊ ሓሙሽተ ዕያል ስድራ ዘለዎም ድማ ብሓሙሽተ ዕያል ክፅንዑ ተገይሩ። ንነፃ ተሓገዝቲ ድማ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዙራት ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ ዝወሃም ዝነበረ ሓገዝ ሎሚ ዓመት ምሉእ ክቕፅል እዩ ተገይሩ።

ብመሰረት እዚ ኣብዚ ሓዱሽ ራብዓይ ዙር መደብ ልምዓታዊ ሴፍትኔት ከም ክልል ልዕሊ ሓደ ሚልዮን መራሕቲ ስድራ ሓረስቶት ኣብቲ ፕሮግራም ተሓቝፎም ተጠቀምቲ እናኾኑ እዮም። ካብዚኣቶም እቶም 802 ሽሕን 785 ወገናት ሃፍቲ ተፈጥሮ ከባቢኦም ከሕውዩ ኣብ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን፣ ሓበራዊ ረብሓ ክህቡ ዝኽእሉ ህንፀት መንገዲ ገፀር ብምስራሕ ተረባሕቲ እናኾኑ እዮም። እቶም ዝተረፉ 207 ሽሕን 967 ሰሪሖም ክበልዑ ዘይኽእሉ ኣረጋውያን ሰብ ፀጋ ዕድመ፣ ደኻትም ህፃናት፣ ጉድኣት ኣካልን ፀገም ጥዕና ዘለዎም ወገናትን ድማ ነፃ ሓገዝ እናተገበረሎም ከምዝርከብ ኣብ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ክልል ትግራይ ላዕለዋይ ክኢላ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ምትሕብባር ውሕስንት ኣይተ ብርሃኑ ንጉሰ ይገልፁ።

ኣብ 2008 ዓ/ም ዝተፈላለዩ ጠሊ ዓቀብቲ “ስትራክቸራት” ዕቀባ ሓመድን ማይን፣ ደን ልምዓት፣ ምሕዋይ ጉህሚ፣ ምውህላል ማይን ካልኦት ስራሕትን ተሰሪሖም ኣለው። ኣብ ጎቦታትን ጉህምታትን ጠሊ ዓቀብቲ ስራሕቲ ማይ ከርሰ መሬት ብምጉልባት ልምዓት መስኖ ብዝተጠናኸረ መንገዲ ንምቕፃል ዘኽእሉ ልዕሊ 4 ነጥቢ 64 ሚልዮን ጉልበት ህዝቢ ከቲቱ ኣብ 12 ሽሕን 998 ሄክታር መሬት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ክሳለጥ ከኢሉ ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ልምዑነት ሓመድ ንምሕላው ልዕሊ ሓደ ነጥቢ ሓደ ሚልዮን ጉልበት ህዝቢ ከቲቱ ልዕሊ 739 ሄክታር መሬት ከትርታት ብእምንን ሓመድን ተሰሪሖም እዮም። ከምኡ እውን ሓረስቶት ኣብ ዓመት ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ግዜ ብመስኖ ኣልሚዖም ተጠቀምቲ ንምዃን ልዕሊ 2,400 ሄክታር መሬት ብመስኖ ንምልማዕ ዘኽእሉ መትረባት ተሰሪሖም ኣብ ረብሓ ውዒሎም ኣለው። ከምኡ እውን 68 ሽሕን 755 ጉልበት ህዝቢ ኸቲቱ ንልምዓት መስኖ ሓገዝቲ ዝኾኑ 96 ሄክታር መሬት ዘልምዑ መትረባት ማይ ፅገና ተገይርሎም።

ኣብ ዘመነ ስራሕ 2009 ዓ/ም እውን ሃፍቲ ተፈጥሮ ብምዕቃብ ልምዑነት ሓመድ ብምሕላው መፍረያይነት ከሰስኑ ዝኽእሉ 13973 ሄክታር መሬት ትግራይ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ተሳሊጦም እዮም። ከምኡ እውን 13,405 ሄክታር ደን ልምዓት፣ 203 ዃዕቲ ማያት፣ 332 ካሬ ሜትር ሓዱሽ መንገዲ፣ 381 ኪሎ ሜትር ፅገና ነባር መንገዲ ተሳሊጦም እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝተሰርሐ ስራሕቲ ጥራሕ ዘይኮነስ በቶም ንነዊሕ እዋን እናተሰርሑ ዝመፁ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣብ እግሪ እቶም ጉህምታትን ዓይኒ ማያትን ዝፍልፍልሉ ኩነታት እናተፈጠረ መፂኡ ኣሎ። ብመሰረት እዚ ድማ ኣብ 2008 ዓ/ም ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ኣብ ዝተሳለጠሎም ጎቦታትን ጉህሚታትን ልዕሊ 8345 ሄክታር መሬት ዝተፈላለዩ ተኽልታት ክትከሉ ተገይሩ። ከምኡ እውን 738 ሓባርን ውለቀን ዒላታት ተዃዒቶም ናብ ልምዓት መስኖ ኣትዮም እዮም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ 2008 ዓ/ም ሓረስቶት ፍርያቶም ንዕዳጋ ንምቕራብን ስሉጥ መጓዓዝያ መኪና ረኺቦም ቁጠባዊ ዓቕሞም ንምዕባይን ዘኽእሉ 329 ነጥቢ 88 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ሓዱሽ መንገዲ መኪና ተፀሪጉ ኣሎ። ከምኡ እውን ልዕሊ 300 ሽሕ ጉልበት ህዝቢ ኸቲቱ 574 ኪሎ ሜትሮ ፅገና ነባር መንገዲ ተኻይዱ ኣሎ። ካብዚ ብተወሳኺ ንኣሳልጦ ስራሕ ዝሕግዙ ኣብያተ ትምህርቲን ኬላታት ጥዕናን ልዕሊ ሓደ ሽሕ ክፍልታት ተሃኒፆም ንግልጋሎት በቒዖም እዮም።

ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዙራት ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔት ከም ሓደ ጠንቂ ሰናይ ምምሕዳር ኮይኑ ዝፀንሐ ክፍሊት ብእዋኑ ናይ ዘይምኽፋል ሽግር እዩ። ሓረስታይ ኣብቲ ፕሮግራም ተሓቝፉ ብምግቢ ዓርሱ ክኽእል እንተኾይኑ ክረኽቦ ዝኽእል ዓስቢ ረሃፁ ብእዋኑ ክርከብ ይግባእ። ነዚ ክፍተት እዚ ብዝእርም መንገዲ ብምስርሑ ፀገም ቀረብ ዕዳጋ ኣብ ዘይብሉ ብገንዘብ፣ ዋጋ እኽሊ ኣዐርዩ ኣብ ዝናሃረሉ ድማ ብእኽሊ ክኽፈሉ ብምግባር ዝነበሮም ክፍተት ምግቢ ክሽፍኑ ከምዝተገበረ ኣይተ ብርሃኑ ይገልፁ።

ብመሰረት እዚ ድማ ኣብ ስራሕቲ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ልምዓት መስኖን ካልኦት ማሕበራዊ ረብሓ ዝህቡ ስራሕቲ ዝውዕል ኣብ 2008 ዓ/ም ካብ ዝተመደበ 686 ሚልዮን 293 ሽሕን 460 ሽሕ ብር በጀት እቲ 669 ሚልዮን 155 ሽሕን 285 ብር ብእዋኑ ክኸፈል ተገይሩ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ 266 ሽሕን 183 ኩንታል ድማ ብእኽሊ ብምግቢ ንስራሕን ብነፃ ሓገዝን ተኸፋፊሉ። ብተመሳሳሊ ኣብ 2009 ዓ/ም እውን ብገንዘብ ሓደ ቢልዮንን 16 ሚልዮንን 614 562 ብር ብእኽሊ ድማ 310 ሽሕን 291 ኩንታል ብእኽሊ ንተጠቀምቲ ተኸፋፊሉ ኣሎ።

ካብዚ ብምብጋስ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔት ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ዝነበሩ ሓረስቶት ሃፍቲ ተፈጥሮ ከባቢኦም እናልምዑ ተጠቀምቲ እናገበረ ዝርከብ መርሃ ግብሪ እዩ። እዞም ሓረስቶት ብዝረኸብዎ ክፍሊት ክፍተት ምግቦም እናኸልኡ ኣብ ልምዓት መስኖን ሃፍቲ እንስሳን ተዋፊሮም ብምስራሕ ብምግቢ ዓርሶም ካብ ምኽኣል ብዝዘለለ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ለውጢ መነባብሮ ዝተሰጋገረሉ ኩነታት ከም ዝተፈጠረ ካብቲ መረዳእታ ምግንዛብ ይከኣል።

ብድምር እቲ ፕሮግራም ዋሕስ ህይወት ህዝብና ካብ ዝኸውን ውዒሉ ሓዲሩ ኣሎ። ብመሰረት እቲ መንግስቲ ዘቐመጦ ስትራተጂ ዓትዒቶም ዝሓዙ ሓረሰቶት ዓርሶም ዝኽእልሉ ፈውሲ ድኽነት ምዃኑ ካብ ተግባራዊ ለውጢ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ምርዳእ ይከኣል። ኣብ ሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ጥራሕ እኳ እንተርኢና ብብርኪ ክልል 331 ሽሕን 26 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 646 ሽሕን 147 መራሕቲ ስድራ ሓረስቶት ሃፍቲ ተፈጥሮ ከባቢኦም እናልምዑ ካብ ህድሞን ሰቐላን ተሰጋጊሮም ናብ ዝሓሸ ቆርቆሮ ገዛ፣ ተሰጋጊሮም እዮም። ነዚ ለውጢ እዚ ዝተዓዘቡ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ናብ ክልልና መፂኦም እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሐዚ ክልተ ምስክርነት ሂቦም። ሐዚ እውን ካልኦት ክምስከሩልና ዘይኮነስ ንዝሓሸ ለውጢ መነባብሮ እቶም ኣብቲ ሓዱሽ ራብዓይ ዙር ዝተሓቖፉ ሓረሰቶት እውን ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔት መሰጋገሪ ድልድል እምበር መጠወሪ ከምዘይኮነ ብዝግባእ ተረዲኦም ዘላቒ ለውጢ ኣብ ዘምፅኡ ስራሕቲ ሃፍቲ ተፈጥሮ እናሰርሑ ኣብ ልምዓት መስኖ ሃፍቲ እንስሳን ተዋፊሮም ብምስራሕ ካብ መስመር ድኽነት ወፂኦም ንምረቓ ንኽበቕዑ ጠንኪሮም ክሰርሑ ይግባእ ዝብል መልእኽትና።


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 959
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት ግንቦት 2009