የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4600579
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1012
5928
12066
4567652
38544
77308
4600579

Your IP: 54.163.61.66
2017-12-13 09:12

ከከም ጉያኻ እትዕወተሉ ሜዳ

here we go
selam new

                          ሃፍቲ ተፈጥሮ ክልልና ኣብ ምሕዋይ ግደ ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ዝዓዘዘ እዩ።

ክልልና ብሰንኪ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣውን ሓደጋታት ንነዊሕ መዋእል መግለፂ ስደት፣ ጥምየትን ድርቅን ኮይና ፀኒሓ እያ። ሃፍቲ ተፈጥሮ መሬታ ተመናሚኑ መፍረያይነታ ነክዩ ከርሲ ህዝባ ናብ ዘይትዕንገለሉ ብርኪ በፂሓ ነይራ። ካብዚ ከምዚ ዝበለ ከርፋሕ ናብራ ንምንጋፍ ህዝቢ ብመሪሕ ውድቡ ህወሓት እናተመርሐ ን17 ዓመት ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣካይዱ እዩ። ጎድና ጎድኒ ብረታዊ ቃልሲ ጥርሖም ተሪፎም ዝነበሩ ጎቦታት ትግራይ ንምሕዋይ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ክካየድ ዝፀንሐ ኮይኑ ኣብ እዋን  ሰላም እውን ስራሕቲ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ሃገራዊ ፖሊሲ ሕርሻ ኮይኑ ቐፂሉ። በዚ ድማ ክልልና ማእኸል ተሞክሮ ስራሕቲ ሃፍቲ ተፈጥሮ እናኾነት መፂኣ ኣላ። እዚ ተመክሮ ካብ ውሸጢ ዓዲ ብዝዘለለ ኣብ መደረኻት ዓለም እውን ተሸላሚት ወርቂ ክትኮን ኣኽኢሉዋ።

ንኣብነት ካብ 2002 ዓ/ም ክሳብ 2007 ዓ/ም ኣብ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝተሰርሑ ስራሕቲ እንተርኢና ኣብ ልዕሊ ሓደ ነጥቢ 56 ሚልዮን ሄክታር መሬት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ተኻይዶም እዮም። ከምኡ እውን 120 ሽሕን 531 ኪሎ ሜትሮ ጉህሚ ንምሕዋይ መደብ ተታሒዙ 124 ሽሕን 64 ኪሎ ሜትር ክስራሕ ክኢሉ እዩ። በዚኦምን በቶም ንነዊሕ ዓመታት እናተሰርሑ ዝመፁ ዝተፈላለዩ ጠሊ ዓቀብቲ “ስትራክቸራት”ን በሪሶም ዝነበሩ ጉህምታትን ጎቦታትን ትግራይ ብለምዒ እናተሸፈኑ ብምምፅኦም፣ ኣብ እግሮም ዓይኒ ማያት ነቲዖም ንልምዓት መስኖ፣ ሃፍቲ እንስሳን ምስሳን ምህርትን ዝለዓለ ዓቕሚ እናፈጠሩ መፂኦም እዮም።

በቶም ዝተሰርሑ ስራሕቲ ድማ ኣብ ልምዓት መስኖ ዝመፀ ለውጢ ጥራሕ መዚዝና እኳ እንተርኢና ኣብ ቀዳማይ ዙር ትልሚ ዕብየትን ስግግርን 257 ሽሕን 136 ሄክታር መሬት ብመስኖ ለሚዑ እዩ። ካብዚ ልዕሊ 27 ሚልዮንን 500 ሽሕን ኩንታል ምህርቲ ተረኺቡ። በዚ ድማ 558 ሽሕን 744 ኣብ ልምዓት መስኖ ዝተዋፈሩ ሓረስቶት ተጠቀምቲ ዝኾንሉ ዕድል ተፈጢሩ። ኣብ ልምዓት መስኖ ዝተመዝገበ ዓወት ምስ ካልኦት መርሃ ግብርታት ምንካይ ድኽነት ተደሚሩ ኣብ መፍረያይነትን ተጠቃምነትን ሓረስቶት ክልልና ወሳናይ ግደ ከምዝነበሮ ሰነድ ፀብፃብ መበል 12 ጉባኤ ውድብ ህወሓት የመላኽት።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ቀዳማይ ዙር ትልሚ ዕብየትን ስግግርን መጠን ድኽነት ናብ 22 ምኢታዊ ንምውራድ መደብ ተታሒዙ ኣብ 2007 ዓ/ም ናብ 23 ነጥቢ ኣርባዕተ ምኢታዊ ክንኪ ኽኢሉ እዩ። ኣብዚ ለውጢ እዚ ብፍላይ ድማ ድሕሪ 1997 ዓ/ም ሓረስታይ ትግራይ ካብ መሬቱ ከይተመዛበለ፣ ጥሪቱ ከይሸጠ ሃፍቲ ተፈጥሮ ከባቢኡ ኣብ ምዕቃብን በዚ ኣቢሉ ድማ  ኣብ ምንካይ ድኽነት ግደ ልምዓታዊ ሴፍትኔት ዝዓዘዘ እዩ ነይሩ።

ንሎሚ ድማ ብብርኪ ክልል ኣብ ራብዓይ ዙር ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔት ኣብ ምዕቃብ ሃፍቲ ተፈጥሮ ሓበራዊ ረብሓ ኣብ ዝህቡ ስራሕቲ ኣብ ምስራሕ ዘሎ ምንቅስቓስ ዳህሲስና ኣለና። ጠዋሪ ዘይብሎም ሰሪሖም ክበልዑ ዘይኽእሉ ኣረጋውያን /ሰብ ፀጋ ዕድመ/ ጉድኣት ኣካል፣ ደኻትም ህፃናትን ፀገም ጥዕና ዘለዎም ወገናትን ኣብ ምሕጋዝ ከም ክልል ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ እንታይ ከምዝመስሉ ክንርኢ ኢና።

ከምቲ ልዕል ክብል ዝተገለፀ ምስ መደባት ኣፈፃፅማ ስራሕ 2009 ዓ/ም ንምንፅፃር ዝኣክል ኣብ 2008 ዓ/ም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን መራሕቲ ስድራ ሓረስቶት ክልልና ኣብ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔት ተሓቒፎም ሃፍቲ ተፈጥሮ ከባቢኦም እናልምዑ ተረባሕቲ ኮይኖም እዮም። ካብዚአም እቶም 211 ሽሕን 798 ወገናት ሰሪሖም ክበልዑ ዘይኽእሉ ኣረጋውያን ሰብ ፀጋ ዕድመ፣ ፀገም ጥዕና ዘለዎም ወገናት፣ ጉድኣት ኣካልን ደኻትም ህፃናትን ኣብ ቀጥታ ሓገዝ ተሓቚፎም ተጠቀምቲ እናኾኑ ይርከቡ።

እቶም ብምግቢ ንስራሕ ኣቢሎም ተጠቀምቲ ዝኾኑ መራሕቲ ስድራ ሓረስቶት ኣብ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን፣ ሓበራዊ ረብሓ ክህቡ ኣብ ዝኽእሉ ህንፀት ሓዱሽን ነባርን መንገዲ ገፀር፣ ሓበራዊ ዒላ፣ መትረባት ማይ ኣብ ምፅራይን ካልኦት ስራሕቲ ተዋፊሮም ተጠቀምቲ እናኾኑ እዮም። ስለዝኾነ ድማ ኣብ 2008 ዓ/ም ልዕሊ 4 ነጥቢ 64 ሚልዮን ጉልበት ህዝቢ ከቲቱ ኣብ 12 ሽሕን 998 ሄክታር መሬት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ከም ዘሳለጠ ኣብ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ክልል ትግራይ መራሒ ጉጅለ ምድላው ፕሮጀክት ፕሮፖዛልን ምትሕብባር ውሕስነት ምግብን ኣይተ ብርሃነ ታፈረ ይገልፁ።

ሓረስቶት ኣብ ዓመት ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ግዜ ብመስኖ ኣልሚዖም ተጠቀምቲ ንምግባር ልዕሊ 2400 ሄክታር መሬት ብመስኖ ንምልማዕ ዘኽእሉ መትረባት ማይ ተሰሪሖም ኣለው። ልዕሊ ሓደ ነጥቢ ሓደ ሚልዮን ጉልበት ህዝቢ ድማ ብምግቢ ንስራሕ ኸቲቱ ልዕሊ 739 ሄክታር መሬት ከትርታት ብእምንን ሓመድን ሰሪሑ እዩ። ብተወሳኺ 68 ሽሕን 785 ጉልበት ህዝቢ ከቲቱ ንልምዓት መስኖ ሓገዝቲ ዝኾኑ መትረባት ማይ ክፅገኑ ገይሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ሓረስቶት ውፅኢት ልምዓቶም ዝኾኑ ኣሕምልትን ፍራምረን ንዕዳጋ ንምቕራብን ስሉጥ ግልጋሎት መጓዝያ ረኺቦም ግዚኦምን ጉልበቶምን ብኣግባቡ ንምጥቃምን ዘኽእሎም 329 ሽሕን 088 ኪሎ ሜትር ሓዱሽ መንገዲ ገፀር ተፀሪጉ። ልዕሊ 303 ሽሕን 458 ጉልበት ህዝቢ ከቲቱ ድማ 574 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ መንገዲ መኪና ክፅገን ገይሩ።

ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዙራት መደብ ልምዓታዊ ሴፍትኔት ከም ሓደ ጠንቂ ሰናይ ምምሕዳር ኮይኑ ዝፀንሐ ክፍሊት ብእዋኑ ናይ ዘይምክፋል ፀገም እውን ክፍታሕ እናተገበረ እዩ። ሓረስታይ ክፍሊቱ ብእዋኑ ረኺቡ ልምዓቱ ንምስላጥ ብዘኽእል መንገዲ ስለ ዝተኻየደ ቀረብ ዕዳጋ ኣብ ዘይብሉ ብገንዘብ ዋጋ እኽሊ ኣብ ዝነሃረሉ ድማ ብእኽሊ ክኽፈሉ ብምግባር ይስራሕ ምህላው ኣይተ ብርሃነ ይገልፁ።

ብመሰረት እዚ ድማ ኣብ ስራሕቲ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮን ልምዓት መስኖን ኣብ 2008 ዓ/ም ካብ ዝተመደበ 686 ሚልዮንን 293 ሽሕን 460 ብር እቲ 669 ሚልዮንን 155 ሽሕን 285 ብር ብእዋኑ ክኸፍል ተገይሩ እዩ። ብእኽሊ ድማ 266 ሽሕን 183 ኩንታል ብቐጥታ ሓገዝን ምግቢ ንስራሕን ንዝተዋፈሩ ወገናት ተኸፋፊሉ እዩ። ብተመሳሳሊ ኣብ 2009 ዓ/ም እውን ሃፍቲ ተፈጥሮ ብምዕቃብን ልሙዕነት ሓመድ ብምሕላውን መፍረያይነት ከሰስኑ ዝኽእሉ 13,973 ሄክታር መሬት ብደኒ ተኸሊሉ። ከምኡ እውን 203 ኳዕቲ ጎዳጉዲ ማያት፣ 332 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ሓዱሽ መንገድን 381 ኪሎ ሜትር ፅገና ነባር መንገዲ ተሳሊጦም ኣለው። ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ኣብ ዝተሳለጠሎም ጎቦታትን ጉህምታትን ድማ ልዕሊ 8345 ሄክታር መሬት ብዝተፈላለዩ ቐወምቲ ተኽልታት ክሽፈኑ ተገይሩ እዩ።

እቲ ፕሮግራም ኣብ 2010 ዓ.ም እውን ከም ክልል 862 ሽሕን 948 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ወገናት ዘላቂ ልምዓት ኣብ ዘረጋግፁ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን፣ ሓበራዊ ረብሓ ኣብ ዝህቡ ህንፀት መንገዲ፣ መትረባት ማይን ዃዕቲ ሓበራዊ ዔላን ተዋፊሮም ተረባሕቲ ክኾኑ እዮም። ከምኡ እውን ኣብ 31 ወረዳታት ትግራይ 1103 መፋስሳት ዝተዋደደ ልምዓት መፋስስ ብምስራሕ ንመናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ጎቦን ጉህምን መቐሎ ብምክያድ ኣብ ልምዓት ሃፍቲ እንስሳ ተዋፊሮም ተረባሕቲ ዝኾንሉ መንገዲ ክፍጠር እዩ። እዚ ፕሮግራም መሰጋገሪ ድልድል ብምዃኑ ሎሚ ዓመት ውሕስነት ምግቦም ዘረጋገፁ 101 ሽሕን 075 ወገናት ንምምራቕ ትልሚ ተታሒዙ ከም ዘሎ ድማ ኣይተ ብርሃነ ይገልፁ።

ሰሪሖም ክበልዑ ዘይኽእሉ ጉድኣት ኣካል፣ ደኻትም ህፃናት፣ ሰብ ፀጋ ዕድመን ኣረጋውያንን ፀገም ጥዕና ዘለዎም 139 ሽሕን 121 ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብኦም 217 ሽሕን 447 ወገናት ድማ ከምቲ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዙራት ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔት ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዝ ዘይኮነስ ዓመት ምሉእ ብዘይምቑርራፅ ተጠቀምቲ ቐጥታ ሓገዝ ይኾኑ ኣለው።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቲ ፕሮግራም ውሕስነት ምግቦም ኣረጋጊፆም ዝተመረቑ ሓረስቶት ንድሕሪት ከይምለሱ ዘይተመረቑ ድማ ውሕስነት ምግቦም ኣረጋጊፆም ናብ ዝሓሸ ብርኪ መነባብሮ ንኽሰጋገሩ ስልጠናን ልቓሕ ገንዘብን ተመዲቡ እዩ። ብመሰረት እዚ 25 ሽሕን 962 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 51 ሽሕን 924 መራሕቲ ስድራ ሓረስቶት ኣብ ስራሕቲ ሕርሻ ማለት እውን ልምዓት መስኖ፣ ምርባሕ ፀባ ከፍቲን ጠለበጊዕን ተዋፊሮም ክሰርሑ ክግበር እዩ። ከምኡ እውን ኣብ ስራሕቲ ንግድን ሸቐጣ ሸቐጥን ተዋፊሮም ንምስራሕ 210 ሚልዮንን 119 ሽሕ ብር ካብ ሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ትካል ፍትሓዊ ልቓሕን ዕቋርን ደደቢት ልቓሕ ብምሃብ ናብ ስራሕ ክኣትው ከም ዝግበር እቶም መራሒ ጉጅለ ይገልፁ።

ብድምር ኣብ 31 ወረዳታት ትግራይ በዚ ፕሮግራም ዝመፅእ ዘሎ ለውጢ ኣብ ባይታ ብዘሎ ሓቂ ወሲድካ ምርዳእ ይከኣል እዩ። ኣብቶም ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ጥራሕ እኳ ብብርኪ ክልል 331 ሽሕን 026 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 646 ሽሕን 147 መራሕቲ ስድራ ሓረስቶት ሃፍቲ ተፈጥሮ ከባቢኦም እናልምዑ ካብ ህድሞን ሰቐላን ተሰጋጊሮም ናብ ዝሓሸ ቆርቆሮ ገዛ ተሰጋጊሮም እዮም። ኣብቲ ራብዓይ ዙር ዝተሓቆፉ ሓረስቶት እውን ልምዓታዊ ሴፍትኔት መሰጋገሪ ድልድል እንበር መጠወሪ ከምዘይኮነ ብዝግባእ ተረዲኦም ዘላቂ ለውጢ ኣብ ዘምፅኡ ስራሕቲ ሃፍቲ ተፈጥሮ እናልምዑ ኣብ ልምዓት መስኖ፣ ሃፍቲ እንስሳን መፍረያይነትን ኣብ ዘሰስኑ ተዋፊሮም ብምስራሕ ካብ መስመር ድኽነት ወፂኦም ንምረቓ ንኽበቕዑ ጠንኪሮም ክሰርሑ ይግባእ ዝብል መልእኽትና እዩ።


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 966
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010