የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4290895
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
528
2449
11166
4258204
59625
89268
4290895

Your IP: 54.225.54.120
2017-09-21 04:53

ካሊእ መዋእል ጀግንነት

here we go
selam new

ጅግንነት ኣብ ልዕሊ ድኽነት እዋኑ ዝጠልቦ ውራይ!

“ጅግና ማለት ኣብ ዝተዋፈረሉ ዓውደ ስራሕ ዝዕወት እዩ” ዝብል ኣበሃህላ ሜጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ ኣሎ። ሜጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያን ብፆቱን ኣንፃር ፀረ ህዝቢ ዕጡቓት ሓይልታት፣ ብፍላይ ድማ ኣንፃር ስርዓት ደርግ ዝወዓሉሎም ዓውድታት ኲናት ቆፂርካ ዝውድኡ ኣይኮኑን። ኣብ ዓውደ      ኲናት ህይወትካ ኢኻ ትስውእ፤ ወይ ኣካላትካ ትጎድል። ነዚ ኹሉ ዝፈልጥን ንባዕሉ ኣብ ዓውደ ኵናት ዝተዃሽሐን ጅግና ሜጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ እዩ እምበኣር ጅግንነት ኣብ ዓወደ ኲናት ጥራሕ ዝውሰን ከም ዘይኾነ ዝገለፀ። ኣብ ምኽባር ሰላም፣ ኣብ ህዝባዊ ምምሕዳር፣ ኣብ ውልቀ ስራሕ ንግዲ ኮነ ኪነ ጥበባዊ ወይ ካሊእ ልምዓታዊ ምንቅስቓስ ሓላፍነትካ ብኣግባቡ ምፍፃም ጅግንነት ከም ዝኾነ እዩ እቲ ኣበሃህልኡ ዘመልኽት። ካብዚ ተበጊስካ እንትርአ ህዝብና ኣንፃር ድኽነት ዝገብሮ ዘሎ ፅኑዕ ቃልሲ ጅግንነት ካልኣይ ምዕራፍ እዩ። ድኽነት ነበረ ንምግባር ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ተታሒዞም እናተተግበሩ እንትኾኑ ካብዚኣቶም መናእሰይ ኣብ ደኣንት ተዋፊሮም ዝፍፅምዎም ዘለዉ ዘተባብዑ ስራሕቲ ተጠቀስቲ እዮም።

ኣብ ከተማ እንትጮ ብልምዓት ደኣንት ዝፍፀም ዘሎ ንጥፈታት መርኣዩ ጅግንነት ልምዓት ገይርና ብኣብነት ክንርእይ ደሊና። ነባሪ እታ ከተማ መንእሰይ ግሩም ዮውሃንስ ክሳብ 2003 ዓ/ም ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ምስ ፀንሐ ኣብ ሓደ ጥሉል ስራሕ ክዋፈር ከምዘለዎ ወሲኑ። ኣዋህሊልወን ዝነበረ 30 ሽሕ ብር ብምሓዝ ድማ 2003 ዓ/ም ቆርቆቦ (ኣድጊ እምኒ ዝፀዓነሉ መሳርሒ)፣ ቆርቆሮን ምስማርን ወዘተ ክሸይጥ ጀሚሩ። እቲ ስራሕ ፅቡቕ ዕዳጋ ስለ ዝነበሮ ኣብቲ ዓመት 100 ሽሕ ትርፊ ረኺቡ። በተን 30 ሽሕ ብር ስራሕ እንትጅምር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣውድ መስርሕታት ህንፃ ዝህቡዎ ነጋዶ ረኺቡ። እቲ ብኣውድ ዝወሰዶ ብምሻጥ ዕዳኡ ይምልሰሎም ማለት እዩ። ብኸምዚ ኣብቲ ፈላሚ ዓመት 100 ሽሕ ብር ክረክብ ክኢለ” ይብል ምኽኣሉ መንእሰይ ግሩም ኣውጊዑና።

ኣብ 2004 ዓ/ም እውን ነቲ ስራሕ ኣጠናኺሩ ስለዝቐፀለሉ መጠን እቶቱ እናወሰኸ ከይዱ። ስለዝኾነ ኣብቲ ዓመት 120 ሜትር ካሬ መሬት ብ120 ሽሕ ብር ዓዲጉ። ካብኡ ሓሊፉ መስርሕታት ህንፃ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብናይ ባዕሉ ገንዘብ ብበዝሒ ናብ ምምፃእ ተሰጋጊሩ። ብኸምዚ ዓቕሚ እናጥረየ ምስከደ እቲ ዝዓደጎ ቦታ ፎቕ ክሰርሖ ብምሕሳብ ሰሪትዎ። ቀስ ብቐስ ድማ ህንፀቱ ጀሚርዎ። ብተወሳኺ ኣብ 2006 ዓ/ም ወለዱ ኣብ ዝሃብዎ ካሊእ ቦታ ንመንበሪ ዝኸውን ኣርባዕተ ክፍሊ ገዛ ሰሪሑ። ኣብ 2007 ዓ/ም ድማ 800 ሽሕ ብር ካብ ባንኪ ብምልቃሕ ስራሕቱ ኣጠናኺሩ ቀፂሉ። ኣብዚ እዋን ቀዳማይ ደብሪ ዝሃደሞ ኮይኑ ንግዲ መሳርሕታት ህንፃ ብሰፊሑ ተተሓሒዝዎ ይርከብ። ካብቲ ዝተለቅሖ 800 ሽሕ ብር ነቲ 400 ሽሕ ከምዝመለሰ እውን ይገልፅ።

ካብ 30 ሽሕ ብር ተበጊሱ በዚ ዝተገለፀ መንገዲ ዝተጓዓዘ መንእሰይ ግሩም ኣብ ባንኪ ፍርቂ ሚልዮን ብር ዘለዎ ኮይኑ ብድምር ልዕሊ ሓደ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚልዮን ብር ካፒታል ከም ዝወነነ ይገልፅ። ኣብዚ ደጋጊሙ ዝገለፆ ነገር ድማ ኣሎ። “እቲ ቀንዲ ጥንካረ ናይ ባዕልኻ እዩ። ‘ክልወጥ እየ’ ኢልካ ክትኣምን ኣለካ። ኣነ ከም ዝልወጥ ኣሚነ እየ ነዚ ስራሕ ጀሚረ። እዚ ከም ዘለዎ ኮይኑ ኤጀንሲ ልምዓት ደኣንት ሓደ ማእኸል ከተማ እንትጮ እውን ጥቡቕ ክትትልን ደገፍን ይገብሩ እዮም። ብፍላይ ንደኣንት ዝሃቡና ስልጠናታት፣ ዘመቻቸዉልና መስርሒ ቦታን ልቓሕ ገንዘብን ነቲ ኣመዝጊበዮ ዘለኹ ዕብየት ወሳኒ ግደ ነይርዎ” ይብል መንእሰይ ግሩም። ነዚ ዝገለፅናዮ፣ ኣብ ደኣንት በርቲዕኻ እንተድኣሰሪሕኻ ክሳብ ክንደየናይ ክትልወጥ ከምእትኽእልን ብመንፅር እዚ ኣብ ከተማ እንትጮ ዘለዉ መናእሰይ ዝሰርሕዎ ዘለው ስራሕቲ ንምርኣይን ዝኣክል እምበር እቲ ዝርአይ ጭቡጥ ምንቅስቓስ ብብርኪ ከተማ እንትጮ እዩ ዘሎ።

ኣብ ከተማ እንትጮ ጠቕላላ 2,018 ውዳበታት ደኣንት እንትህልው ነዚኦም ዘንቀሳቕሱ ሰብ ዋና ድማ 2,484 እዮም። ኣብ ስራሕቲ ደኣንት ካብ ዝተዋፈሩ ነበርቲ ድማ እቶም 2,064 ኣባላት ውድብ እዮም።  ትካላት ደኣንት እቲ ከተማ ኣብ 12 መሰረታዊ ውዳበ ዝተወደባ እንትኾና እተን 10 ብሞዴላት ኣመራርሓ ዝምርሓ እየን።  ብተወሳኺ ኣብ 96 ጉጅለታት ልምዓት፣ 96 ዋህዮታትን ኣብ 477 ኔትወርክታትን ዝተወደባ እየን። ካብዚኣተን እተን 90 ጉጅለታት ልምዓትን ዋህዮታትን ብሞዴላት ኣመራርሓ እንትምርሓ እተን 451 ኔትዎርክታት እውን ብሞዴላት ይምርሓ። እዘን ውዳበታት ብሞዴላት ብምምርሐን ድማ እቶም ኣመራርሓ ዝህብዎ መሪሕነት ካብ ፍልጦ ዝተበገሰ ስለ ዝኾነ ሓጋዛይ ኮይኑ እዩ። ካሊእ ድማ እቶም ኣመራርሓ ዝብልዎ ቀዲሞም ዘተግብርዎ ስለ ዝኾነ ዝጠራጠርን ዝቃወምን ኣባል ንኸይህሉ ሓጊዙ እዩ።

ውዳበታት ደኣንት ከተማ እንትጮ ኣመራርሓአን ጥራሕ ዘይኮኑስ መንቀሳቐስተን እውን ኣብነታውያን ንምግባር ፃዕሪ ይግበር እዩ። ብመሰረት እዚ እቶም 1,121 መንቀሳቐስቲ ኣብነታውያን /ሞዴላት/ ክኾኑ ክኢሎም እዮም። እዚ ብውልቀ ኾነ ብውዳበ ዘሎ ፅቡቕ ውፅኢት ክመፅእ ዝኸኣለ ድማ ብመተሓባበርትን ሰብ ሞያን ኤጀንሲ ልምዓት ደኣንት ፅቡቕ መሪሕነት ስለ ዝዓረፎ እዩ።

ስራሕቲ ብኣሃዛዊ መረዳእታ ነፂርካ ንምርኣይ ትልምን ኣፈፃፅማን 2009 ዓ/ም ዳህሲስና ኢና። ኣብዚ ዓመት 600 ሓደሽቲ ደኣንት ንምፍጣር ትልሚ ተታሒዙ 100 ምኢታዊ ዝተፈፀመ እንትኸውን ቀዋሚ ዕድል ስራሕ ድማ ን1,800 ነበርቲ ንምፍጣር ተተሊሙ 1,650 ነበርቲ ክፍጠረሎም ክኢሉ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ  ግዝያዊ ዕድል ስራሕ ን503 ነበርቲ ክፍጠር ትልሚ ተታሒዙ ን526 ነበርቲ ዕድል ስራሕ ተፈጢሩ  እዩ። ምትእስሳር ዕዳጋ እውን ብትኹረት ዝተሰርሐሉ ጉዳይ እዩ። ን817 ትካላት ደኣንት ዕዳጋ ክተኣሳሰሩ ትልሚ ዝተትሓዘ ኾይኑ ን929 ትካላት ደኣንት ናይ 57 ሚልየንን 432 ሽሕን 776 ብር ምትእስሳር ተገይሩ እዩ።

ትካላት ደኣንት ንኣሳልጦ ስርሖም ልቓሕ ከምዘድልዮም ይፍለጥ እዩ። ብመሰረት እዚ ትሸዓተ ሚልዮንን 731 ሽሕን 611 ብር ንምልቃሕ ተተሊሙ 10 ሚልዮንን 302 ሽሕን 522 ብር ኣብ ልቓሕ ውዒሉ እዩ።  እቶም ኣሃዛት ዕውት ኣፈፃፅማ እዮም ዘመላኽቱ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ ኣብ ማሕበረሰብ እታ ከተማ ልዑል ግንዛበ ስለዝተፈጠረ፣ ስጡም ደገፍን ክትትልን ዝምልከቶም ኣካላት ስለ ዘሎ እዩ።

ተጠቀምቲ ልምዓት ደኣንት እዞም ልዕል ክብሉ ደገፍ እንትግበሩሎም ካፒታሎም ንኽዓብየ እዩ። እዚ ድማ ብምዕቛር እውን ክድገፍ ኣለዎ። ብመሰረት እዚ 2,948 ተጠቀምቲ 77 ሚልዮንን 213 ሽሕን 022 ብር ክዓቑሩ ትልሚ ተታሒዙ 3022 ተጠቀምቲ 65 ሚልዮንን 248 ሽሕን 66 ብር ክዓቑሩ ክኢሎም እዮም። ሓደሽቲ ደኣንት እንትፍጠሩን እቶም ኣብ ስራሕ ዝፀንሑ እንትዓብዩን ድማ መስርሕን መሸጥን ቦታ ክመቻቸው ግድን ይኸውን። ስለዝኾነ ን150 ተጠቀምቲ 6,728 ሜትር ካሬ ክወሃብ ተተሊሙ ን176 ተጠቀምቲ 6,828 ሜትር ካሬ መሬት ተዋረቡ እዩ። እዚኣቶም እቶም ቀንዲ ንጥፈታት ሓደ ማእኸል ከተማ እንትጮ እዮም። ሓደ ማ\እኸል ማለት ንመንቀሳቐስቲ ደኣንት ጠቕላላ ግልጋሎት ዝወሃበሉ ቤት ዕዮ ማለት እዩ።

 ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ኣርባዕተ ሓደ ማእኸል እዮም ዘለዉ። ንሳቶም እውን ሓደ ማእኸል እንትጮ፣ ሓደ ማእኸል ድብድቦ፣ ሓደ ማእኸል ገርሁ ስርናይን ሓደ ማእኸል ፈረስ ማይን እዮም። ካብ ውሽጢ እዚኣቶም ዝበለፀ ምንቅስቓስ ዘለዎ ድማ እቲ ብዝርዝር ዝረኣናዮ ሓደ ማእኸል እንትጮ እዩ። እዚ ብብርኪ መንግስቲ ክልል ኮነ ፌደራል ኣፍልጦ ዝተውሃቦ እዩ። ንኣብነት ኣብ  2008 ዓ/ም ከም ሓደ ማእኸል ከተማ እንትጮ ብብርኪ ክልል ኮነ ፌደራል ኣብ ቅድሚት ዝተሰርዐ ኮይኑ ፋክስ፣ ፕሪንተርን ምስክር ወረቐትን  ተሸሊሙ እዩ። መተሓባበሪ እቲ ማእኸል ኣይተ ፍስሃ ግርማይ ድማ 6000 ብር፣ ሜዳሊያ፣ ዋንጫን ወረቐት ምስክርን ተሸሊሞም እዮም።

 ኣብ 2009 ዓ/ም እውን እቲ ሓደ ማእኸል ብብርኪ ክልል ቅድሚት ዝወፀ ኮይኑ ሓደ ዋንጫ፣ ኮምፒተርን ፕሪንተርን ተሸሊሙ እዩ። መተሓባበሪ እቲ ሓደ ማእኸል ኣይተ ፍሰሃ እውን ንኻልኣይ ግዜ ዋንጫ፣ ሜዳሊያን 5000 ብርን ተሸሊሞም እዮም። ከም ቤት ፅሕፈት ኤጀንሲ ልምዓት ደኣንት ወረዳ ኣሕፈሮም ድማ ብ2008 ዓም ብብርኪ ክልል ካልኣይ ወፂኡ ዋንጫ እንትሽለም ለምዘበን እውን ብተመሳሳሊ ብብርኪ ክልል ካልኣይ ወፂኡ እዩ። ከምቲ “ጅግና ኣብ ኲናት ጥራሕ ኣይኮነን ዝፍጠር።” ዝተብሃለ ኣብ ልምዓት ዕውት ምዃን እውን ካሊእ ጅግንነት እዩ። ኣብ ከተማ እንትጮ ዘሎ ምንቅስቓስ ደኣንትን ከይዲ መሪሕነትን በዚ ኣብነት ይጥቀስ። ስለዚ ካልኦት ከተማታት እውን ነዚ ፅቡቕ ተመክሮ ከተግብርኦ ኣለወን።  መናእሰይ እውን ተጠቀምቲ ኣንፈትን ፖሊሲን ውድብናን መንግስትናን ብምዃን መነባብሮኦም ክልወጡ ይግባእ።


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 959
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት ግንቦት 2009