የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

እዋናዊ ቃለ-መሕትት ምስ ኣቦ መንበር ህ.ወ.ሓ.ት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4720827
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
2310
3463
23666
4682189
61284
97508
4720827

Your IP: 54.82.29.141
2018-01-20 16:29

ኣድላይነት ኣዋጅ ጡሮታ ሰራሕተኛታት መንግስትን ውልቀ ትካላትን

here we go
selam new

ቀዳማይ ክፋል

ሓዱሽ ኣዋጅ ቁፅሪ 715/2003 ዓ/ም ጡሮታ ሰራሕተኛታት መንግስትን ውልቀ ትካላትን ካብ ሓምለ 2003 ዓ/ም ጀሚሩ ብደረጃ ሃገር ኣብ ስራሕ ውዒሉ እዩ። ንምዃኑ እዚ ኣዋጅ ምውፃእ ንምንታይ ኣድልዩ? እዚ ኣዋጅ ምውፃእ ዘድለየሉ ምኽንያት ኣመልኪቱ ኣብ መእተዊ ናይቲ ኣዋጅ ተደንጊጉ ዘሎ ሓሳብ ከም ዘመላኽቶ፣ ˝ስርዓት ማሕበራዊ ውሕስና ብምግፋሕ ዜጋታት በቢ ደረጅኡ ተጠቀምቲ ክኾኑ ምግባር” ዝብል ፖሊሲ ቁጠባ ሃገርና ተግባራዊ ንምግባር እዩ። ብተወሳኺ ስርዓት ማሕበራዊ ውሕስና ምግፋሕን ተጠናኺሩ ምቕፃልን ድማ ንማሕበራዊ ፍትሒ፣ ሰላም፣ ምንካይ ድኽነትን ምርግጋፅ ልምዓትን ርኡይ ግደ ስለዘለዎ ሰራሕተኛታት መንግስትን ውልቀ ትካላትን ትልሚ ጡሮታ ክህልዎም ኣድላይ ኮይኑ ስለዝተረኸበ እዩ።

ሃገርና ተኸታሊት ስርዓት ነፃ ቁጠባ እንትትኸውን ሕብረተሰብ ሃገራዊ ቁጠባ ብቕልጡፍ ክዓብየሉ እዩ ዝደሊ። ሓደ ቁጠባዊ ኣተሓሳስባን ተግባርን ዘለዎ ማሕበረሰብ ንምህናፅ እውን ድልየት ኣለዎ። ናይዚ መርኣዪ ንንግድን ኢንቨስትመንትን ምችው ኩነታት ምፍጣር ብጣዕሚ ኣድላይን ወሳንን ዝኾነ ሰላም ብዘላቕነት ንምህናፅ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ቆሪፆም ዝተልዓሉ ምዃኖም ኣብ ሕገ መንግስቲ ሃገርና ተደንጊጉ እዩ። እዚ ምትሕብባር ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሓበራዊ ረብሓ ምምዕባል መሰረት ዝገበረ እንትኸውን እዚ ድልየት ተግባራዊ ዝገብሩ ዝተፈላለዩ ድንጋገታት ኣብ ሕገ-መንግስቲ ፌዴራላዊ ዲሞክራስያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ብግልፂ ተቐሚጦም ኣለዉ።

ካብ ውሽጢ እቶም ድንጋገታት፣ ˝ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ኣብ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ቁጠባ ናይ ምውፋር መሰል ኣለዎ” ዝብል ሓዲኡ እዩ። ከምኡ እውን ˝ኩሉ ኢትዮጵያዊ ዜጋ ስርሑን ሞይኡን ክመርፅ መሰል ኣለዎ” ዝብል ይርከቦ። ይኹን እምበር ካብቶም ዝምረፁ ስራሕቲ ንግዲ ዘይኮኑ ስራሕቲ ሞያን ንግድ ምህላዎም እውን ክፍለጥ ይግባእ። ንግድን ኢንቨስትመንትን ብነፃ ዕዳጋ ዝምርሑ እንትኾኑ ሓላፍነት መንግስቲ ምችው ኩነታት ምፍጣርን ኣብ ቁፅፅር መራሒ ምዃንን እዩ። ካብቶም ምችው ኩነታት ዝፈጠረሎም መንገድታት ሓደን ቀንድን ንንግድን ኢንቨስትመንትን ኣድለይቲ ዝኾኑ መሰረተ ልምዓታት ምህናፅን ምምላእን ይኸውን።

ነዚ ሕገ መንግስታዊ ድንጋገ ተግባራዊ ምግባር ካብ ውሽጢ ዝውሰዱ ስጉምትታት ዕድል ስራሕ ዜጋታት ንምፍጣር ዘኽእል መደብ ምውፃእ ሓደ ኣካል ፖሊሲ መንግስቲ እዩ። ሰብ ሃፍቲ ፍርያት ንምዕባይ ምስ ዘበርክትዎ ግደ ዝመጣጠን ንባዕልቶም መሰል ምርካብ ኣታዊ ዘለዎም ምዃኑ ኣብቲ ፖሊሲ ቁጠባ ተቐሚጡ እዩ። ምስዚ ጎድና ጎድኒ ስራሕቶም እንተሳልጡ ተቖፂሮም ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት እውን ተጠቀምቲ ናይዚ ዕድል ክኾኑ ግድን ይብል። ኣዋጅ ጡሮታ ሰራሕተኛታት መንግስትን ትካላት ውልቀን ኣድላይ ዝኾነሉ ምኽንያት እውን ካብዚ ብምብጋስ እዩ።

ካልእ ኣዋጅ ጡሮታ ሰራሕተኛታት መንግስትን ውልቀ ትካላትን መበገሲ ዝገብሮ ዓለም ለኻዊ ድንጋገታት ሰብኣዊ መሰል እዩ። ዓለም ለኸ ድንጋገታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከምኡ እውን ድንጋገታት ሕገ-መንግስቲ ፌደራላዊት ዴሞክራስያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ተቐሚጡ ከም ዘሎ፣ ሰባት ብዘርኦም፣ ፆተኦም፣ ሃይማኖቶም፣ ፖለቲካዊ እምነቶም መሰረት ብምግባር ዝኾነ ዓይነት ኣፈላላይ ክግበረሎም ከም ዘይግባእ እዩ። እዚ ድማ ደቂ ሰባት ኣብ ስራሕ ቦታ ክህልዎም ዝግባእ ክብሪ ብዝግባእ ክሕለወሎም ከምዘለዎ የመላኽት።

እዚ መሰረታዊ መትከል “ጉልበት ሰብ ሸቐጥ ኣይኮነን” ብዝብል ኣበሃህላ ምግላፅ ይከኣል። ኣብ ልዕሊ እዚ ካብ ነፃ ቁጠባ ዝርከብ ረብሓ ሰራሕተኛታት ፍትሓዊ ዝኾነ ብፅሒት ምእንታን ክረኽቡ እዚ መሰረታዊ መትከል ምኽባር ኣድላይ እዩ። ብተወሳኺ ደቂ ሰባት ነፃ ምዃኖም ኣመልኪቶም ዝተደንገጉ ድንጋገታት ክጠሓሱ ከም ዘይብሎም የረድእ። ኣብ ስርዓት ነፃ ዕዳጋ ደቂ ሰባት ክለምዑን ነፃ ኮይኖም ውሕስና መሰል ነፃነት ምዝውዋር ክረኽቡን ዘኽእል እዩ። እዚ ድማ ንምጥንኻርን ዕብየትን ነፃ ቁጠባ ዝለዓለ ግደ የበርክት።

ኣዋጅ ጡሮታ ሰራሕተኛታት መንግስትን ውልቀ ትካላትን ብዋናነት ጠመተን ትኹረትን ዝገብር ከምቲ ሽሙ ዝሕብሮ ኣብ ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን እዩ። ኣብዞም ክልተ ወገናት መንግስቲ እውን ጣልቃ ዝኣትወሉ ጉዳይ ኣሎ። ምእንተ ሰላም ኢሉ ኩነታቶም ብሕጊ ክድንገግ ይገብር። ብተወሳኺ ከምቲ ቅድም ክብል ዝተገለፀ መንግስቲ ስራሕቲ ኢንቨስትመንትን ንግድን ንምስላጥ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ይዝርግሕ። ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ግዘኦም ኣብ ነገርን ህውከትን ከየሕልፉ ስሉጥ ግልጋሎት ፍትሒ ክረኽቡ ባይታ የመቻቹ። ሕግታት ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ብባህሪኦም ማሕበራውን ቁጠባውን ዕብየት ከምፅኡ ዝኽእሉ ኣካላት እዮም። እዚኦም ተዋዲዶም ክሰርሕሉ ዝኽእሉ ሰላም እንትህሉ ብርክት ዝበሉ ትካላት ልምዓት ይህነፁ። ልምዓት ኢንዱስትሪ ይጋፋሕ፤ ፍልጠትን ዓቕምን ሰራሕተኛታት እውን ይምዕብል። ሰራሕተኛታት ውሕስና ስራሕ ይረኽቡ፤ ብኡኡ ልክዕ ድማ ንዜጋታት ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ይፍጠር። ብተወሳኺ ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን እቲ ሓደ ረብሓ እቲ ካልእ እናደገፈ ሓበራዊ ረብሐኦም ዘማዕብሉሉ ዕድል የስፍሕ።

ኣብ ክሊ እዚ፣ ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ሓበራዊ ረብሓ ከም ዘለዎም ኩሉ ጎንፂ ረብሓ ምፍጣሩ ዘይተርፍ እዩ። እዚ ስልጡን ብዝኾነ ኣገባብ ብስምምዕነት እንተዘይተፈቲሑ ድማ ሰላም ይጠፍእ። በዚ ድማ ይትረፍ ናብ ውድድር ዓለም ለኸ ነፃ ዕዳጋ ምእታው ካብ ዕዳጋ ውሽጢ ዓዲ ናይ ምውፃእ ዕድል እውን የጋጥም። እዚ ከዓ ናይ ሓባር ውድቀት የስዕብ። ስለዝኾነ ኣስራሒ ኮነ ሰራሕተኛ ብሓባር ተረዳዲኦም ምስራሕ የድልዮም። ካብቲ ስራሕ ዝርከብ መኽሰብ ቁጠባ ሓቢሮም ይማቐሉ። ሰራሕተኛ ፀዓራይነቱን ዓቕሙን ብዝበለፀ ብምዕባይ ዝበለፀ መፍረዪ ዝኾነሉ ኣገባብ ምድላይ ይግባእ። ኣብ ክሊ ስራሕ ዝፍጠሩ ዘይምርድዳኣት ብዝሰልጠነ ኣገባብ ብምፍታሕ ማሕበራዊ ፍትሒ ክዓስል ምግባር ግድነት ይኸውን።

ካብዚብምብጋስ ሕገ-መንግስቲ ፌዴራላዊ ዲሞክ ራስያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓንቀፃቱ ንሰራሕተኛታትን ኣስራሕትን ዝምልከቱ ድንጋገታት ሕጊ ሒዙ ይርከብ። እቶም መሰላት ኣብ ውሱናት ረብሓታት ዝተሓፀሩ ዘይኮኑስ ብሓፈሻ መሰል ሰብኣውነት ኣካቲቱ ዝሓዘ እዩ። እቲ ሕገ-መንግስቲ ኣብ ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ኣመልኪቱ ካብ ዝሓዞም መሰረታዊ ጉዳያት ድማ ጡሮታ ሰራሕተኛታት መንግስትን ውልቀ ትካላትን እዩ።

ተፈፃምነት ኣዋጅ ጡሮታ ሰራሕተኛታት መንግስትን ውልቀ ትካላትን

እዚ ኣዋጅ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያዊ ዜግነት ዘለዎም ሰራሕተኛታት መንግስትን ውልቀ ትካላትን ዝፍፀም ምዃኑ የቕምጥ። ትርጉም ኣዋጅ 715/2003 ዓ/ም ከም ዘመላኽቶ፣ ውልቀ ትካል ማለት ኣብ ንግዲ፣ ኢንዱስትሪ፣ ሕርሻ፣ ህንፃ፣ ማሕበራዊ ግልጋሎት ወይ ካልእ ተመሳሳሊ ስራሕ ሕጋዊ ኮይኖም ዝተጣየሹ ትካላት እዮም። ብተወሳኺ ሰራሕተኛታት ቖፂሮም መሃያ እናኸፈሉ ዘስርሑ ውልቀ ትካላት ወይ ውልቀ ሰባት እንትኸውን ትካላት ምግባረ ሰናይን ማሕበራትን ከም ዘይሓውስ ተቐሚጡ እዩ። ትርጉም ውልቀ ትካል እዚ ካብ ኮነ በዚ ኣዋጅ ዝመሓደሩ ውልቀ ትካላት እንመን ከም ዝኾኑ ክንርኢ።

በዚ ኣዋጅ ዝመሓደሩ ውልቀ ትካላት፣ እዚ ኣዋጅ ኣብ ስራሕ ቅድሚ ምውዓሉ ተጣይሾም ሽፋን ፕሮቪደንት ፈንድ ወይ ጡሮታ ዘይነበሮም ቀዋሚ ሰራሕተኛ ቖፂሮም ከስርሑ ዝፀንሑ ውልቀ ትካላት እዮም። ከምኡ እውን እዚ ኣዋጅ ጡሮታ ድሕሪ ኣብ ስራሕ ምውዓሉ ዝተጣየሹ ዝኾነ ይኹን ቀዋሚ ሰራሕተኛ ቖፂሮም ዘስርሑ ውልቀ ትካላት በዚ ዝመሓደሩ ምዃኖም በቲ ኣዋጅ ተነፂሩ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እዚ ኣዋጅ ኣብ ስራሕ ቅድሚ ምውዓሉ ሽፋን ፕሮቪደንት ፈንድ ዝነበሮም ሰራሕተኛታት ብሽፋን ጡሮታ ውልቀ ትካል ንክኸውን እንትስማዕምዑ በዚ ኣዋጅ ዝመሓደሩ ውልቀ ትካላት ክኾኑ ይኽእሉ። እዚ ንትካላት ዝምልከት ሽፋን ኮይኑ ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ትካል ብቐዋምነት ተቖፂሮም ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት በዚ ኣዋጅ ጡሮታ ዝሽፈኑ ወይ ዝመሓደሩ ከምዝኾኑ እቲ ኣዋጅ ብግልፂ ይድንግግ። ኣብ ዝቅፅል ካልኣይ ክፋል መደብና ድማ “ፕሮቪደንት ፈንድ”ን እዋን ሽግግርን ዝብል ዛዕባ ሒዝናልኩም ክንቀርብ ኢና።


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 969
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010