የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4600572
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
1005
5928
12059
4567652
38537
77308
4600572

Your IP: 54.163.61.66
2017-12-13 09:11

ተሃድሶና ዝግልፎም ዘሎ በሰራት

here we go
selam new

                               ዋና ኣመሓዳሪት ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ወ/ሮ ኪዳን ተስፋይ

ተማሓይሹ ዝወፀ ደንቢ ምምሕዳርን ኣጠቓቕማን መሬት ገፀር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቁፅሪ 85/2006 ዓንቀፅ 19 ንኡስ ቁፅሪ ሰለስተ ‘’ውላድ ዘይብሉ ስውእ ተጋዳላይ ወይ ምልሻ ትሕዝቶ መሬቱ ብህይወት እናሃለወ ኣብ ዝገደፎ ሰብ ተመዝጊቡ ይተሓዝ’’ ይብል። ስለዚ ሕጋዊ ወረስቲ ወይ ድማ እንትጋደል መሬቱ ዝገደፈሎም ተጠቀምቲ መሬት ስውኣት ተጋደልትን ምልሻን ክሳብ ብህይወት ዘሎ ይጥቀምሉ። ይኹን እምበር ነቲ ትሕዝቶ መሬት ከውርስ ከምዘይኽእል እዚ ደንቢ ይድንግግ። ወ/ሮ ሓዳስ ኣብርሃ ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ነባሪት ጣብያ መሳኑ እየን። ኣንፃር ስርዓት ደርግ ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ ክልተ ኣሕዋተን ናብ ሜዳ ልኢኸን ዘሰውኣ ስድራ ጀጋኑ። ክልተ ስውኣት ኣሕዋተን ናብ ምግዳል ካብ ገዝአን ስለዝወፁ መሬቶም ንወይዘሮ ሓዳስ ክወሃብ ከምዘለዎ እዩ ሕጊ ዝድንግግ። ይኹን እምበር ካልእ ሰብ ናይ ሓሶት መረዳእታ ብምምፃእ እቲ መሬት እናሓረሶ ይፀንሕ። እዚ ኩሉ ፀገም ዝፈጥር ዘሎ ሓደ ሓላፊ መሬት ምምሕዳር ጣብያ እዩ። መሬት ምምሕዳር ጣብያ ፈለማ ሕጋዊ ንምምሳል ኣብ ወለጋ ንዝነብር ሓደ ሰብ ወረቐት መለለዪ መንነት ብምሃብ  መሬት ንክወሃቦ ይገብር። ካብኡ ባዕሉ እቲ መሬት ምምሕዳር ጣብያ ተወፊሩ ንነዊሕ ዓመት እናሓረሶ ይፀንሕ። ብድሕሪ ዓሚቕ ተሃድሶ 2009 ዓ/ም ‘’ኮማንድ ፖስት’’ ሰናይ ምምሕዳር ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ብዛዕባ እዚ ኩነታት ሓበሬታ ይበፅሖ እሞ ስራሕቲ ምፅራይ የካይድ። ምስተፃረየ እቲ ብዘይግበኦ ሰብ ዝሕረስ ዝነበረ መሬት ብምሕዳግ ንወይዘሮ ሓዳስ ክትወሃብ ትእዛዝ ይመሓላልፍ።

ወ/ሮ ሓዳስ መሬት ስውኣት ኣሕዋተን ተቐቢለን ክሓርሳ እንተኸዳ እቲ ተወፊሩ ዝሓርሶ ዝነበረ ሰብኣይ ‘’ኣብ መሬተይ ተረኺባ ህውከት ይወገደለይ” ብምባል ይኸስሰን። ዳግም ድማ ናብ ብዙሕ ውረድ ደይብን ፀገምን ኣተዋ። ብዓቀብቲ ሕጊ እውን ድጋፍ ኣይረኸባን። ይኹን እምበር ኮማንድ ፖስት ሰናይ ምምሕዳር እታ ወረዳ ይገበሮ ዝነበረ ክትትል ኣየቋረፀን። ተኸታቲሉ ነቲ መሬት ዳግም ንወ/ሮ ሓዳስ ከረክበን ክኢሉ። እቲ ዝገርም ነገር ዋንነት መሬት ዝወሰደ ሰብ መነባብርኡ ኣብ ካልእ ከባቢ ንነዊሕ እዋን እናነበረ ምዃኑ እናተፈለጠ ኣብዘይነብረሉ ቦታ ወረቐት መለለዪ መንነት ክወሃቦ ምግባር ከቢድ ፀገም ሰናይ ምምሕዳር ኮይኑ እንተብቅዕ ንብረት ህዝብን መንግስትን ዝኾነ መሬት ኣሕሊፍካ ምሃብ ክንደየናይ ድፍረት ዝተመልኦ ጥሕሰት ሕጊ ዝፍፀም ዘሎ ምዃኑ መረጋገፂ እዩ። ከምዚኦም ዝበሉ ፀገማት ድማ ኣብ መድረኻት ዓሚቕ ተሃድሶ ቀሪቦም እዮም። በቲ ካልእ ገፅ ድማ ንዝሓሊፉ 25 ዓመት ዘይግበአካ መሬት ምሕራስ እውን ተወሳኺ ከቢድ ጥፍኣት እዩ። እዚ ኩሉ ጥፍኣት እንትፍፀም ምምሕዳር መሬት እታ ጣብያ ምስ ጥፍኣተኛ ምውጋኑ ድማ ዝገደደ ፀገም ሰናይ ምምሕዳር ምህላዉ የርኢ።

 ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ዝተኻየደ መድረኽ ተሃድሶ ሕብረተሰብ ብዋናነት ነዚኦምን ካልኦትን ኣብ ጉዳይ መሬት ንዝርኣዩ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ዝዳህሰሰ ንምፍታሕ ዘምፀአን እዩ ነይሩ። ብፍላይ ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ቅልጡፍ ፍታሕ ዘይምሃብ ካብቶም ኣብ ዙርያ ሰናይ ምምሕዳር ዝተልዓሉ ፀገማት ቅድሚት ዝጥቀሱ እዮም። ወ/ሮ ኪዳን ተስፋይ ዋና ኣመሓዳሪት ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ እንትኾና ኣብታ ወረዳ ድሕሪ ብዕምቆት ምህዳስ ዝተሰርሑ ስራሕትን ኣብ ከይዲ ዘጋጠሙ ፀገማትን ዝምልከት መብርሂ ሂበናና ኣለዋ። እተን ኣማሓዳሪት ከምዝገልፀኦ፣ ኣብታ ወረዳ ጉዳይ መሬት ጠንቂ ሰናይ ምምሕዳር ኮይኑ ፀኒሑ እዩ። ስለዝኾነ ኣብዚ መዳይ ሰፊሕ ኣድልዎ፣ ኣተሓሳስባን ተግባራትን  ኣካብነት ክራይ፣ ውራ መሬት፣ ናይ ሓሶት ምስክርነት፣ ናይ ሓሶት መረዳእታ ምቕራብ፣ ባእሲን ካልኦት ፀገማትን እናጋጠሙ መፂኦም እዮም። ንኣብነት ኣብታ ወረዳ ኣብ ትርከብ ጣብያ ዓዲቅሳንደድ ሓደ ኣባል ምምሕዳር መሬት ጣብያ ኣብ ሓሙሽተ ቦታ መሬት መንግስቲ ብምውራር ከምዝሸጠ ተረጋጊፁ እዩ። ቤት ፍርዲ ወረዳ ግና ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ ጥራሕ ንኽቕፃዕ እዩ ወሲኑ። ስለዝኾነ ድሕሪ ተሃድሶ እውን እንተኾነ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ንገበን መምሀራይ ዝኾነ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ዝለዓለ ፀገም ስለዘሎ ሕብረተሰብ በቲ ዝወሃብ ውሳነ ከምዘይዓግብ ዘሎ ወይዘሮ ኪዳን ይገልፃ።

ይኹን እምበር ኮማንድ ፖስት ሰናይ ምምሕዳር ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ኣብ ምክልኻል ውራ መሬት ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ቀፂልሉ ኣሎ። ብመሰረት እዚ ኣብ 2009 ዓ.ም ኣብታ ወረዳ ብ999 ሰባት 126 ሄክታር መሬት ብውራ ከምዝተትሓዘ ክፅናዕ ገይሩ። ካብኦም እቶም 833 ሰባት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ሒዞምዎ ዝነበሩ 89 ሄክታር መሬት ክምለስ ክኢሉ ኣሎ። ምምሕዳር እቲ ወረዳ ነዚ ብምጥንኻር እቲ ዝተረፈ መሬት ንምምላስ እናተንቀሳቐሰ ይርከብ። ከምኡ እውን ኣብ 2009 ዓ.ም ዘይሕጋዊ መጠሻ ሒዞም ዝነበሩ 882 ሰባት 42 ሄክታር መሬት ከምዝወረሩ ተፀኒዑ ነይሩ። ካብዚኦም ድሕሪ ተሃድሶ እቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብ829 ሰባት ተታሒዙ ዝነበረ 39 ሄክታር መሬት ብምምላስ ብመንግስቲ ክመሓደር ተገይሩ እዩ።  ኣብ ውራ መሬትን መጠሻን ተዋፊሮም ዝነበሩ ወገናት ድማ ከከም ክብደት ዝፈፀምዎ ጥፍኣት ተቐፂዖም እዮም። ኣብ ጉዳይ መሬት ጥፍኣት ዝነበሮም ኣማሓደርቲ ጣብያን ምምሕዳር መሬትን ካብ ዝነበሮም ቦታ ዝተሸጋሸጉ እንትኾኑ ጉዳዮም ብሕጊ ንክውዳእ ዝተገበሩ አውን ኣለዉ። እቲ ብውራ ተታሒዙ ዝነበረ መሬት ን348 መናእሰይ መጠሻ ተዓዲሉ ኣሎ።

ካልእ ብህዝቢ ዝተልዓለ ሕቶ ኣብ ዙርያ ከተማ ውቕሮ ኣብ ትርከብ ጣብያ ገንፈል ዝርከቡ ሓረስቶት ዘልዕልዎ ፀገም ካሕሳ መሬት ዝጠመተ እዩ። ነዚ ምላሽ ዝሃባ ወ/ሮ ኪዳን፣ ኣብዚ ቦታ እቲ ሓረስታይ ንሓዋሩ ካብ መሬቱ  ይፈናቐል ስለዘሎ እታ ትግበኦ ካሕሳ ተቐቢሉ ንክለዓል ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ምስ ምምሕዳር ከተማ ውቕሮ፣ ዞባን ክልልን ብሓባር ኮይኑ ክፈትሖ እናሰርሐ ምዃኑ ሓቢረን ኣለዋ።

እቲ ካልእ ብሕብረተሰብ ዝተልዓለ ፀገም ኣብ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ዝተርኣየ ተግባራት ክራይ ኣካብነት እዩ። ኣብታ ወረዳ ኣብ ትርከብ ጣብያ ኣብርሃ ወኣፅብሃ ሰነዳት ሕብረት ስራሕ ማሕበር እታ ጣብያ ልዕሊ 100 ሽሕ ቅርሺ ኣጭበርቢሮም ዝብል ነይሩ። ይኹን እምበር እዞም ኣጭበርቢሮም ዝተብሃሉ  ሰባት ኣብ ቤት ፍርዲ ነፃ ተባሂሎም ይወፁ። ኣብዚ ዓቀብቲ ሕጊ ንሕቶ ህዝቢ እዝኒ ብምሃብ ብፍታብሄር “ይግባይ” ብዘይምባሎም ኣብቲ ማሕበረሰብ  “ክራይ ኣከብቲ ልዕልነት ይረኽቡ ኣለዉ” ዝብል ስምዒት እናፈጠረ መፂኡ እዩ። ንወ/ሮ ኪዳን እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ሓቲትናየን ኢና። እቲ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ሜላ ኣመሰራርታ ክሲ እኹል ዓቕሚ ሕጊ ስለዘይዓረፎን እቲ ዝግባእ ሰነድ ስለዘይሓዘን ናይ ሓፋሽ ንብረት ብውልቀ ሰባት ክውረር ምክንያት ኮይኑ እዩ። ኣብዚ ዓቃቢ ሕጊ መረረት ህዝቢ ብምድማፅ ይግባይ ብምባል ዳግም ክፃረ ዘይምግባሩ እውን ትኽክል ኣይኮነን። ስለዝኾነ ዳያኑ ወይ ሰኣን እኹል መረዳእታ ወይ ድማ ብዝቐርበሎም ናይ ሓሶት መረዳእታ ዘይኮነ ውሳነ ብምሃብ እቲ ኩነታት ጠንቂ ሰናይ ምምሕዳር ንክኸውን ይዕድም ኣሎ። ይኹን እምበር እዚ ተግባራት ምጭብርባር ህዝቢ ጣብያ ኣብርሃ ወኣፅብሃ ብሙሉኡ ስለዘቃልዖ ብመሰረት ህዝቢን ኣመራርሓ እታ ጣብያን ዘስምዕዎ ተደጋጋሚ “ሕጊ ይጠሓስ ኣሎ” ዝብል ሕቶ ኣብዚ ሐዚ እዋን  እቲ ጉዳይ ዳግም እናተረኣየ ይርከብ። ብመሰረት እዚ ምምሕዳር ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ነቲ ዝተዛብዐ ፍትሒ ዝሃበ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፍትሒ እታ ወረዳ ብምንቃፍ መጠንቀቕታ ሂቡዎ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ግና እቲ ፀገም ዓብይ ምዃኑ ብደረጃ ዞባ እውን ስለዝተፈለጠ እቲ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ክለዓል ተገይሩ ኣሎ።

ካልእ ኣብነት ፀገም ሰናይ ምምሕዳር እውን ይጠቕሳ እተን ዋና ኣመሓዳሪት። ኣብ 2004 ዓ.ም ሓደ ጥርጡር ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ድሕሪ ምድፋሩ ቀቲሉዋ ይስወር። ድሓር እቲ ወረዳ ብዝገብሮ ፃዕሪ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ ይኽሰስ። ይኹን እምበር ቤት ፍርዲ “እቲ ክሲ መዋቲት መዓዝን ብከመይን ከምዝሞተት ኣየካትትን” ብምባል  ቤት ፍርዲ  ውድቂ ይገብሮ። በዚ ውሳነ ዝሓረቓ ደቂ ኣንስትዮ እታ ወረዳ ተወዲበን ዳግም እቲ ክሲ ንክረአ ጥርዓን ናብ ዞባ የቕርባ። ጠቕላላ ሕብረተሰብ እውን በቲ ዝተርኣየ ምጉዳል ፍትሒ ዕጉብ ከምዘይኮነ ብዝተፈላለየ መንገዲ ተቓውምኡ ይገልፅ። ካብዚ ብምብጋስ ከም ብሓዱሽ ክሲ ንኽጅመር መረዳእታ ይተኣኻኸቡ። ኣብ ሞንጎ እዚ ሓድሓደ ዳያኑ ግብሮም ፈሊጦም ምጥፋእ ይጅምሩ። ድሕሪ ክንደይ ውረድ ደይብ ጥርጡር ዕድመ ልክዕ እስራት ንክፍረዶ ብምግባር ጥርዓን እተን ደቀንስትዮን ብሓፈሻ ድማ ሕብረተሰብን ክምለስ ክኢሉ እዩ።

እቲ ካልእ ፀገም ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ኣተሓሕዛ ንብረት ህዝብን መንግስትን ዝተርአየ ፀገም እዩ። ኣብ ቤት ፅሕፈት ሕርሻን ልምዓት ገፀርን እታ ወረዳ ኣብ ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ንብረት ኣብ ዝተገበረ ቁፅፅር ፀገማት ተራእዮም እዮም። ንኣብነት ኣብ ኣተሓሕዛ ዘበናዊ ድኹዒ፣ ስሚንቶ፣ ምሩፅ ዘርኢ፣ ወንበራትን ካልኦት ዘገልገሉ ኣቑሑትን ፀገማት ምንባሮም ተገምጊሙ እዩ። እዚ ንምፍታሕ ድሕሪ ተሃድሶ ኣብ ዝተገበረ ፃዕሪ ኣብያተ ፅሕፈት ዘይጥቀማሉ ንብረት ተጫሪቱ እናተሸጠ ይርከብ።

ብዘይካ እዚ እቶም ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ብሕብረተሰብ ዝተልዓሉ ፀገማት ንምምላስ ካብ ወረዳ ኣማሓዳሪ ጀሚሩ ኩሎም ሓለፍቲ ኣብያተ ፅሕፈት ኣብ ሰሙን ክልተ ግዘ ሙሉእ መዓልቲ ጥርዓን ንምስማዕ ኣብ ስምምዕ ብምብፃሕ እናገልገሉ ይርከቡ። ከምዚ ዝዓይነቱ ጥርዓን ናይ ምስማዕ ተግባር ዋላኳ ቅድሚ ተሃድሶ እውን  እንተነበረ ትሉም ብዘይኮነ መንገዲ ከምዝነበረ ወ/ሮ ኪዳን ኣረዲአን።

እቲ ካልእ ኣብታ ወረዳ ብሕብረተሰብ ዝተሓተተ ሕቶ ካብ ከተማ ውቕሮ ብጣብያ ኣብርሃ ወኣፅብሃ ገይሩ ናብ ጣብያ ድጉም ዝኣቱ ህንፀት መንገዲ ኣስፋልት እዩ። ብመሰረት ሕቶ ህዝቢን ግብረ ምላሽ መንግስትን እቲ ኣስፋልት ንምስራሕ ጨረታ ወፂኡ ህንፀቱ ኣብ 2010 ዓ.ም ክጅመር እዩ። ከምኡ እውን ሕቶ መንገዲ ጣብያ ዓዲቅሳንደድ እውን ምምሕዳር እታ ወረዳ ምስ ክልል ብምትሕብባር ንምስራሕ ምንቅስቓስ ጀሚሮም ኣለዉ። ብተመሳሳሊ ካብ ጣብያ ፅጌረዳ ናብ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ዘሰጋግር ድልድል ንክስራሕ ብሕብረተሰብ ንዝተልዓለ ሕቶ ንምምላስ ኣርባዕተ ሚልዮን ብር ተመዲቡ ኣብ 2010 ኣ.ም ህንፀቱ ክጅምር እዩ። ብተወሳኺ ኣብታ ወረዳ ዝለዓለ ፀገም ፅሩይ ዝስተ ማይ ዘለወን ጣብያታት ደብረብርሃን፣ ፅጌረዳን ሓየሎምን ካብ 2010 ዓ.ም ጀሚሩ እቲ ፀገም ንምፍታሕ ትኹረት ብምሃብ  ክስራሕ እዩ። ከምኡ እውን ፓሎታት  ተዘርጊሑለን  ክሳብ ሐዚ መብራህቲ ዘይኣተወለን ጣብያታት ታሕታይ ዓዲቅሳንደድን ላዕላይ ዓዲቅሳንደድን ትኹረት ብምሃብ ንክማለአለን ፃዕሪ ክግበር እዩ። እዚ ኮይኑ ኣብታ ወረዳ ዝርከባ ክልተ ጣብያታት ላዕላይ ዓደቂሳንደድን ጉለን ክሳብ ሐዚ ‘’ኔትዎርክ’’ ስልኪ ኣይአተወለንን። ስለዝኾነ ኣብተን ጣብያታት ምስ ዝርከብ ሰራሕተኛ መንግስቲ  ይኹን ሓለፍቲ ጣብያ ብጦፈኛ እምበር ብስልኪ ምርኻብ ኣይከኣልን። ስለዚ ምስ ዝምከቶም ኣካላት ‘’ኢትዮ ቴሌኮም’’ ብምትሕብባር  ኣብ ዝሓፀረ ጊዘ ንምፍታሕ ፃዕሪ ክግበር እዩ።

ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ድሕሪ ተሃድሶ ሓረስታይ ብዴሞክራሲያዊ አገባብ ኣእሚንካ ናብ ልምዓት ንክወፍር ስለዝተገበረ ኣብ 2009 ዓ.ም ካብ ሕሉፋት እዋናት ዝሐሸ እታወታት ሕርሻ ክጥቀም ክኢሉ እዩ። ንኣብነት ኣብታ ወረዳ ኣብ 20-08 ዓ.ም ብሓረስታይ 14 ሽሕ ኩንታል ዘበናዊ ድኹዒ ተዓዲጉ ዝነበረ እንትኸውን ኣብ 2009 ዓ.ም ልዕሊ 16 ሽሕ ኩንታል ዘመናዊ ድኹዒ ክዕደል ክኢሉ እዩ። ዘመናዊ ኣተሓራርሳ እውን እናተኣታተወ ይኸይድ ስለዘሎ ድሕሪ ተሃድሶ ጥራሕ ሸሞንተ “ትራክተራት” ዝዓደጉ ሓረስቶት ተፈጢሮም መሬቶም ሓሪሶም ናይ ካልኦት ሓረስቶት መሬት እውን እናካረዩ ዝሐርስሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ።

ብሓፈሻ ድሕሪ ብዕምቆት ምህዳስ፣ ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ እቶም ብሕብረተሰብ ዝተልዓሉ ፀገማት ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ንምፍታሕ ተስፋ ዝህቡ ምንቅስቓሳት እናተኻየዱ ይርከቡ። ብፍላይ ኮማንድ ፖስት ሰናይ ምምሕዳር እታ ወረዳ ፀገም ኣብ ዝተርኣየሎም ኣብያተ ፅሕፈትን ጣብያታትን ክትትል ብምግባር ውፅኢት እናተመዝገበ ይርከብ። ይኹን እምበር ቤት ፅሕፈት ፍትሒ እታ ወረዳ ስሉጥን ፍትሓውን ኣገልግሎት ብምሃብ ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ምዕሳል ዝገብርዎ ዘለዉ ኣስተዋፅኦ ክንዲ እቲ ዝድለ ኣይኮነን። እዚ ድማ እቲ መንግስትን ውድብን ኣብ ሰናይ ምምሕዳርን ልምዓትን ከረጋግፅዎ ዝሓሰቡ ዝላ ንከይዕወት አሉታዊ ፅልዋ ኣለዎ። ስለዚ ስሉጥ ኣወሃህባ ፍትሒ ኣብ ምዕዋት ዕላማታት ዓሚቕ ተሃድሶ መሰረታዊ ረብሓ ስለዘለዎ ትኹረት ክግበረሉ ይግባእ።


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 966
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010