የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

እዋናዊ ቃለ-መሕትት ምስ ኣቦ መንበር ህ.ወ.ሓ.ት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4720819
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
2302
3463
23658
4682189
61276
97508
4720819

Your IP: 54.82.29.141
2018-01-20 16:27

ኣብ ህዝቢ ንህዝቢ ዘሎ ምርድዳእ ሒዝካ ዘይእለ ፀገም የለን!

here we go
selam new

ዝሓለፉ 25 ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ኣተኣማማኒ ዝበሃል ሰላም ነጊሱ እዩ። ፌደራላዊ ስርዓት ዝተረጋገአትን ኣዝያ ንቕድሚት ኣብ ምግስጋስ ዘላን ሃገር ክትፍጠር ኣኽኢሉ እዩ። ይኹን እምበር ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እዛ ሃገር ናዕብታትን ጎንፅታትን ይርኣዩ ኣለዉ።

ካብቶም ኣብ ቀረባ ዓመታት እናተርኣዩ ዘለዉ ናዕብታትን ጎንፅታትን ተበጊስካ መንቀሊ እቶም ፀገማት እንታይ እዩ ዝብል ሕቶ ኣብዝለዓለሉ እዋን፤ ሓደሓደ ኣካላት ብፍላይ ድማ ፅንፊ ኣተሓሳስባታት ዘስጉሙ ተቓወምቲ ሓይልታትን ትምክሕተኛታትን እቲ ፀገም ካብ ፌደራላዊ ስርዓት ከም ዝብገስ እዮም ዝገልፁ። ብመሰረት እዚ ስርዓት ፌደራሊዝም ኣብ ሓደሓደ ከባብታት ንዝርአ ዘሎ ናዕብን ጎንፅን መንቀሊ ገይሮም ይወስድዎ። ካብቲ ከምዚ ዝበለ ሓሳቦም ተበጊሶም ስርዓት ፌደራሊዝምን ሕገ መንግስትን ኢትዮጵያ ክሳብ “ክቕየር ኣለዎ” ምባል ይበፅሑ።ከምቲ ናይ ቀደም ዓፋኒ ኣሃዳዊ ስርዓት እንተዝህሉ እዚ ህዝቢ ሰጥ ለበጥ ኢሉ ምዓረፈ ዝብሉ እውን ኣለው። እቶም ሓሳባት በቲ ሓደ ገፅ ነቲ ፌደራላዊ ስርዓት ብዕምቆት ካብ ዘይምግንዛብ ዝብገሱ ዘለው እንትኾኑ ብኻልእ ገፁ ድማ ነቲ ኣተሓሳስባ ዝሓዙ ኣካላት ካብ ዝተፈላለየ ረብሓ ተላዒሎም ከምዝኾኑ ከይተሓለመ ዝተፈትሐ ጉዳይ እዩ።

ኢህወዴግ መትከሉን ድሕረ ባይትኡን ዝኾነ ጉዳይ ካብ ህዝቢ ክሕባእ ከም ዘይብሉ ይኣምን። ንዝኾነ ፀገም ህዝብን ሃገርን ዘትዮም ክፈትሕዎ ከም ዝኽእሉ እውን መርገፂኡ እዩ። ምኽንያቱ ሕብረተሰብ ብዝግባእ ዘይተሳተፈሉ ዛዕባ መፍትሒ ከም ዘይረክብ እዩ ኢህወዴግ ዝግንዘብ። ንኣብነት ኣብ መንጎ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ጉዳይ ምኽላል መዋሰኒ ንልዕሊ 20 ዓመት ሕቶ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ። ውድባት ክልቲአን ክልላት እናተዘራረቡ ግን መዕለቢ ክገብርሉ ከይኸኣሉ ንዝሓለፉ 20 ዓመት ፀኒሖም። እዚ ዝወለዶ ኣብ ገለ ክፋል እተን ክልላት ዝነብሩ ህዝብታት እቲ ፀገም ክፍታሕ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ምልዓል ጀሚሮም። ሓይልታት ትምክሕትን ፀቢብነትን እቲ ፀገም መሳርሒ ክራይ ኣካብነት ክገብሩ ብተደጋጋሚ እንተፈተኑ እኳ ኣይሰመረሎምን። እቲ ፀገም ቀደሙ እውን ብልዝብ ክልቲኡ ህዝቢ ዝፍታሕ ስለዝነበረ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዘተ ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ኣማራፂ ተወሲዱ ክስርሐሉ ፀኒሑ እዩ። ነዚ ዘተሓባብር ኮሚቴ ተጣይሹ ዕላዊ ስራሕ ናብ ምስራሕ እውን ኣትዩ። ካብዚ ብምብጋስ ኣብ መንጎ ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን መድረኻት ዘተ ምክያድ ተጀሚሩ። ካብ 14 ክሳብ 16 ሓምለ 2009 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ተወከልቲ ህዝቢ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዝተሳተፍሉ ዓብይ ዋዕላ ናይዚ ሓደ ኣብነት እዩ። ነዚ ስዒቡ ካብ 9 ክሳብ 10 ሕዳር 2010 ዓ.ም ኣብ ጎንደር ዝተኻየደ ካልኣይ ዙር ኮንፈረንስ እውን ምውሳድ ይክኣል። እቶም መድረኻት ኣብ ህዘቢ ዝነበረ ምርድዳእን ምክእኣልን ናብ ንቡር ክመልሱዎ ኽኢሎም ኣለዉ። ተሳትፎ ህዝቢ ክንደየናይ ወሳኒ ምዃኑ ፅቡቓት ተሞክሮታት ተረኺቦም እዮም።

ኣብ ክሊ ፌደራላዊ ስርዓት ኮይንካ ንመንቀሊ ጎንፅን ናዕብን ምኽንያት ዝኸውን ዘሎ ጉዳይ እንታይ እዩ ኢልካ ምርኣይ ወሳንነት ኣለዎ። ነዚ ግልፂ ንምግባር ከም መበገሲ ቅድሚ 1983 ዓ.ም ንዝነበረት ኢትዮጵያ ምስልታታ ወሲድካ ክርኣዩ ዝግበኦም ነጥብታት ኣለዉ።ኢትዮጵያ ሕዚ ሃገር ብዙሓት ህዝብታት እያ። ሃገር ሓደ ህዝቢ ኣይኮነትን። ብዙሕ ቋንቋ ዝዛረቡ፣ ብዙሕ ባህሊ ዘለዎም፣ ብዙሕ ልምድን እምነትን ዘለዎም፣ ኣብ ዝተፈላለየ መልክኣ ምድሪ ርእሶም ክኢሎም ባዕሎም ንባዕሎም እናተራኸቡን እናተሓጋገዙን ተዋዲዶም ዝነብሩ ህዝብታት ዝሓዘት እያ። እቶም ከምዚ ብዝበለ መግለፂ ዝግለፁ ህዝብታት ክፈላልዩዎም ዝኽእሉ ገዛእቲ ክሳብ ዘይኣተዉዎም ብፍቕርን ብሰላምን እናነበሩ ዝመፅኡን ዘለዉን እዮም።

ኢህወዴግ ንምትእንጋድ ብዙሕነት ዕላማ ሒዙ ተላዒሉ ኣንፃር ስርዓት ደርግ ተቓሊሱ ንዓወት ምስ በቕዐ ዝተልዓለሉ ዕላማ ምስኻዕ ክኢሉ እዩ። ንኣብነት ብምሉእ ተሳትፎ ህዝብታት ንብዙሕነት ከተኣናግድ ዝኽእል ሕገ መንግስቲ ኣፅዲቑ። ብሕገ መንግስቲ ኣቢሉ ብዙሕነት ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኣፍልጦ ክህልዎ ገይሩ። ንሱ ጥራሕ እንተይኮነ ብዙሕነት ማእኸል ዝገበሩ መሰላት እውን ከይተሸራረፉ ምሉእ ተቐባልነትን ኣፍልጦን ክህልዎም ናይ ምግባር ኣንፈት ተቐሚጡ ካብቲ ሕገ መንግስቲ ዝፀደቐሉ ግዘ ጀሚሩ ድማ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ስርዓት ሒዛ ትጓዓዝ ኣላ። ካብ ብዙሕነት ዝብገሱ መሰላት ኩሎም ብዝርዝር ተቐሚጦም ድማ መልሲ ክወሃቦም ተገይሩ።

እዚ ኣብ ዘለዎ ኩነታት እዩ እምበኣር በብከባብታቱ ናዕብን ጎንፅን ዝፍጠሩ ዘለዉ። ፌደራል ስርዓት መንቀሊ ናዕብን ጎንፅን ክኸውን ኣብ ዘይኽእለሉ ኩነታት ድኣ ንምንታይ እቲ ፀገም የጋጥም ኣሎ ኢልካ ምሕታት እውን ኣገዳሲ እዩ። እቲ ፀገምን ዓብይ ፈተናን ኮይኑ ዘሎ እቲ ስርዓት ፌደራሊዝም ኣብ ባይታ ሱር ዘይምስዳዱ ብዝፈጠሮ ምኽንያት ክራይ ኣከብቲ ረብሓኦም ንምምላእ ከም መለዓዓሊ ይጥቀምሉ ምህላዎም እዩ። ኣብ ልዕሊ እዚ ጉድለት ኣረኣእያን ምንኣስ ዓቕምን ኣመራርሓና ዘበግሶ ዘሎ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ህዝቢ ዝሰምዕ፣ ዘዳምፅ፣ ፀገማት ሰሚዑ መፍትሒ ዝህብ ኣመራርሓ ጉድለት ኣሎ።

ንኣብነት ሕቶ ሰናይ ምምሕዳር በብዓመቱ ዝለዓል ሕቶ ኮይኑ ግን መሰረታዊ መፍትሒ ኣይግበረሉን ዘሎ። ሕቶ ልምዓት ሕቶ መናእሰይ ኮይኑ እውን ዝለዓለሉ ከይዲ እዩ እናጋጠመ ዘሎ። ኣብ ሓደ ሓደ ከባብታት ሃገርና ኣጀንዳ ሓይልታት ጥፍኣት ተሓንጊጡ እምኒ ዝድርቢ ዘሎን ትካላት ዘባርዕ ዘሎን መንእሰይ ዕድል ስራሕ ስለዘይተፈጠረሉ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ሕቶታቱን ቅሬትኡን ዴሞክራሲያዊ ብዝኾነ ኣገባብ ካብ ዘይምስማዕ እውን ይብገስ እዩ። ዜጋታት ብፃዕሮምን ብዝተፈጠረሎም ስርዓት ፌደራሊዝምን ን25 ዓመት ዘፍረይዎን ዝሃነፅዎን ልምዓት ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ክዓኑ ክርአ እንተሎ መንቀሊኡ መንገዲ ልምዓት ዝሕብርን ብኣግባቡ ዝመርሕን ኣመራርሓ ካብ ዘይምርካብ እዩ። እቲ ኣብ ጎንደር ዝተሳለጠ ካልኣይ ዙር ዋዕላ ምኽክር ሰላምን ልምዓትን ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን እውን ነዚ እዩ ደምዲሙ።

ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ስርዓት ብዙሕ መስዋእቲ ተኸፊልዎ ዝመፀ ምዃኑ ጥራሕ እንተይኮነ   ብተግባር ተዓቂኑ ኣዝዮም ኣንፀባረቕቲ ውፀኢታት ዝምዝገብሉ ዘለዉ ስርዓት እዩ። በቲ ስርዓት ዝተሓንፀፁ ፖሊስታትን ስትራቴጅታትን እውን ንፁራትን ምሩፃትን እዮም። ኣብ ባይታ እውን ናይ ኩሉ ህዝቢ ተጠቃምነት ፍትሓዊ ብዝኾነ መንገዲ እናረጋገፁ ምዃኖም ኣይከሓድን። እዚ ቀፃልነቱ ከይረጋገፅ እቲ ዓብዪ ፀገም ኮይኑ ዘሎ ግና ኣብ ኣመራርሓ ዘሎ ካብ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ መስመርን መትከልን ሸተት ናይ ምባል፣ ምንኣስ ብቕዓትን ጥበብን ሳይንስን መሪሕነትን እዩ። ስለዘኾነ ነቲ ከም ፀገም ተነፂሩ ዘሎ ጉዳይ ዓብይ ትኹረት ሂብካ ኣብ መንጎ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ተፈጢሩ ዝፀንሐ ሓድነት፣ ማዕርነት፣ ምክእኣል፣ ፍቕርን ስኒትን እናጠናኸርካ ምኻድ መድረኻዊ ተልእኾ ናይቲ ሕዚ በብብርኩ ዘሎ ኣመራርሓ ምስቲ ምዃኑ ብልዑል ትኹረት ምስራሕ የድሊ። ህዝባዊ ኮንፈረንስ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን እውን ኣብ ዝኾነ ይኹን ጫፍ ሃገርና ኣብ ሞንጐ ህዝቢ ንህዝቢ መሰረታዊ ፀገም ዘየለ ምዃኑ እኳ ድኣስ ኣመራርሓ ነቲ ትኽክለኛ መስመርን ነቲ ህዝብን ሓቍፉ ኣብ ምጉዓዝ ዘለውዎ ሽግራት ብቑርፀኝነት ክፈትሕ ከምዝግባእ እዩ ኣፅንኦት ሂቡሉ ዘሎ፡፡


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 969
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010