የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4118204
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
6278
5773
12051
4087087
75979
90416
4118204

Your IP: 23.20.193.33
2017-07-24 14:50

ጅግና ክልተ መዋእል

here we go
selam new

 

ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል

 

ወርሒ ሰነ 1970 ዓ/ም ደርግ “ትግራይ ለመዳሰስ ኤርትራን ለመደምሰስ” ብዝብል ጭርሖ ኣብ ትግራይን ኤርትራን ሰፊሕ ወራር ዘካየደሉ እዋን እዩ። ኣብ ከተማታት ዝነበረ መርበብ ስርዒት ህወሓት እናበተኽካ፣ ህወሓት ኣብ ዘለትሉ እናዘመትካ ኣሰር ርጋፃ ንምጥፋእ ዝዓለመ ክልተ በላሕቲ ጫፋት ዘለውዎ ወፍሪ እዩ ኣካይዱ።

ይኹን እምበር ሰራዊት ህወሓት ፖለቲካዊ ዓቕሙን ስልቲ ውግኡን ምስ በብግዜኡ ዝምዕበሉ ሳይንሳዊ ጥበባት ክልስ ሓሳባት እናዛመደ፣ በቢ ዓውደ ኲናቱ ዝረኸቦ ተመክሮ እናተጠቐመ ኣጠቓላሊ ዓቕሙን ውሕልንኡን እናተጠናኸረ መፀ።  ኣብቲ ዓመት ቁፅሪ ተጋዳላይ ህወሓት እናወሰኸ ብምኻዱ ካብ ወርሒ ነሓሰ 1970 ዓ/ም ጀሚሩ ነብሰ ወከፈን ካብ ሓደ ሚኢቲ ዘይበዝሕ ሰብ ዝሓዘ 22፣29፣30፣32፣92፣73፣43ን 60ን ዝበሃላ ሓይልታት ተጣየሻ። ተጋዳላይ መድሕን ድማ ኣብ ሓይሊ 60 ኮሚሳር ሓይሊ ኮይኑ ተመደበ። ሓይሊ 60 ሰለስተ ጋንታታት ዝሓዘት ጋንታ እያ።

ሓይሊ 60 ነቲ ህወሓት ዝሓንፀፀቶ ሓይልኻ ምዕቃብን ብደባይ ውግኣት ዓቕሚ ፀላኢ እናዳኸምካ ሞራሉ ክትንከፍ ናይ ምግባርን ስልቲ ንምትግባር ናብ ዓዲ ዳዕሮ ኣምረሐት። ምስዚ ጎድና ጎድኒ ካልኦት ሓይልታት ህወሓት ኣብ ነበለት ማይቅነጣል፣ ዓብዪ ዓዲ፣ ሰለኽለኻን እንዳባ ጉናን ደባይ መጥቃዕቲ እናካየዳ እየን። ተጋዳላይ መድሕን ኮሚሳር ኮይኑ ዝመርሓ ሓይሊ 60፣ 24 ነሓሰ 1970 ዓ/ም ኣብ ዓዲ ዳዕሮ ንዝነበረ ሰራዊት ደርግ ብደባይ ውግእ መጥቃዕቲ ከፈተት። በቲ ርሱን ውግእ ዝተደናገፀ ደርጊ ድማ ናብ ደቡብ ኣንፈት ብምሽምራር ናብ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ክኣቱ ተገደደ። ሓይሊ 60 ዘመላጠጠቶ ሰራዊት ደርግ ካልኦት ሓይልታት ህወሓት እናተቐባበላ ክዳኸም ስለዝገበረኦ ምንቅስቓሱ ናብ ፍሽለት ገፁ ኣምረሐ። በዚ ድማ እታ ሓይሊ በቲ ድብያ ሰራዊት ደርግ ፈረኽረኽ ክብል ብምግባር ብርክት ዝበለ ዕጥቅን መኻይንን መንዘዐት። ድሕሪ እዚ ተጋዳላይ መድሕን ኣብዞም ዓውደ ውግኣት “ስንቅና ካብ ሓፋሽ ህዝብና ዕጥቅና ወያናይ ሓቦና“ ዝብል መሪሕ ጭርሖ ብምትግባር ኣንፀባረቕቲ ዓወታት ንክምዝገብ ውሕሉል ወታደራዊ መሪሕነት ሃበ።

ጉዕዞ ባህረ ሰላም

ኣብ መጀመርታ 1972 ዓ/ም ኣብ ፅባሕ ምፍሻል ራብዓይ ወራር ደርግ ወታደራዊ ዓቕሚ ህወሓት ስለዝገዘፈ  ሰራዊት ህወሓት ተጠናኺሩ ኣብ ሽዱሽተ በጦሎኒታት ተወደበ። ተጋዳላይ መድሕን ኪሮስ ምስ ተጋዳላይ ጫልቱ በጦለኒ 70፣ ሓየሎም ኣርኣያን መስፍን ኣማረን በጦለኒ 30፣ ሳምራ የኑስን ሓዱሽ መስፍንን በጦለኒ ሓሙሽተ፣ ፀጋ ብርሃን ሃይሉን ፈረደ ባቡን በጦለኒ 90፣ መንጁርን ኣሰፋ ማሞን በጦለኒ 10፣ ስምረት መለስን ታደሰ ወረደን በጦለኒ 40 ንኽመርሑ ብምውዳብ ከም ብሓዱሽ ተጣይሸን።

ብድሕሪ እዚ 15 ለካቲት 1970 ዓ/ም ህወሓት ብተዓለምቲ ኣቢላ ካብ ስዳን እተጎዓዕዞ ንብረት ስለዝነበረ በጦለኒ 70 ንሓለዋ እቶም ተዓለምቲ ካብ ዝተመደባ በጦለኒታት ሓንቲ ነይራ። ስንቂ ተጋደልቲ ዝተወሰነ ሕሩጭ፣ ምስ ሰሊጥን ሽኮርን ተሓዊሱ ዝቆሓም እዩ። እቲ ጉዕዞ ብዓዲ ጎሹን ግይፅን ኣቢልካ ኣውራ መንገድታት ጎንደርን ሑመራን ብምቁራፅ ብሸሪፍ ሓማድ ንባህረ ሰላም ምእታው እዩ። ተጋዳላይ ብጥምየት ከብዱ ምሕላጉ ከይኣኽሎ ሓያል ሙቐት ቀትርን ዳህሪ ቀዲ እቲ ከባብን እናተባረዩ ንኽልተ መዓልትታት ኣብ ርእሲኡ ዓንደሩ።

መራሒ እታ በጦለኒ ዝነበረ ተጋዳላይ መድሕን ፅንዓትን ሓቦን ተጋደልቲ ከም ዘለዎ ንክቕፅል ንዝነበረ ውሱን ማይ ከይውዳእ ፁኑዕ መምርሒ ሃበ። ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኮይኑ ምንቅስቓስ ዝተስኣኖ ተጋዳላይ ጥራሕ እዩ ብፍሉይ ዝወሃቦ። እዚ እናኾነ ግን ካብ መስርዑ ፈንተት ዝብል ወይ ዘንፀርፅር ተጋዳላይ ኣይነበረን። ኣብቶም ዝሓልፍዎም በረኻታት ጠብታ ማይ ዝሓረሞ ብምዃኑ ነብሶም ብፃምእ ደሪቑ ዋላ እኳ እንተነበረ ባህረ ሰላም ግና ኣይጨከነትሎምን። ባህረ ሰላም ዝሓቖፈቶም ዓይኒ ማያትን ወሓዝቲ ሩባታትን ዝረኣየ ተጋዳላይ እናተወርወረ ህርፍርፎቱ ሓዪልዎ ናብቲ ቃላይ እናዘለለ ኣተወ። ኩሉ ኣብ ሱዳን ተዳልዩ ዝሰዓቦ ምግቢ እውን ተዋሂብዎ በልዐ።

ተጋዳላይ መድሕን ምስ ብፆቱ ጉዳይ እቲ ንብረት ንምዝርራብ ወታደራት ሱዳን ናብ ዝርከብሉ ዕርዲ ኣምረሐ። ይኹን እምበር ዝሰምዖ ሓበሬታ ፍረ ፃማ እቲ ተጋዳላይ ናብ ባዶ ዘውርድ ነበረ። እቲ ንብረት ብኤርትራ ክኣቱ ስለዝተሓሰበ ዳግም ናብ ዝነበርዎ ዓዲጎሹ ክምለሱ ከም ዘለዎም ተነገሮ። እዚ ማለት ተጋዳላይ እተን ክመፅእ ዝሓለፈን ፈተናታት እንትምለስ እውን ዳግም ክረኽበኦ ምዃነን ብምሕሳብ ቅድመ ምድላው ገበረ። በብሓይሉ ማይ ብጀሪካን ክተሓዝ ኣብ ምርድዳእ ተበፅሐ።

ኮይኑ ግና እተን ውሑዳት ጀሪካናት ነቲ ዘሎ ብዙሕ ተጋዳላይ ብማንካ እውን ስለዘይበፅሓ ዳግም ተጋዳላይ ብሓያል ፃምእ ተቓፀለ። ብሙቐት ሓዊ ዝተፍኡ በረኻታት ሸሪፍ ሓማድ፣ ከባቢታት ሑመራን ዓዲጎሹን ለሽ ዝበሉ ተጋደልቲ ፍፁም ፀጥታ ወረሮም። ይኹን እምበር ሓያል ፃምእ ተፃዊሮም እንትጓዓዙ ኣብ መንጎ ባዕኸርን ሑመራን ኣብ ዝርከብ ዓሙቕ ቦታ ዝዓቖረ ማይ ረኣዩ። እንተኾነ እቲ ማይ ኣህባይ ዝሰትያሉ ስለዝኾነ ፍታን እንስሳት ዝወደቖ፣ ሓሳኹ ዝወረርዎን ዝኣገለን እዩ። ኣብቲ እዋን ብፃምእ ማይ ጫፍ ሞት ክነኽኡ ዝደለዩ ተጋደልቲ ግና ደኒኖም ጭልጥ ኣበልዎ።

ነዚ ዕድል ዘይረኸቡ ተጋደልቲ እውን ካብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከቡ ሽንጥሮታት ዝረኸብዎ ጭቃ እናበልዑ ትንፋሶም መለሱ። በዚ ዝሓሸ ዓቕሚ ዝፈጠረ ተጋዳላይ ነቲ ብድኻም ነብሱ ዝዘሓለ ካልእ ብፃይ እናሓንገረ፣ ዝተረፈ ብሓያል ድኻም እናተስሓገ እታ በጦለኒ ዓዲጎሹ ኣተወት። እዚ ኣካል ዛንታ ተጋዳላይ መድሕን ዝኾነ መስተንክራዊ ስርሒት በጦሎኒ 70፣ ህወሓት ምስ ተፈጥሮ ተቓሊሳ ፈንፂሓ ናይ ዝወፀትሎም ፈተንቲ እዋናት ብምዃኑ ታሪኽ ኣይዝንግዖን።

ሓመሳ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ

1973 ዓ/ም ብሒቱ። ኣብቲ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ህወሓት “ርሱን መንፈስ ኣብ ኩሉ ንጥፈታትና” ዝብል መሪሕ ጭርሖ ተሓንጊጡ እዩ ተኻይዱ። ኣብቲ ጉባኤ ተጋዳላይ ህወሓት ናብ ዝሓሸ ብርኪ ምስግጋሩን ካብ ደባይ ውግእ ናብ ተንቀሳቓሲ ሜላ ውግእ ክኣቱ ከም ዝግበኦ ተሰመረሉ። ብመሰረት እዚ መድሕን ኪሮስን መስፍን ኣማረን ብርጌድ 781፣ ስምረት መለስን ሓዱሽ መስፍንን ብርጌድ 365፣ ሓየሎም ኣርኣያን ብሩክ በርሀን ብርጌድ 542 ክመርሑ ብምምዳብ ብድምር ኣርባዕተ ብርጌዳት ተፈጠራ። ሕድሕደን ሰለስተ በጦለኒታት ዝሓዛ ኮይነን ብሓፈሻ ሰራዊት ህወሓት ኣብ 12 በጦለኒታት ተወዲቡ ኣሎ።

ኣብቲ እዋን ካብ ትግራይ ተፀራሪጉ ዝወፀ ጀብሃ ካብ ኤርትራ እናተበገሰ ዝገብሮ ዝነበረ ምብስባሳት ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምቅባፅ ተወሰነ። ካብዚ ሓሊፉ ኤርትራ ዓፋር ንምምስራት ዝዓለመ ውግእ እውን እዩ ነይሩ። ብመሰረት እዚ ተጋዳላይ መድሕን ኪሮስ ዝመርሐን ሰለስተ ቦጠሎንታት ዝሓዘት ብርጌድ ጥቅምቲ 1973 ዓ/ም ኤርትራ ኣተወት። ሓንቲ ሓይሊ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣቢላ ናብታ ብርጌድ ተፀንበረት። ኣባላት ብርጌድ 781 ኣብ ወሰን ቀይሕ ባሕሪ ዓሪዶም ካብቲ ባሕሪ ዝጎስዕ ኣሳሕይታ ተፃዊሮም መልክኣ ምድራዊ ፀጋታት እቲ ከባቢ እናስተማቐሩ ኩነታት ፀላኢ ክከታተሉ ፃንሒት ገበሩ።

ተጋዳላይ መድሕን ምስ ብፃዩ መስፍን ኣማረ ኮይኑ ነቲ ወታደራዊ ስርሒት እንትመርሕ ኣዒንቶም ሰለም ዘበልሉ እዋን ኣይዝክሮን። ድሕሪ ውሱን መዓልታት እታ ዝሓዛ ብርጌድ ኣብ ባዳ ንዝዓረደ ሓይሊ ጀብሃ ንምጥቃዕ ኣንጊሃ ባዳ ኣተወት። ነበልባል ሙቐት ዘለዎ መሬት ባዳ ብሓይሊ ፀሓይ ፀሊም ሕብሪ ብዝተላበሱ ኣእማን ዝተመልአ እዩ። ዋላ ብፀልማት እንተኾነ እውን ካብቶም ኣእማን ዝተፍእ ሓይሊ ሙቐት ኣይጠፍእን። በዚ ምኽንያት እዩ ብርጌድ 781 ኣንጊሃ ናብቲ ቦታ ዝተንቀሳቐሰት። ነቲ ኣዕፅምቲ ዝሰብር ቀዝሕን ኣካላት ዘምክን ዳህርን ብፅንዓት ዝተፃወረ ተጋዳላይ ህወሓት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰዓታት ንጀብሃ ፀራሪጉ ሲሙቲ ናብ ዝበሃል ቦታ ኣስገሮ። ነቲ በርቃዊ መጥቃዕቲ ምፅዋር ዝኣበዮ ጀብሃ ድማ ጭራኡ ደጒሉ ፎርቶ ሓሊፉ እናተንጠባጠበ እምባሰይራ ኣተወ።

እምባ ሰይራ፣ ጀብሃ “ነቕ ዘይብል ዕርደይ” ኢሉ ዝምከሐሉ ነዊሕ እምባ እዩ። ኣብ እግሪ እቲ እምባ ዝዓረደ ዘመናዊ ኣፅዋር ዝዓጠቐ ሺሾ ሰራዊት ደርግ ነቲ ድፋዕ ንምስባር ዘካየዶ ተደጋጋሚ ፈተነ ከይሰመረሉ ምስ ተረፈ ቀቢፁ ዝገደፎ ገዛኢ ቦታ እዩ። እታ ገዛኢት ቦታ ንምእታው ዘላ እንኮ መማረፂት ጥራሕ እያ። ህወሓት ነታ መሃንዲሳት ኲናት ኢና ዝብሉ ሓይልታት ዘቕበፀት ድፋዕ ንምስባር ረቂቕ ስልቲ ሓንፂፃ ኣላ።

ብፃይ ሓየሎም ዝሓዛ በርጌድ 542 ናብታ ገዛኢት ቦታ ንኽትሶሉኽ ካብ እምባሰይራ ብኣንፈት ሰሜን ተዳለወት። ተጋዳላይ መድሕን ዝመርሓ በርጌድ ድማ ብኣንፈት ምብራቕ መደናገሪ ተዂሲ ብምኽፋት ካብታ መእተዊት ገዛኢት ቦታ ገፁ መሊሱ ንኽፈናተት ናይ ምግባር ተልእኾ ሒዛ ተንቀሳቐሰት።

መሬት መጋረጃ ፀልማት ንክኽደን ሒደት ሰዓታት እንትተርፎ በጦሎኒ 781 ተዂሲ ከፈተት፣ ብኡ ንብኡ ድማ ውዕውዕ ኲናት ተጀመረ። ብረቂቕ ስልቲ ኲናት ዝዋሕለለ ሰራዊት ህወሓት ነቲ ፈታኒ ዕርዲ ፈንፂሑ ሓይሊ ጀብሃ ንምድምሳስ ብዝሓንፀፆ ስልቲ ስጡም ውህደት ኣርኣየ። ሰራዊት ጀብሃ ነታ ገዛኢት ቦታ ገዲፉ ንኣንፈት ምብራቕ ናብ ዘላ ቦጦሎኒ ሚዛኑ እንትዛዙ ብፃይ ሓየሎም ዝመርሐን በጦሎኒታት ናብታ በራኽ ገዛኢት ቦታ  ተወርዊረን ኣተዋ። ብዝተፈላለየ ኣንፈት ኮይነን ድምፂ መጥቃዕተን ፍሉይ ውቅዒት ፈጢሩ ተስፋ ዓወት እናተመገባ ናብቲ ቀንዲ ሓይሊ ሸልዩኸን ንምእታው መጥቃዕተን ኣጠናኸራ። ናብ ምብራቕ ኣንፈት ዛዝዩ ዝነበረ ሓይሊ ብኣንፈት ሰሜን ብዝተፈነወሉ መጥቃዕቲ ደንጊፁ እንትግልበጥ ብፃይ መድሕን ዝመርሐን ቦጠሎኒታት እናስዓባ ሃጀመኦ። ሕንጊድ ተጋዳላይ ህወሓት ነቲ ዕርዲ ምስባሩን ዘይምስባሩን ኣብ ዘመስክረሉ ወሳኒ ኩነታት በፅሐ።

እቲ በርቃዊ መጥቃዕቲ እናቐፀለ እዩ። ሓይሊ ጀብሃ ብፅንዓት ተጋደልቲ ህወሓት ዝተሰኮነ ይመስል። ብሬን ዝዓጠቑ ብፆት ህወሓት ዝትኩስዎ ዓረር ዕላማኡ እናወቕዐ ነቲ ሓይሊ ብሞትን መቑሰልትን ክመናመን ገበርዎ። በዚ ዝደንገፀ ሰራዊት ብዘይ ዓረር ናብ ገደላት ክዘልል ኢሉ እውን ክበታተን ጀመረ። ካብ እምባሰነይቲ ካብ ብሱል ጥረ ተሪፉ ዝሃደመ ሓይሊ ኣብ ቅናፍና ዝተብሃለ መሬት ኤርትራ ዳግም ተኣኻኸበ።

ኣብ ቅናፍና ዝዓረፈ ጨረር ፀሓይ ንኣኻውሕ እቲ መሬት ኣርሲኑ ነቲ ከባቢ ናብ ርሱን መቕሎ እንትቕይሮ እዩ ዝስመዓካ። ህድማ ጀብሃ እውን ተጋደልቲ ህወሓት ኣብዚ ዳህሪን ከውሕን ቦታ ንምፍታን ይመስል። ኣሰር ጀብሃ ዝሰዓበት ብርጌድ 781 ኣብቲ ከባቢ ሕርሕራይ ገይራ ክትድምስሶ ሽንጥሮታት እምባሰነይቲ ኣቋሪፃ ናብቲ ቦታ ኣተወት። በጦለኒታት እታ ብርጌድ ብኹሉ ኣንፈት ናቊጠን ንሓይሊ ጀብሃ ኣብ ክባ ኣእተወኦ።

ነቲ ሓይሊ ናብ ዓሞቕቲ ቦታታት እናሸምረረት መቓብር ንምውራድ ኣብ ዝፈነወቶ መጥቃዕቲ ከቢድ ክሳራ ተጎልበበ። ሚዛን ሓይሊ ፀላኢ ብዙሕ ስለዝነበረ ካብ ምብራቓዊ ክፍሊ ኤርትራ ተፀራሪጉ ናብ ኣንፈት ምዕራብ ሃደመ። ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣብ ምዕራብ ዝነበረት ብርጌድ ህወሓት ብዝኸፈተትሉ መጥቃዕቲ ቁፅሩ ተመናሚኑ ናብ ሱዳን ኣምረሐ። ኣብ ሱዳን ዝተጠራቐመ ሓይሊ ጀብሃ ብውሽጣዊ ኩነታቱ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ተበታቲኑ ሃለዋቱ ጠፍአ። ወታደራዊ ስርሒት ህወሓትን መድሕንን መርፍእን ፈትልን ኮይኖም ካብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ጀሚሩ ዓሞቕቲ በረኻታት ባዳ፣ ሽንጥሮታት ሲሙቲ ከበሳታት እምባ ሰነይትን ኣካውሕ ቅናፍናን ዘይርስዕዎ ዛንታ ኣብ ማህደር ተጋድሎ ህወሓት ኣስፈሩ። ኣብ ድምር ህይወት ቃልሱ ኣብ ዓዲ ነብርኢድ፣ ተምቤንን ሓውዜንን ኣብ ዝተኻየዱ ውግኣት ፍንጫል መዳፍዕ ሰለፉ እንትትልተል፣ ቅልፅም ኣእዳዉ ብጠያይቲ እንትስበር ግንባሩ ጠያይቲ እንትበስዖ ውፃእ መዓት ኮይኑ ንታሪኽ በቒዑ።

ጅግና ክልተ መዋእል

ውፃእ መዓት ተጋዳላይ መድሕን  ደርጊ መቓብር ምስ ኣእተወ ዝፅበዮ ካልኣይ ምዕራፍ ቃልሲ ንምጥንኻር ትምህርቱ ቀፀለ። 12 ክፍሊ ድሕሪ ምዝዛሙ 1990 ዓ/ም ካብ ኮሌጅ ስቪል ሰርቪስ ኢትዮጵያ ብሕጊ ገበን ቀዳማይ ዲግሪ ከምኡ እውን ካብ ዩንቨርሰቲ  ኣምስተርዳም /ኔዘርላንድ/ ካልኣይ ዲግሪ ረኸበ። ነዚ ብልዑል ፀብለልታ ዘጥረዮ ዓቕሚ ብምጥቃም ካብ 1990 ዓ/ም ክሳብ ጥሪ 2000 ዓ/ም ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣካቢ ዳኛ ኮይኑ ፃምእ ፍትሒ ህዝቢ ኣብ ምርዋይ ተቓሊሱ።

ኣብ ታሪኽ ኣብያተ ፍርዲ ኢትዮጵያ ፈላማይ ብዝኾነ ገበን ምጥፋእ ዘርኢ ዝተኸሰሱ ሰበ ስልጣናት ደርግ፣ ነቲ ጉዳይ ብኣካብነት ተሰይሞም ብዝግባእ ብምምርማር ፍርዲ ካብ ዝሃቡ ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ሓደ ነይሩ። ካብ 2003 ዓ/ም ክሳብ ብኽብሪ ዝተሰናበተሉ ሰነ 2008 ዓ/ም ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ጠቕላይ ቤት ፍርዲ  ፌደራል ምክትል ፕሬዝዳንት ኮይኑ ዓበይቲ ጉዳያት ፍትሒ ብሕገ መንግስታዊ መትከል ዝረኣየ ተቃላሳይ ኮይኑ 30 ሰነ 2008 ዓ/ም ጡረታ ወፂኡ። ብዓይኒ ቋንቋ ገድሊ “ንሱ” እናበልና ዛንታኡ እነውገዐሉ ዝነበርና ብፃይ ኣሽንኳይ ብወሱን ገፃት ሒደት ብርዕታት ተፃሒፉ ዝውዳእ ኣይኮነን። ነብስወከፍ እዋን ህይወት ገድሉ ዝተሸከመቶ መሪር ዛንታ ኣለዋ። ነዚ እውን እዩ መድሕን ሚልዮናት ኮይኑ ዝተቓለሰ ተጋዳላይ መድሕን ጀግና ክልተ መዋእል ዝበልናዮ።


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 955
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት ግንቦት 2009