የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4290968
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
601
2449
11239
4258204
59698
89268
4290968

Your IP: 54.225.54.120
2017-09-21 05:04

ማዕበላዊ ስግግር ተሃድሶ ህወሓት ካብ ምዕራፍ ናብ ምዕራፍ

here we go
selam new

ሻድሻይ ክፋል

ወይን፦ ብመሰረት ገምጋም ተሃድሶ ህወሓት ሓደጋታት እዮም ኢሉ ዘነፀሮም ከም ፀቢብነት፣ ከባብያውነት፣ ክራይ ኣካብነት፣ ስልጣንካ ብዘይኣግባብ ምጥቃምን ካልኦትን ብዕምቆት ተራእዮም ተገምጊሞም ኣለዉ። ብመንፅር እዚ ብፍላይ እቲ ላዕለዋይን ማእኸላይን ኣመራርሓ ይኹን እቲ ኣባል በቲ ክሳብ ሕዚ ዝተኻየደ ተሃድሶ ካብቲ ዝተገለፀ ሓደጋ ወፂኡ እዩ ክንብል ዶ ንኽእል?

ኣይተ ኣለም፦ እቶም ሽግራት ሓደ ብሓደ ሪእናዮም ኣለና። ሕድሕዶም ባህሪኦምን መንቀሊኦምን ተንቲንና ገምጊምናዮም ኣለና። ተነቓቒፍናሎም ኣለና። መሰታዊ ትርጉሞም ሪእናዮም ኣለና። ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ከም ህወሓት ተራ ኣባሉን ኣመራርሕኡን በዚ መስርሕ ክሓልፍ ተገይሩ፣ እቶም ኣዐርዮም ዝበዝሑ ሕመቓት ከጥፍኡና እዮም ኢሉ ኮኒኑዎም ኣሎ። ካብቶም ፀገማት ክወፅእ ኣለኒ ኢሉ ንነብሱ ነቒፉ ኣሎ። ስለዚ ኣብዚ ክንብሎ እንደሊ ነገር ኣብቶም ሕመቓት ዘየቋርፅ ወያናይ ቃልሲ ንምግባር ዘኽእል ምችው ኩነታት ፈጢሩ ኣሎ። ክሳብ ሕዚ ዝገበርናዮ መድረኻት ተሃድሶ መዳለዊ እዩ። ናይ ተሃድሶ ናይ ምድላው ምዕራፍ ኢና ኣጠቓሊልና። ስለዚ ብመንፅር ምድላው ምዕራፍ ተሃድሶ ክትሪኢ እንተለኻ ዕውት ስራሕ እዩ። ነቶም ሽግራት ኮኒንዎም ኣሎ፣ ከጥፍእዎ ከም ዝኽእሉ ተገንዚቡዎም ኣሎ። ክቃለሶምን ካብዚኦም ክወፅእን ከም ዝግበኦ ደምዲሙ ኣሎ። ወሲኑ ኣሎ። እዚ ማለት ግን ኣብ መድረኽ ብዝተገበረ ምንቕቓፍን ምግምጋምን ጥራሕ ካብቶም ሽግራት ጠቕሊሉ ወፂኡ እዩ ኢልካ ክትድምድም ዝከኣል ኣይኮነን። እቶም ፀገማት ክቃለሶምን ከወግዶምን ከምዝግባእ ተረዲኡ ኣሎ። ንቐፃሊ ሰፊሕ ቓልሲ ይሓትት።

ስለዚ ነቶም ሽግራት እናተቓለስና ብዋናነት ልምዓት ክነምፅእ ኣለና፣ ጥዑይ ምምሕዳር ክነረጋግፅ ኣለና። ሕዚ እቶም ጉድለታት ዕንቅፋታት ኮይኖምና እዮም። በዚኦም ስለዝተሸመምና ንህዝብና ዝግባእ ግልጋሎት ኣይሃብናን ኢልና ዓርሰ ነቐፌታ ገይርና ኣለና። ፅባሕ ነቲ ህዝቢ ክነገልግል ናብኡ ክነኣቱ ኢና። እቶም ሕመቓት ምስ ነፍሰ ወከፍ ተግባራት ልምዓት፣ ሰናይ ምምሕዳርን ዴሞክራስን እናተወሃሃዱ ዘይቋረፅ ቃልሲ እናተገበረሎም እዮም ክኸዱን ክውገዱን። ስለዚ እውን እዩ ህወሓት ካብ ናይ ተሃድሶ ናይ ምድላው ምዕራፍ ናብ ዘየቋርፅ ናይ ተሃድሶ ተግባር ምዕራፍ ይሰግር ኣሎ እንብሎ ዘለና። ካብ ሐዚ ንደሓር እቲ ዝዓበየ ቓልሲ፣ እቲ ዝቕፅልን ዝጥንክርን ቃልሲ ኣብ ቅድሚት እዩ ዝኒሀ። ስለዚ ብሓደ ገፅ ክንቃለስ ዘግብረና ምችው ኩነታት ፈጢርና ኣለና፣ ብኻልእ ገፅ ከዓ ነቲ ሓፋሽ ልምዓት ንኽነምፅእ ሰናይ ምምሕዳርን ዴሞክራሲን ንኽነረጋግፅ ኣብ እንገብሮ ርብርብ ኢና ክንፍተን። እዚ ዝሓሸ ዝኸደ መሪሕነት፣ ኣባልን ስቪል ሰርቫንትን ንስኻ ፅቡቕ ከይድኻ እናተብሃለ እቲ ዘይከደ ኣይከድካን እናተብሃለ ኣብ ዘየቋርፅ ቀፃሊ ህንፀት፣ ምግምጋምን ምንቕቓፍን መስርሕ ኣቲና እናበቓዕና፣ ንህዝቢ ናይ ምግልጋል ኣጠቓላሊ ኣረኣእያና እናጠንከረ፣ ነቶም ሕመቓት እውን ክነወግዶም ንኽእል ማለት እዩ።

ወይን፦ እዚ መድረኽ ተሃድሶ ብፍላይ ነቲ ኣብ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ዝተኻየደ ገምጋም መሰረት ገይርካ እንትርአ “ከምቲ ኣብ 1993 ዓ/ም ዝነበረ ምስ ውልቀ ኣመራርሓ ዘይተጣበቐ፣ ፖለቲካውን ሕጋውን ተሓታትነት ዘየመላኽት እዩ” ዝብሉ ርኢቶታት ምስ ምህላዎም እቲ ውድብ ብዕምቆት ንባዕሉ ከመይ እዩ ፈቲሹ? እዞም ጥርጣረታት ከ ካብ ምንታይ ኩርናዕ ዝነቕሉ እዮም ክበሃሉ ይኽእሉ? ከም ውድብ ከመይ ይምዘኑ?

ኣይተ ኣለም፦ መጀመርያ ናይ 1993 ዓ/ም ናይ ውድብና ምንቅስቓስ ተሃድሶ መሰረታዊ ትሕዝትኡን ባህሪኡን ምፅራይ መስመር እዩ ነይሩ። ምፅራይ መስመር ክንብል ከለና መስመራት ወያናይ ዴሞክራሲ ጐልቢቶም ንክወፁ ኣብኡ ዝነበሩ ደንገርገራትን ድርዕቶ ኣረኣእያታትን ንምውጋድ፣ ፅግዕተኛ ምብስባስ ብሓደ ገፅ ኮይኑ ኣብ ሞንጐ ክልቲኦም ዝሓዝዎ መርገፂ ሓያል ግጥም ዝተርኣየሉን መስመር ወያናይ ዴሞክራሲ ኣብ ርእሲ እቲ ወኪል ፅግዕተኝነት ምብስባስ ስዒሩ ብዓወት መሰስ ዝበለሉን ተሃድሶ እዩ ኢልና ኢና ንብገስ። ብመሰረት እቲ ፖለቲካዊ ተሃድሶ ፊት ንፊት ኣብ ሞንጐ ክልቲኦም ዝተገበረ ግጥም ወያናይ ዴሞክራሲ ብዓወት ዝወፀሉ እቲ ናይ ፅግዕተኛ ምብስባስ ሓይሊ ድማ ዝተኣለየሉ ኩነታት እዩ ነይሩ። እቲ ናይ ፅግዕተኛ ምብስባስ ሓይሊ ከም ጉጅለ ይኹን ከም ውልቀ ሰብ መምስ ውልቀ ኣመራርሓ ተጣቢቑ ፖለቲካሊ ክሕተት ዝግበኦ እውን ወኪል ናይቲ ፅግዕተኛ ምብስባስ ካብ ውድብ ተሳዒሩ ተሰናቢቱ እዩ። ስለዚ ኣብ ፖለቲካዊ ቓልሲ እቲ ዝዓበየ ተሓታትነት ካብዚ ንላዕሊ የለን። ኣብ ፖለቲካዊ ቓልሲ እቲ ዝዓበየ ተሓታትነት ኣብ ውሽጢ ውድብ ንፅግዕተኛ ወኪልካ ብውልቅኻን ብጉጅለን ተሓቲትካ ክትሰናበት ካብ ምኽኣል ንላዕሊ ዝዓበየ ተሓታትነት እንታይ ክህሉ ይኽእል። ካልኣይ ናይ 1993 ዓ/ም ካብቲ ፖለቲካዊ ተሓታትነት ብተወሳኺ ተነፃፃሪ ብቑዕ መረዳእታ ዝተረኸበሉ ብሕግን ምምሕዳራዊ መዳዩን እንተርኢኻዮ ክሕተት ዝግበኦ ተሓቲቱ እዩ።

ድሕሪ 15 ዓመታት እነካይዶ ዘለና ተሃድሶ ኸ? ተሃድሶ ክንብል እንተለና ብመሰረቱ ውድብ ብመልክዕ ተሃድሶ ኣጀንዳ ቀሪፁ ዝውለዖ ምንቅስቓስ ከም መስርሕ እውን ኣሎ። ደው ኢልካ ኣጀንዳ ቀሪፅካ እተካይዶ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ተሃድሶ እውን ኣሎ። ሕዚ ዝገበርናዮ ንዝተወሰነ እዋን እውን እንተኾነ ደው ኢልና ውሽጥና ክንግምግም ምንቅስቓስ ተሃድሶ ክካየድ ዝገበርናሉ ኩነታት እዩ። እቲ ናይ ሎሚ ምንቅስቓስ ተሃድሶ ምፅራይ መስመር ኣይኮነን፤ ዝፀረየ መስመር ኣለና። ምንፃር ራኢ እውን ኣይኮነን፤ ዝተነፀረ ራኢይ ኣለና። እቲ ናይ ሎሚ ምንቅስቓስ ተሃድሶ ነቲ ዝተነፀረ መስመር ምንፃር ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ተግባር ተፈቲኑ እውን መስተንክር ዓወታት ዘመዝግብ ዘሎ መስመርን ዝተነፀረ ራእይን ኣብ ምፍፃም ካብቲ ናይ ወያናይ ዴሞክራሲ ኣረኣእያ ወፃኢ ዝፍጠሩ ዘለዉ ናይ ፅግዕተኛ ምብስባስ ዝንባለታትን ኣረኣእያታትን ናይ ምቅላስ ተልእኾ ዝሓዘ ተሃድሶ እዩ። ነቲ ዝተነፀረ መስመርን ነቲ ብተግባር እውን ተፈፂሙ ለውጢ ዘምፅእ ዘሎ መስመርን ራእይን በቲ ዝለዓለ ደረጃ ንከይፍፀም ዕንቅፋት ዝኾኑ ዘይወያናይ ዴሞክራሲያዊ ኣረኣእያታትን ተግባራትን ምቅላስ እዩ ማእኸሉ። ስለዚ ከምዚ ዓይነት ተሃድሶ ኣብ ሓደ እዋን ደው ኢልካ ክተካይድ እንተለኻ ከምዚ ዝበለ ዘይወያናይ ዴሞክራስያዊ ኣረኣእያ ነቲ መስመር ዝፃብኡ ኣረኣእያታት ሽግራት ኣብ ብዝሕ ዝበለ ኣባል ናይቲ ውድብ ክረኣይ ከሎ፣ እቲ ውድብ በቲ ዝነፀሮ መስመርን ራእይን ንዑኡ ዝፃብኡ ብርክት ዝበሉ ዘይፀረዩ ኣረኣእያታትን ተግባራትን ክፍጠር እንተሎ እዩ ተሃድሶ ዝውላዕ።

እዚ ከምዚ ዓይነት መስርሕ ተሃድሶ ብመሰረቱ ባህሪኡ ፖለቲካዊ ምቅስቓስ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ቑልፊ ፀገም ናይ ኣረኣእያ ዘይምፅራይ ስለዝኾነ። ካብኡ እቲ ዘይፀረየ ኣረኣእያ ዝወልዶም ዝተፈላለዩ ተግባራዊ ሕመቓት ምስኡ ስዒቦም ዝመፁ ሽግራት እዮም መንቀሊ ናይቲ ፀገም። ከምዚ ኣብ ዝበለ እዋን ብርክት ዝበሉ ኣባላት ናይቲ ውድብ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዘይፀረየ ኣረኣእያ ክኣትው ከለዉ እቲ ቀንዲ መፍትሒ ዝኸውን እቲ ኣዐርዩ ዝበዝሕ ኣባል ካብቶም ዘይፅሩያት ጉጉያት ኣረኣእያታት ምድሓን፣ ምውፃእ፣ ናብ ሓደ ግንባር ክመፅእ ክጥመር ንዕኡ ምእካብ እዩ እቲ መሰረታዊ ስራሕ። ብኡ ምኽንያት እውን እዩ መሰረታዊ ናይ ፖለቲካዊ ተሃድሶ ናይ ኣረኣእያ ምፅራይን ምብቃዕን ተሃድሶ ተባሂሉ ተሰይሙ። እቲ ቀንዲ ነገር ነቲ ዘይፀረየ ኣረኣእያ ዳግም ብምምላስ ኣቢልካ “ሪኦሬንት” ብምግባር ነቲ ዝበዝሕ ኣባል ምትእኽኻብ ‘ዩ ዋና ዕላምኡ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን እቲ ተሓታትነትን ናብ ሰብ ምጥባቕን ዝበሃል ሕድሕድ ሰብ ካብ ባዕሉን ብብፆቱን ዝንቀፈሉን ተጋግየ እየ ነይረ ኢሉ ጉድለቱ ዘልዕለሉን፣ ብእጃሙ ዝፈጠራ ጉድለት በብውልቁ ተሓታቲ ዝገብረሉ ኣገባብ ቃልሲ ‘ዩ ተፈፂሙ። እቲ ልዕል ኢልና ዝገለፅናዮ መሰረታዊ ሳዕቤን ዘለዎ ሕመቕ ኣብ ሕድሕድና እዩ ነይሩ። እንትንእከብ ናይቲ ውድብ መሰረታዊ ዓበይቲ ሽግራት ይኸውን፣ እቲ ሽግር ከዓ በቢ ውልቅና ኢና ወሲድናዮ። ነብሲ ወከፍ ሰብ ተገምጊሙ፣ ተነቒፉ እዩ። እዚ ማለት ሕድሕድ ሰብ ብመስርሕ ተሓታታይነት ሓሊፉ ኣሎ ማለት እዩ። ተሓታትነት ማለት ሰብ ምእሳር ማለት ኣይኮነን፣ ሰብ ናብ ቤት ህንፀት ምእታው ማለት ኣይኮነን።

ንሱ ኣገዳስን ሓደ ናይ መወዳእታ መዳዩን እዩ። እቲ ዝዓቢ ተሓታትነት ግን ሰብ ብዝፈፀሞ ጥፍኣት ይሕተት ማለት እዚ ናተይ ጥፍኣት እዩ፣ እዚ ከምዚ ዓይነት ፀገም ፈጢሩ እዩ፣ ኣነ ተሓታታይ እየ ኢሉ ዓርሱ ክነቅፍን ጉድለቱ ከልዕልን ምግባር ማለት እዩ። እዚ እዩ እቲ መሰረታዊ ስራሕ። ህወሓት ከዓ እዚኣ እዩ ገይሩ። ሕድሕድ ኣመራርሓን ኣባል ውድብን ክሳብ እቲ ሓፋሽ፣ ዘጥፈኣ ብተመሳሳሊ መንገዲ ነዚ ሕመቕ ኣብ ምምፃእ ብፅሒተይ እዚኣ እያ ነይራ ስለዚ ተሓታቲ ‘የ። በዚ ንዝመፀ ዝኾነ ይኹን ቅፅዓት ክቕበል ድልው’የ፣ ኣነ በዛ ጉድለት ተሓታቲ እየ ኢሉ ኩሉ ብብፅሒቱ ወሲዱ እዩ። ተሓታትነት ማለት እዚ እዩ። ተሓታትነት ማለት ክንድዚኣ ስለዝሰረቕካ ናብ ሕጊ ኣቕሪብካ ምፍራድ ተገይሩ ጥራሕ እንተተወሲዱ መሰረታዊ ምዝባዕ እዩ ዝኸውን። እቲ ዓብይ ተሓታትነት ሕድሕዱ ተጋግየ እየ ውድበይን ህዝበይን መሊሰ ክኽሕስ ዕድል ይወሃበኒ ኢሉ። እዚ እዩ ብዋናነት ተሓታትነት ማለት። ነብሲ ወከፍ ሰብ በዚ ሕመቕ እዚ ልምዓትን ጥዑይ ምምሕዳርን ከይነግስ ህዝበይ ኣጓቲተዮ እየ፣ በዲለዮ እየ ኣጥፊአ እየ፣ ነይረ’ሞ ንክኽሕስ ሓደ ዕድል ይወሃበኒ በዚ ዝመፀኒ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ቅፅዓት ተሓታቲ ኣነ እየ ኢሉ እዩ ተጣዒሱ።

ስለዚ እቲ ተሃድሶ መሰረታዊ ዕላምኡ እቲ ኣዐርዩ ዝበዝሕ ብኸምዚ ዝበለ ተሓታታይነት መንፈስ ናብ ሓዱሽ ዝተወዓዓየ ቓልሲ ምእታው ‘ዩ እምበር ምብራር ኣይኮነን። ብስጉምቲ ዝዕቀን መድረኽ ተሃድሶ የለን። ብዝተፈጠረን ብዝመፅእ ለውጢ ኣረኣእያን ምርድዳእን ብቑልፍነቱ ዝዕቀን መድረኽ ተሃድሶ እዩ። ስለዝኾነ እውን ቅድም ቀዳድም ኣብዚ ዘሎ ዝተዛብዐ ኣተሓሳስባ ክስተኻኸል ኣለዎ ‘የ ዝብል። ናይቶም ሕመቓት ቁልፊ መሰረት ኩሉ እቲ ብግዕዝይናን ብልሹው ኣሰራርሓን ሓዊስካ ናይ ፖለቲካ ፅግዕተኛ ምብስባስ ዝንባለ እዩ። ሰረት ናይቲ ግዕዝይና ስልጣን ንህዝቢ እንተይኮነ ምንጪ መንበርን ምንጪ ናይ ውልቀ ምቾትን ገይርካ ናይ ምርኣይ ዝንባለ ‘ዩ ነቲ ኩሉ ነገር ዝፈጠሮ። ብልሹው ኣሰራርሓ ክትክተል፣ ግዕዙይ ክትከውን ክትትግብር ወይ ክትፍፅም ‘ውን ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያ ‘ዩ መሰረቱ። ምንቅስቓስ ተሃደሶ ዝተወለዐ ፖለቲካሊ ነዚ ከምዚ ዝበለ ሽግራት ካብ መሰረቱ ዘድርቕ፣ ኮለ ንግዕዝይናን ብልሹው ኣሰራርሓን መሰረት ዝኸውን ኣረኣእያ ንምቕባር ዘኽእል ቃልሲ ‘ዩ ኣብዚ ተሃድሶ ተወሊዑ። 

በዚ መንፅር እዚ ክረአይ ከሎ እቲ ዝተኻየደ ቓልሲ ዕውት እዩ ክበሃል ይከኣል። እቲ ቀንዲ እዚ ኮይኑ እናሃለወ ግን ነቲ ኣዐርዩ ካብ መስመር ዝወፀ፣ ዝተበላሸወን ዝበስበሰን ኣመራርሓ ኮነ ኣባል መምሃሪ ብዝኸውን መንገዲ ስጉምቲ ምውሳድ፤ ምግላስ ኮነ ምሽግሻግ ኣየድልን ማለት ኣይኮነን። ካብዚ ብምብጋስ ውድብና ኣብቲ ኣዐርዩ ዘኽፈአ ብዝተፈለየ መንገዲ ስጉምቲ ክውሰደሉ ዝግባእ ስጉምቲ ወሲዱ እዩ። ኣብ ውስናት ዘኽፍኡ በቢደረጅኡ ዘሎ ካብ ላዕለዋይ መራሕነት ጀሚሩ ክሳብ ታሕቲ ሽግሽግ ገይሩ እዩ። ምናልባት ገለገሊኡ ካብ ማእኸላይ ኮሚቴ ካብ ስራሕ ፈፃሚ እንድሕር ዘይተሸጋሸገ ስጉምቲ ኣይኮነን ኢሉ ዝሓስብ፣ ምናልባት ቀሪቦም ኣብ ውሽጡ ከምዚ ዓይነት ፀገም እናሃለወ ተሸማጊሎም ተሰኻኺፎም ገዲፎምዎ ከይኾኑ ኢሉ ጥርጣረ ዘልዕል ሰብ ክህሉ ይኽእል እዩ። ገሊኡ ግን ከምኡ ዝብል ዘሎ ሓልዩ ኣይኮነን፤ ከምኡ ዝብል ዘሎ ወያናይ ዴሞክራሲ ከም ሓይሊ፣ ኣረኣእያን መስመርን ክጠናኸር ድሌት ስለ ዘለዎ ኣይኮነን፤ እቲ ገሊኡ ነቲ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ መሪሕ ከፍርስ ስለ ዝደሊ እዩ። ዝኾነ ኾይኑ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ኣፍቲ ኣኽፊኡ እዩ ዝበሎ ጫፍ እተን ክውሰዳ ዝግበአን ስጉምትታት ክወስድ ዝግበኦ ሽግሽግ ተወሲዱ እዩ፤ ዋላ ናብ ሕጊ ዝቐረቡ ኣካላት ካብ መራሕነት ‘ውን ኣለው እዮም። በቲ ካሊእ ገፅ ግን ሽግሽግ ክበሃል ከሎ ጥራሕ ነቒፍካ ምብራር ኣይኮነን። ብዓቕምን ተዛማዲ ሽግራትን ነቲ ሓፋሽ ከገልግል ዘይኽእል ኣመራርሓ በቢዝምጥኖ ንህዝቢ ብዘገልግል ብርኪ ብምደባ ብኣወዳድባታት ዝተመዓራረየ እውን ኣሎ። ስለዚ መሰረታዊ መስርሕ እቲ ተሃድሶ ፖለቲካዊ ቓልስን ናይ ኣረኣእያ ፅሬትን እዩ። ዝተጋገየ ኣመራርሓን ኣባልን ገምጊምካን ካብ ጉድለቱ ነፃ ኣውፂእኻን መሊስካ ናብ ሓደ ምምፃእን ሓዱሽ ዝቃለሰሉ መንፈስ ምፍጣርን ስለዝኾነ እቲ መሰረታዊ ሸቶ እቲ ተሃድሶ እዚ እዩ።

እዚ ኮይኑ ሓደ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግባእ ነገር ኣሎ፤ እቲ ብውልቀ ብሕጊ ተሓታትነት ዘስዕብ ጉዳይ ግዕዝይና እንተተረኺቡ ሕቶ የብሉን፣ ጥርጥር የብሉን፣ ብሕጊን ምምሕዳር መዳዩን ተሓታትነት ከስዕብ ከም ዘለዎ ይፍለጥ እዩ። ግን እቲ ከምዚ ዝበለ ናይ ግዕዝይና ሕመቕ ብገምጋም ብምንቕቓፍ ዝርግፍ ኢሉ፣ ጫሕ ኢሉ ክወፅእ ድዩ ትፅቢት ዝግበር? ስራሕ ፈፃሚ ህወሓት ኮነ ማ/ኮሚቴ እዚ ብውነ ሪኢዎ እዩ። ምኽንያቱ ገበን ግዕዝይና ዝተሓላለኸ እዩ። ብመስርሕ ገምጋምን ምንቕቓፍን ናይ ምርካብ ዕድሉ ፀቢብ እዩ፤ ዝተሓላለኸ ኣፈፃፅማ ዘለዎ እዩ። ብቐሊሉ ክርከብ እዩ ኢልካ ዝውሰድ ኣይኮነን። ስለዚ ብ ማ/ኮሚቴ ይኹን ስራሕ ፈፃሚ ህወሓት እዚ ብቐፃሊ ካልኦት ብዙሓት ናይ መቆፃፀሪ ኣሰራርሓታት ኣወዳድባታት ብምሕያል ብምጥንኻር ንቐፃሊ ቃልሲ ክረአ ዝተደምደመ እምበር የለን ተባሂሉ ዝተዓፀወ ኣይኮነን።

ሕዚ ስቕ ኢልካ በቶም ናይ ሐዚ ገምጋማት ጥራሕ ተሓታትነት ከስዕቡ ዝኽእሉ ጉዳያት ግዕዝይና ብገምጋም ቁልጭ ኢሎም ክርከቡ ኣይኽእሉን። እቲ ክርከብ ዝኽእል እቲ ፖለቲካዊ መሰረቱ እዩ፤ መሰረቱ ከዓ ብሰፊሑ’ዩ ተወቒዑ። ንግዕዝይና ከም ፖለቲካዊ መሰረት ኮይኖም ዘገልግሉ ሰፊሕ ናይ ኣረኣእያ ሕመቓት ብሰፊሑ ‘ዩ ቃልሲ ተገይርሎም። ግዕዝይና የብልናን ካብ ግዕዝይና ዝነፃህና ኢና ኢሉ ውድብ ህወሓት ኣይኣወጀን። እታ ክሳዕ ሐዚ ክኸዳ ዝግበአኒ ከይደ ኣለኹ ካብኡ ግን ግዕዝይና ናይ ባዕሉ ባህርያት መሰረት ገይረ ንቐፃሊ ክቃለሶም ኣለኒ ኢሉ እዩ ኣቐሚጥዎ ዘሎ። እዚ ኮይኑ ግን ምስ ግዕዝይናን ብልሹው ኣሰራርሓን እንተይተሰኻኸፍካ ነብሲ ወከፍ ከዓ ብወረ ዝሰምዖ ”ብፌስ ቡክ” ከይተረፈ ዝበሃል፣ ዝውረ እከለ ከምዚ ትበሃል ኢኻ ትሕመ ኢኻ ብዝብል ቀሪቡ እዩ። ተሰኻኺፍካ ዝተረፈ ነገር የለን። ኩለን ቀሪበን መብርሂ ክወሃበን ዝግባእ ነገራት ተዋሂቡወን ኣሎ። ካብኡ ንላዕሊ መረዳእታ ሒዝካ ክርአ ዝግበኦ ነገር ከዓ ንምርኣይ ክፍቲ እዩ። እቲ ቓልሲ ተጀሚሩ እምበር ናይ መወዳእታ ኣይኮነን። ስለዚ በቲ ሓደ ገፅ እቲ ጥዑይ ሓይሊ ወያናይ ዴሞክራሲ፣ ውድብና ክጠናኸር ዝደሊ ምናልባት በዚኣ ገፅ ከ ከይዶም ‘ዶ ይኾኑ ኢሉ ነቲ ዝጠራጠር፣ እዚ ገይርና ኢና። እታ እትስማዕ፣ እታ ትውረ ቀሪባ መብርህታት ክወሃባ ተገይሩ እዩ። ካብኡ ንላዕሊ መሰጎሚ ዘይረኸብናሉ ከዓ ዘለዎ እንተኾይኑ ተሓቢኡ ክነብር ኣይኽእልን እናተርኣየ ክኸይድ እዩ። ስለዚ እዚ ዝገበርና ምዃንና ህዝብና ክርዳእ ኣለዎ። እዚ ዝገበርና ምዃንና ኣባልና ኽርዳእ ኣለዎ። እዚ ዘይገበርና መሲልዎ ጥርጣረታት ሓዲርዎ እንተነይሩ ገይርና ኢና። እቲ ቓልሲ ‘ውን ኣይዓፀናዮን ክፍቲ እዩ። በዚ ምኽንያት ክሓድር ዝኽእል ጥርጥር እንተዘይህሉን ተኣማሚንና ተረዳዲእና ኣብ ሞንጎና ሓድነት ኣጠናኺርና እቲ ኣባል ‘ውን ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ኣመራርሓ እምነት ኣሕዲሩ ሓደ ኮይንና እንተተቓለስና ‘ዩ ሕዚ ዘዋፅአና። ብዝተረፈ ሓደ ነቲ ሓደ ብዝኾነን ብዘይኾነን ጥርጣረታት እናሕደረ ምኻድ ኣየድልን። ክንገብሮ ዝግበኣና ኣብዚ ገይርና ኣለና፣ ዝቐረየ እንተሃለወ ንቐፃሊ ቓልሲ እኒሀ፣ ክሳብ ንሱ ዝኸውን ከዓ ተኣማሚንና ተረዳዲእና ክንኸድ ኣለና። ከም ኣነ ሐዚ ሰፊሕ ግልፅነት ዝተፈጠረ ‘ዩ ዝመስለኒ፣ ዝሕመ ዝነበረ ኩሉ ተዘሪቡ ወፂኡ እዩ። ብውልቀይ እውን ከም ሓደ ናይ ተሃድሶ ውፅኢት ገይረ ዝወስዶ ኣብ ሞንጎ እቲ መሪሕነት ዝተፈጠረ ግልፅነትን ምርድዳእን እዩ። 


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 959
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት ግንቦት 2009