የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4530386
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
309
2250
18425
4495290
45659
165145
4530386

Your IP: 54.198.108.19
2017-11-19 02:45

ባህላዊ ፀጋታት ኣተኣላልያ ጎንፂ ኣህጉርና

here we go
selam new

ቀዳሞት ወለዲ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ረብሓ ሰላም ብዝግባእ ስለዝተረደኦም ብዝተፈላለዩ መንገድታት እናገለፅዎ መፂኦም እዮም። ንኣብነት ናብ ርሑቕ ቦታ ንዝገይሽ ሰብ ብባህልና “ሰላም መንገዲ ይኹነልካ” “ብሰላም የእትኻ” ‘’ብሰላም ወፊርካ ተመለስ’’ ወዘተ ይበሃል። ካሊእ ይትረፍ ዕለታዊ ምንቅስቓስና እውን “ሰላም” ብዝብሉ ቃላት ዝተፀንበሉ እዮም። ንሰላም ካብ ዘለና ዓብይ ክብሪ ተፈልዮምና ዝነበሩ ሰባት ክንረኽቦም እንተለና እውን፣ ሰላም ዲኹም፣ ሰላም ዲኻ፣ ሰላም ዲኺ፣ ሰላም ውዓሉ፣ ሰላም ሕደሩ ወዘተ ምባል ዝፀንሐ ባህሊ ኢትዮጰያውያን እዩ። እዚ ድማ ወለድና ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ከም ባህሊ ብምውሳድ ንሰላም ክንደየናይ ዋጋ እናሃብዎ ምምፀኦም የርእየካ። እዚ ኮይኑ ግን ደቂ ሰባት ብዝተፈላለዩ መንገድታት ሰላሞም ክስእኑ ይኽእሉ እዮም። እቶም ቀንዲ መንቀሊታት ጎንፂ ግና ንዋታውን መንፈሳውን ከምዝኾኑ መፅናዕትታት የረድኡ። በዞም መንቀሊታት ጎንፂ ዝተልዓለ ብዙሕ ህውከት ዘሕለፈ ህዝቢ ረብሓታት ሰላም ብዝግባእ ይፈልጥ፣ የስተማቕር፣ ሰላሙ ከይዝረግ ሓላፍነቱ ይዋፃእ። ጎንፅታት ከይለዓሉ ኣቐዲሙ ይከላኸል። እንትለዓሉ ድማ ፍታሕ ንምንዳይ ሰላማዊ መእለዪ ይምህዝ። ምኽንያቱ ሰላም ኩሎም ፍጡራት ንኽህልውን ንኽቕፅሉን ዓንዲ ስለዝኾነ።

ኢትዮጰያውያን ይኹን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ካብ ጥንቲ ኣትሒዘን ጎንፅታት ከየጋጥሙን እንተጋጢሞም እውን ዝኣልያሉን ሜላታት ከምዘለወን ኣብቲ ዘፈር መፅናዕቲ ዘካየዱ ኣካላት የረድኡ። ይኹን እምበር ባዕዳውያን ወረርቲ ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ንኣህጉርና ኣፍሪካ ምስ ተመናጠልዋ ንዘበናት እናተጠቐምሎም ዝመፁ ዝተፈላለዩ ባህሊታት ዝዓነወሉ ኩነታት ክፍጠር ክኢሉ እዩ። ብዓይኒ ኣውሮፓውያን ኣፍሪካውያን ምንም ፍልጠት ዘይብሎም ድሑራት ተገይሮም ይቑፀሩ ስለዝነበሩ ልክዕ ከም ኣቕሓ ናብ ዕዳጋ ዓለም እናተጓዓዙ ይሽየጡን ይልወጡን ነይሮም። እዚ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪካውያን ዝበፅሐ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ኣብ ታሪኽ ኣይርሳዕን። ብዘይካ ኢትዮጵያን ላይቤርያን ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ኣውሮፓውያን ንኹለን ሃገራት ኣፍሪካ ወሪሮም ምስ ሓዙ ጥበብን ፍልጠትን ኣፍሪካውያን ዝዓረፎም ብዙሓት ንዋታውን መንፈሳውን ሃፍትታት ኣዕንዮም እዮም። ዝነበሩ ባህላዊ ምምሕዳራት ብናይቶም ወረርቲ ተተኪኡ። ቋንቋኦም ገዲፎም ቋንቋ ምዕራባውያን ንኽለማመዱ ተገዲዶም። ጎንፅታት እንተጓንፉ እናኣለይሉ ዝመፁ ሜላታት እውን እናተገደፉን እናተረስዑን ዝኸደሉ ኩነታት ነይሩ። ብዓብይኡ ድማ ነቲ ኣብ ኣፍሪካ ንሓያሎ ዓመታት ዝፀንሐ ስጡም ማሕበረሰባዊ ምትእስሳር ከላሕልሕዎን ክበጣጥስዎን ክኢሎም እዮም። ይኹን እምበር ኣውሮፓውያን ካብ ኣፍሪካ ምስወፁ እቲ ቀደም ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ናይ ባዕሎም ባህላዊ መእለዪ ጎንፂ ክጥቀምሉ ጀሚሮም።

ረብሓታት እዞም ፀጋታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብታ ኣህጉር ዝርከባ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ እውን መፅናዕቲታት ምክያድ ጀሚረን ኣለዋ። ካብተን ማእኸላት መፅናዕቲ ምእላይ ጎንፂ ኣፍሪካ ብምጥያሽ እናተንቀሳቐሳ ዝርከባ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ መቐለን ደቡብ ኣፍሪካን ተጠቀስቲ እየን። ክልቲአን ዩኒቨርሲቲታት ኣብ ፀጋታት ኣተኣላልያ ጎንፂ ሃገራት ኣፍሪካ ዝምልከት ሓቢረን ንምስራሕን ምርምራትን ንምስፋሕን ፈለማ ብዳይሬክተር ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ስነ ህዝቢ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብዶክተር ክንፈ ኣብርሃ ሓሳብ ቀሪቡ ተቐባልነት ረኺቡ። ካብዚ ቀፂሉ እቶም ኣብ ኣፍሪካ ዘለው ፀጋታት ኣተኣላልያ ጎንፂ ዝምልከት መፅናዕቲ ብምክያድ ውፅኢት እቶም ምርምራት ድማ ተጠሚሮም ዝግለፀሉ ዓለምለኸ ኮንፈረንስ ብሓባር ንኸካይዱ ሐዚ እውን ብዶክተር ክንፈ ኣብርሃ ሓሳብ ቐሪቡ። እቲ ሓሳብ ተቐባልነት ረኺቡ።

ብመሰረት እዚ ዩኒቨርሲቲ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ካባቢኡ ንዘለው ብሉፃት ባህላዊ ሜላታት ምእላይ ጎንፂ ብምፅናዕ ንኸቕርብ፤ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ድማ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝርከቡ ፀጋታት ምእላይ ጎንፂ ኣፅኒዑ ንኸቕርብ ተስማሚዖም። ኣብ ኣተኣላልያ ጎንፅታት ዝስርሑ ካልኦት ኣፍሪካውያን ምሁራን እውን ምርምሮም ንኸቕርቡ ፃውዒት ቀሪቡ። ብመሰረት እዚ ብኣተሓባባሪነት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ሚያዝያ 2009 ዓም ቀዳማይ ዓለም ለኸ ዋዕላ ፀጋታት ኣተኣላልያ ጎንፂ ኣፍሪካ ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ። ኣብቲ ኮንፈረንስ ኣብ ሜላታት ኣተኣላልያ ጎንፂ ኣፍሪካውያን ዝጥምቱ ልዕሊ 30 ዝኾኑ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቡም። ካብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲቲታት ኣፍሪካ ዝተወከሉ ምሁራት፣ ተወከልቲ ሕብራት ኣፍሪካ፣ ነዚ ጉዳይ ዝምልከቶም ተወከልቲ ዝተፈላለያ ሚኒስቴር ኣብያተ ዕዮ ኢትዮጵያ፣ ትካላት ምርምር ሰላምን ልምዓትን ብምስታፍ ኣብቶም ዝቐረቡ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ዓሚቕ ዘተ ኣካይዶም።

ኣብቲ ኮንፈረንስ ዝቐረቡ ፅሑፋት ከምዘመልክትዎ ባህላዊ ሜላ ኣተኣላልያ ጎንፂ ኣፍሪካ ምስ ናይ ምዕራባውያን እንትነፃፀር ዝበለፀ ኣሳታፋይ እዩ። እቲ ናይ ምዕራባውያን መንገዲ መእለዪ ጎንፅታት ግን ስሩዕ ቤት ፍርዲ ጥራሕ ስለዝኾነ ምስ ታሪኻዊ ኣመፃፅኣን ወድዓዊ ኩነታትን እታ ኣህጉር ዝሰማማዕ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ብምዕራባውያን ንኽትግበር ሒዞምዎ ዝመፁ መኤለዪ ጎንፂ እንተጋደድ እምበር መፍትሒ እንትኸውን ኣይረኣይን። ብዓይኒ ምዕራባውያን  ጎንፂ እንተጋጥም እቲ ጉዳይ ናይ ከሳሲን ተኸሳሲን ጎንፂ ገይርካ ዝውሰድ ኮይኑ ንኻሊእ ሰብ ከይሓወሰ “እንታይ ገደሸኒ” ኢሉ እዩ ሱኽ ዝብል። ኣብ መወዳእታኡ ድማ ሓዲኡ ተሳዓሪ ሓዲኡ ድማ ሰዓሪ ኮይኑ ይውዳእ።

ኣብ ባህላዊ ኣተኣላልያ ጎንፂ ኣፍሪካ ግን ፀገም እንተጋጥም ጉዳይ ክልተ ሰባት ጥራሕ ገይርካ ኣይውሰድን።  ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ እቲ ዝፍጠር ፀገም ንኻልኦት እውን ስለዝትንክፍ ጉዳይ ማሕበረሰብ እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ እዩ ዘሎ። ምኽንያቱ ጎንፂ እንትለዓል እቶም ዝበኣሱ ሰባት ጥራሕ እንከይኮኑስ ኩሉ እቲ ኸባቢ ማሕበረሰብ ከምዝኾነ ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ስነ ህዝቢ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዶክተር ክንፈ ኣብርሃ የረድኡ።

እቲ ካልእ ባህላዊ ሜላ ኣተኣላልያ ጎንፂ ኣፍሪካ ግልፅነት ዝተመልአ ምዃኑ እዩ። ኣብ እዋን ዕርቂ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ተኣኪቡ መን እንታይ ከምዝበደለ እናተዛተዩን እናተደማመፁን ሕብሕብኢተይ ብዘይብሉ ኣገባብ እዩ ዝካየድ። ስለዚ እዚ እውን ካብቲ ናይ ምዕራባውያን ሜላ ኣተኣላልያ ጎንፂ ፍልይ ዘብሎ ጥንኩር ጎድኒ እዩ። እቲ ካልእ መፍለዪ ባህሪ እዞም ኣብ ኣፍሪካ ካብ ውልድ ወለዶ እናተሰጋገሩ ዝመፁ ባህላዊ ሜላታት መእለይ ጎንፂ ብዙሕ ወፃኢ ዝሓቱ ኣይኮኑን። ናብ ኣብያተ ፍርዲ ምምልላስ፡ ንጠበቓታትን ንኻልእን እናተበሃለ ዝወፅእ ገንዘብ የለን።  ኣብታ ጥቓ ገዛኻ ኣብ ትርከብ እግሪ ኦም ህዝቢ ከባቢ ተኣኪቡ ብቐሊሉ ዝሳለጥ ኣሰራርሓ እዩ።

ኣብ ባህላዊ ሜላ ኣተኣላልያ ጎንፂታት ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ ነገር ኣብ መወዳእታ ሰዓራይን ተስዓራይን ዝብሃል ነገር ዘይምህላው እዩ። እቲ ሓደ ተስዒሩ ሕንን ኢሉ ተፀናትዩ ሕነ ዝፈድየሉ ኩነታት ኣይህሉን። ምኽንያቱ እቲ ከይዲ ዕርቂ ዓበይቲ ዓዲ እቲ ከባቢ ስለዝካየድ ንሳቶም ዝወድኡዎ ዕርቂን ዝመረቕ ምርቓትን ደፊሩ ዝጥሕስ ኣይህሉን። እንተድኣ ጥሒሱ ንነሓዋሩ ካብቲ ሕብረተሰብ ተገሊሉ ስለዝነብር ብባህላዊ መንገዲ ዝተወደአ ዕርቂ ፅኑዕን ዝለዓለ ተቐባልነትን ኣለዎ። ብተወሳኺ ባህላዊ መእለይ ጎንፅታት ኣፍሪካ ቀንዲ ዕላምኦም ውልቀሰባት ንምቕፃዕ ገይሮም ኣይብገሱን። ምዕራባውያን ኣተኣላልያ ጎንፂ ነቲ ጥፍኣት ዝፈፀመ ብምቕፃዕ ነቲ ካሊእ ናይ ምምሃር ኣካይዳ እዮም ዝኽተሉ። ኣብ ኣፍሪካ ዝካየድ ኣተኣላልያ ጎንፂ ግን እቲ ፀገም ብምፍታሕ ማሕበረሰብ ብሰላማዊ መንገዲ ንኽቕፅል ዝገብር እዩ። ስለዚ ውልቀ ሰባት ዝቕፅዕሉ መስርሕ ዋላ እኳ እንተሃለወ እቲ ቀንዲ ውራይ ኣተኣላልያ ጎንፂ ግና እቲ ዘጋጥም ፀገም ንሓንሳእን ንሓዋሩን ንኽደርቕ ዘግብር እዩ።

በዚ ምኽንያት እቲ ኣብ ኣፍሪካ ዝካየድ ባህላዊ ኣተኣላልያ ጎንፂ ካብ ዘበናዊ ናይ ምዕራባውያን ብዝበለፀ ጎንፅታት ኣፍሪካ ኣብ ምፍታሕ ዝለዓለ ተቐባልነት ኣለዎ። ሜላ ኣተኣላልያ ጎንፂ ምዕራባውያን ኣብ ኣፍሪካ ብዙሕ ተቐባልነት የብሉን። ስለዚ ኣፍሪካውያን በቲ ናይ ባዕሎም ንዘበናት እናተጠቐምሉ ዝምፁ ኣካይዳ ይመርፁ። እቶም ኣብ ኣተኣላልያ ጎንፂ ብዝምልከት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተገበሩ መፅናዕቲታት ከም ዘመላኽትዎ ካብቶም ዘጋጥሙ ሰለስተ ጎንፅታት እቶም ክልተ ብባህላዊ ሜላ ኣተኣላልያ ጎንፂ እዮም ዝፍትሑ። ንኣብነት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ንልዕሊ 600 ዓመታት ዘቑፀረ “ኣባ ገዳ” ብዝብል ዝፍለጥ ባህላዊ መተሓዳደሪ ስርዓት ኣሎ። ኣብ ትሕቲኡ ድማ ሓሙሽተ ጨናፍር ዘለዉ እንትኾኑ ካብኣቶም ጉማ ሓደ እዩ። ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ወገናት ጎንፂ እንተድኣ ኣጋጢሙ እሞ ሰብ እንተድኣ ሞይቱ ስድራ ቀታልን ተቐታልን ተኣኻኺቡ ብባህላዊ ስነ ስርዓት “ጉማ” ናይ መወዳእታ ዕርቂ ይፍፀም። ኣብዙይ ብቤት ፍርዲ ተወሲኑ እዩ ኢልካ ሱኽ ኣይበሃልን። ንኣብነት እቲ ሰብ ዝቐተለ ብቤት ፍርዲ 20 ዓመት ተወሲንዎ ተኣሲሩ ዋላ እንተተፈትሐ ብባህላዊ ስነ- ስርዓት “ጉማ” እውን ዕርቂ ክፍፅም ማሕበረሰባዊ ግቡእ ኣለዎ። እዚኣ እንተዘይገይሩ ግና ወይ ባዕሉ ወይ ድማ ካብ ዓልየት ምቕታል ኣይተርፎን። ስለዚ ከም “ጉማን” ካልኦትን ዝበሉ ኣብ ኣፍሪካ ዝርከቡ ባህላዊ መወገዲ ጎንፅታት ሐዚ እውን እንተኾነ ዝለዓለ ተቐባልነትን ተኣማንነትን ኣለዎም።

ኣብ ትግራይ እውን ንዘበናት እናተሰርሐሎም ዝመፁ ባህላዊ ሜላ መአለዪ ጎንፅታት ኣለው። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ሐዚ እውን እንተኾነ እናተተግበረ ዝረከቡ በቲ ማሕበረሰብ ዝለዓለ ተቐባልነት ዘለዎም ኣሰራርሓታት ኣለው። ንኣብነት ኣብቲ ዓለምለኸ ኮንፈረንስ ባህላዊ ኣተኣላልያ ጎንፂ ብሄረሰብ ኢሮብ፣ ከባቢ ወጀራትን ቀሪቦም ነይሮም።

እዞም ባህላዊ ሜላታት መእለዪ ጎንፂ ንዝተፈላለየ ዓይነታት ነናይ ባዕሎም መስርሕ ኣተኣላልያ ኣለዎም። ንኣብነት ኣብ መንጎ ቤተሰብ፣ ሓደ ብሄር ምስ ካልእ ብሄር፣ ሓደ ስድራ ምስ ካልእ ስድራ ጎንፂ እንትለዓል ክኣሊ መስርሕ ኣለዎም። ንኣብነት ህይወት ሰብ ኮነ ኢሉ ዘጥፈአ፣ ህይወት ሰብ እንከይሓሰበሉ ብኣጋጣሚ ዘጥፈአ፣ ኣካል ዘጉደለ፣ እንስሳ ዘቤት ኮነ ኢሉ ዝቐተለ፣ እንስሳት /ከፍቲ፣ ጤለ በጊዕ/ ብሸለልትነት ዝቐተለን ካልኦት ዝተፈፀሙ ገበናትን ዝተፈፀሙ ነናይ ባዕሎም ባህላዊ መቕፅዒ ደምቢ ኣለዎም። ሐዚ እውን ብደረጃ ኣህጉር ይኹን ሃገር እናተተግበሩ ይርከቡ።

ኣብ ቀፃሊ ኣብቲ ልዕሊ ኢሉ ዝቐረበ ጉዳይ ዝሐሸ ስራሕ ንምክያድ እቶም ዝቐረቡ ሰነዳት መፅናዕቲ ተመሪፆም ክስነዱ እዮም። ብተወሳኺ ምእንታን ምስቲ ዘበናዊ ሕጊ ኣወሃሂዶም ክሰርሕሉ ኣብ ምእላይ ጎንፂ ንዝሰርሑ ኣካላትን ንሓንፀፅቲ ፖሊሲ ሕጊን ከምዝወሃብ ዶክተር ክንፈ የረድኡ። ብዝበለፀ ድማ እቲ ሓዱሽ ወለዶ ጎድና ጎድኒ ስሩዕ ትምህርቲ ሕጊ ኣብ ባህላዊ መእለዪ ጎንፅታት ዘለዎ ግንዛበ እውን ንኽዓቢ ኣብ ስሩዕ ትምህርቲ ንኽካተት ክትትል ክግበር እዩ ።

ብሓፈሻ ሃገራት ኣፍሪካ እናተጠቐማሉ ዝመፃ ብርክት ዝበሉ ፀጋታት መእለዪ ጎንፂ ኣለወን። ነዞም ፀጋታት ኣብ ረብሓ ብምውዓል ንኣሻሓት ዓመታት ሰላመን ተረጋጊፁ ንኽነብር ኣኽኢሉወን እዩ። ነዞም ፀጋታት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምስ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ኣብ ባህላዊ ሜላታት ኣተኣላልያ ጎንፅታት ኣፍሪካ መፅናዕቲ ጀሚሩ ኣሎ። እዞም ባህላዊ ሜላታት ኣተኣላልያ ጎንፂ ምስ ዘበናዊ ሕጊ ተወሃሂዶም ኣብ ረብሓ ንኽውዕሉ ዘይተሓለለ ፃዕሪ እናካየደ ይርከብ። ስለዚ ሰላማዊ ዝተረጋግዐን ሙሉእ ቀልቡ ናብ ልምዓት ዝገብርን ሕብረተሰብ ንኽህሉ ልዑል ኣስተዋፅኦ ስለዘለዎ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ክቅፅል ይግባእ።


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 961
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010