የትግራይ ርእሰ መስተዳደር ክቡር አቶ አባይ ወልዱ ትግራይን ከጎበኙ ከሃገራችን 35 ዩኒቨርስቲዎች ከተውጣጡ የዩኒቨርስቲ ማህበረሰብ ጋር ያደረጉት ውይይት።

መንፈስ መስመር መንፈስ ህዝባውነት እዩ ሰዓራይ ዝገብር!

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

4530502
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
425
2250
18541
4495290
45775
165145
4530502

Your IP: 54.198.108.19
2017-11-19 03:03

ንወልቃይት ኪዱ!

here we go
selam new

እዋኑ፣ ብርሃን ወጋሕታ ዝረኸበ ሰማይ መቐለ ጨረር ፀሓይ ንኽዓርፎ ውሱን ሰዓታት እንትተርፎ እዩ። ርግዕ ዝበለ ኩነታት ኣየር መቐለ ምንባርካ የብህግ፤ ጥዕና የዋርስ። ነዚ ኩነታት እናስተማቐርና ዋና ቤት ፅሕፈት ምስንዳእ ጋዜጣ ወይን ዝብል ፅሑፍ ዝተሓንገጠ ነዊሕ ህንፃ ጉና ብኣንፈት ምብራቕ ካብ ጩራ ፀሓይ ተኸዊልና ናብ ሓደ ዋኒን ንምውፋር ተኣኻኪብና ኣለና። ጉዕዞና ናብ ማህፀን ቃልሲ፣ ከውሊ ኣረሜናዊ ስርዓት፣ ዓይነ ብርኪ ገድሊ፣ ማዕኸን ሽሻይ፣ ወላዲት ወየንቲ ኮታስ ታሪኽ ፅንዓትን ጅግንነትን ዘይነፅፋ ዞባ ምዕራብ ትግራይ እዩ። ናብ ሑቕፊ እታ ዞባ ቅድሚ ምእታውና ግና ኣብታ ወርቃዊት ወርሒ፣ ወርሒ ለካቲት ሽግ ሓርነት ክንውልዕ ምኽንያት ዝነበሩን፣ ደምን ዓፅምን ዝገበርናሎምን ታሪኻዊ ቦታታት እውን ኣካል ትዕዝብትና እዮም። ስለዝኾነ ኣብ ሰለስተ ተሽከርከርቲ ብሓደ መስመር፣ ብሓደ ፖለቲካዊ እምነትን ዕላማን ተሳፊርና ጉዕዞና ጀመርና።

ድሕሪ ጉዕዞ 50 ኪሎ ሜትር ካብ ሃገረ ሰላም ንኣንፈት ሰሜን ናብ እትርከብ ዓዲ ገዛእቲ ኣምሪሕና። ኣብቲ ጉዕዞና ንኣንፈት ደጉዓ ተምቤን ዝገበርናሉ እዋን ድማ እቲ ከባቢ ብማእኸላይ መጠን ሙቐት ፀሓይ ተቐቢሉ ኣተኣናጊዱና። ዓዲ ገዛእትን ህወሓትን ዝሓለፍዎ ህይወት ቃልሲ ፍሉይ ምሽጥሩ ንምርኣይ፣ ናብቶም ከም ዓለሞም በዓትታት ዘይኮኑ ኣፍ ከየውፅኡ ዝዛረቡ ኩርባታትን ሽንጥሮታትን ዓዲገዛእቲ ኣቲና።

በዓቲ ዓዲገዛእቲ ካብ 18 ነሓሰ 1981 ዓ/ም ክሳብ ሰነ 30/1983 ዓ/ም መዕቆብን መዋፈርን ህወሓት (ኢህወዴግ ዝነበረ ቦታ እዩ። እቶም ንኣንፈት ሰሜን ዝጥምቱ ክልተ በዓትታት ኣብ ውሽጦም ዝተፈላለዩ ክፍልታት ኣለዉዎም። እቲ ብኣንፈት ደቡብ ምዕራብ ዝርከብ ተጋዳላይ ሰብሓት ነጋ፣ ተስፋማርያም ገ/መድህን ኣለምሰገድ ገ/ኣምላክን ካልኦትን ወታደራዊ፣ ፖለቲካውን ኢኮኖሚያውን መሪሕነት ዝህብሉ ዝነበረ ቦታ እዩ። ነዚ ቦታ ሓሊፍካ ብኣንፈት ምብራቕ ዝርከብ ቦታ ድማ ኣመራርሓ ኢህወዴግ ዝነበርሉን ሰነዳት ዝዕቀብሉን ቤተ መዛግብቲ ይርከብሉ።

እቶም ኩሎም ክፍልታት፣ ነቲ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተዘሪኡ ኣረሜናዊ ተግባራቱ ዝፍፅም ዝነበረ ስርዓት ደርግ ዝድምስስ ወታደራዊ መሪሕነት ዝህንደሰሎም ፖለቲካዊ ብልሒ ተጋደልቲ ዝህነፀሎም ማእኸላት እዮም። ካብ ተባዕ ህዝባ ሓሊፉ፣ እምባን ኩርባን፣ ሽንጥሮን ሩባን ዝዋገአላ ትግራይ ካብ ካልኦት ከባቢ ብዝተፈለየ ከመይ ተሓርዩ ዝብል ሕቶ ብልጭ ኢሉና። ነዚ ብዙሓት ተዛመድቲ ምኽንያታት ዋላ እኳ እንተሃለዉዎ ዓሚቕን ዝተሸፈነን ምስ ምዃኑ፣ ካብ ንውሑዳት ብፆት ሓሊፉ ንብዙሕ ህዝቢ ዝኣክል ኣቕርቦት ማይ ብምህላዉን እዩ። እቲ ዝዓበየን ንካልእ ወለዶ ዝተርፍን ወርቃዊ ምኽንያት ግና ህዝቢ ዓዲ ገዛእቲ ሽሕ ከም ሓደ ሰብ ኮይኑ ነቲ ቃልሲ ብምሽጥር ዓቂቡ ምውቕ ሕቑፊ ቃልሲ ህወሓት ምዃኑ ብምርግጋፁ እዩ። ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ካብቲ ቀለም ዘይፀገበ ዕሸል ጀሚሩ ህዝቢ ዓዲገዛእቲ ተጋደልቲ እንትንቀሳቐሱ “ሪአ ነይረ” ኢሉ ንኻልእ ምንጋር ክሕደት ዝመስለሉ እዋን እውን ነይሩ። ነዚን ካልእን ዝርዝር ዛንታታት ዓዲ ገዛእቲ ኣዳሚፅና። ኣብ ቅድሚ ወሃቢ ሓበሬታ ዓይኖም ዘፍጠጡ መቕረፅታት ድምፅን፣ ብፅሞና ዝከታተላ ዝነበራ ኣእዛን፣ ተዓዘበትን ዕረፍትን ኣኺሉ። ሙቐት ፀሓይ እናመረረ እንትኸይድ፣ ዝተሳፈርናለን ተሽከርከርቲ ጣብያ ዓዲ ገዛእቲ ንኣንፈት የማን ገዲፈን ንቅድሚት ተሓንበባ። ፈላማይ ምዕራፍ ጉዕዞና ኣብ ከተማ ሽረ ብንገብሮ ፃንሒት ዕረፍቲ ተዛዘመ።

ዳግማይ ፅንዓት በረኻታት ወልቃይት

ኣብ ሃይሃይታ ልምዓት ዝተፀመደት ከተማ ሽረ ኣጋ ወጋሕታ ብሓያል ድምፂ ተሽከርከርቲ ካብ ድቃሳ እንትትነቅሕ ንቀፃሊ ጉዕዞና ተዳለና። ቀንዲ ዕላማና ጉዳይ ፋብሪካ ሽኮር ንምድህሳስ እዩ። ብመንገዲ ኣስፋልት ዝወቀበ መንገዲ ንርሕቐት ኪሎሜትር እቲ ጉዕዞ ከየዘከረና ምድሪ ወልቃይት ረገፅና። ወረዳ ወልቃይት ከም ቀደማ ብጫካ ተሸፊና፣ መሕብኢት ሸፋቱን ማእኸል ስግኣትን ኮይና ኣይረኸብናያን። የግዳስ ኣብ ሰጣሕ መሬት ንምድሪ እታ ወረዳ ተቐኒቱ ብዝተዘርገሐ መንገዲ ኣስፋልት ተሓንበብና። መስመር ህወሓት ሎሚ እውን ከም ትማሊ ኣኻውሕ ዝበስዕ፣ ኣኽራናት ዝጨድድ መንገዲ ብሩህ ተስፋን ልምዓትን ምዃኑ ካብቲ ዝተጉዓዝናሉ መንገዲ ተገንዚብና። ኮይኑ ግና ነቲ ካብ መታሕት ኣንቃዕሪርካ ዝረአ እምባ ጨዲዱ መንገዲ ክሰርሕ ዘይከበዶ በዓል ስልጣን መንገዲ ኢትዮጵያ እኹል ስፍሓት ዘለዎ መተሓላለፊ ውሑጅ ኣብ ምስራሕ ዝዓቀቦ ይመስል። ምኽንያቱ ካብቲ ጎቦ እናፈረሰ ብሓመድን ደንጎላን ዝድፈን መንገዲ ብምህላዉ ንመጓዓዝያ ኣፀጋሚ ክገብሮ ከም ዝኽእል ንማንም ግልፂ እዩ።

ነቶም እናኸድና እንዕዘቦም ፀጋታትን ፀገማትን ብመንፅር ትማልን ሎምን እናመዘንና ጉዕዞና ቀፀለ። ሕድሕድ ታባን ኩርባን፣ ሰጣሕ መሬትን ሩባን ምስ ገድሊ ህወሓት ዝተኣሳሰረ ዛንታ ኣለዎ። እቲ ዛንታ ኣልዒልካ እምበር ተንቲንካ ስለዘይውዳእ ቆፀሮ ሒዝና ብዓበይቲ ኣእዋም ዝማዕረገ ሰጣሕ ሜዳ ሓሊፍና ናብ ፋብሪካ ሽኮር ወልቃይት ኣተና። እቲ ፋብሪካ ብብርክት ዝበሉ መኽበርቲ ፀጥታ ዝተኸበበን ፅኑዕ ሓለዋ ዝግበረሉን እዩ። ነዚ ዘድሊ ፍተሻ ድሕሪ ምክያድ ብኣንፈት ምዕራብ ናብቲ ህንፀት ዝካየደሉ ቦታ ኣተና።

እቲ ከባቢ ኣካል ክፃወሮ ዘይኽእል ነዳድ ሙቐት ኣለዎ። ካብቲ ኣፍ በሪ እቲ ፋብሪካ ንኣንፈት ምብራቕ ዘሎ ሰፊሕ መሬት ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ብከበድቲ ማሽናት ተዓጂቦም ኣብ ሃይሃይታ ስራሕ ተፀሚዶም እንትሰርሑ ይረኣዩ። ሓይሊ ሙቐት ከይበድሆም ኣብ ጫፍ ነዋሕቲ ዝተተኸሉ ሓፃዊንን ህንፃታትን ተንጠልጢሎም ዝብይዱ ቻይናውያን፣ ኳሕ ቶርኳሕ፣ ፂፅ ምፂፅ ዝብል ድምፂ ማሽናት ነቲ ከባቢ ዕንፅራር እንትገብርዎ ንእዝኒ ኣይኩርኩሕን። ምኽንያቱ ተራ መናወፂ ድምፂ ከይኮነስ እቲ ድምፂ ድምፂ ልምዓትን ቀፃሊ ተስፋ ትግራይን ምዃኑ ሓሲቡ ንዘዳምፆ ኣብ ልቢ ዝፈጥሮ ደረት ኣልቦ ሃሴት ኣሎ።

ስለዝኾነ ኣፈፃፅማ  እቲ ፋብሪካ ዛጊድ በፂሕዎ ዘሎ ብርክን መግለፂ ንምሃብ ምክትል ኣካያዲ ስራሕ ፕሮጀክት ፋብሪካ ሽኮር ወልቃይት ኣይተ ሃይለ ገብረመድህን ተቐቢሎምና። ብዛዕባ እቲ ፋብሪካ መብርሂ ንምሃብ ምድላው ገይሮም ምፅንሖም ድማ ፍሽኽታ ገፆምን ኣቀባብላኦምን ተዓዚብና። ድሕሪ እዚ ካብቲ ተዓዘብቲ ዝተኣከብሉ ንኣንፈት ምብራቕ ኣብ ዝርከብ በሪኽ መድረኽ ደው ኢሎም መብርሂኦም ቀፂሎም፤ “ፕሮጀክት” ልምዓት ሽኮር ወልቃይት ህንፀት ግድብ ዛሬማ፣ ልምዓት ቃንጫ ሽኮር ወልቃይት ከምኡ እውን ህንፀት ማእኸል ፋብሪካ ሽኮር ወልቃይት ዘካተተን ብልዕሊ 30 ቢልዮን ብር ዝህነፅ ዘሎ  ፕሮጀክት እዩ። ኣብ ልዕሊ 50 ሽሕ ሄክታር መሬት ቃንጫ ሽኮር ብምልማዕ ብመዓልቲ 30 ሽሕ ቶን ሽኮር ከፍሪ ድማ ትፅቢት ይግበር። እቲ ፋብሪካ ኣብ 2008 ዓ.ም ውዕሊ ተኣሲርሉ ህንፀት ዝጀመረ እንትኸውን ብልዕሊ 647 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ 42 ኣዋርሕ ኣብ 2011 ዓ/ም ክዛዘም ትልሚ ኣለዎ። እዚ ፋብሪካ ካብ ዝወነኖም ዓበይቲ ቴክኖሎጅታት ስዒቡ ዝሰጋገር ፍልጠት ብተወሳኺ ምሉእ ብምሉእ ህንፀቱ ምስ ተዛዘመ 80 ሽሕ ንዝኾኑ ወገናት ዕድል ስራሕ ክፈጥር ትፅቢት ኣሎ። ነዞም ልዕል ክብሉ ዝተዘርዘሩ ሓቅታት ዘዳመፀ ዑደተኛ ወግዑን ትኹረቱን ንዕኡ ገይሩ በቶም ሓቅታት ተደመመ። በዚ ድማ ብሕሱም ሙቀት ኣብ ግንባሩን ገፁን ዘንጠብጥብ ረሃፅ ትኹረት ኣይገበረሉን። ዑደተኛ ካብዚ ዝገደደ ሙቐት ዛሬማ ከም ዘሎ እናሓሰበ ንኣንፈት ምብራቕ ተሓንበበ።

ዛሬማ፣  ህይወት ኣእላፋት ክትቅይር ታሪኽ ዝዓደላ

ናብ ግድብ መይደይ ዛሬማ ብኣንፈት ሰሜን ምዕራብ ኣቲና። ካብቲ ዋና ግድብ ንኣንፈት የማን ነቲ ከባቢ ንእሽተይ ከተማ ዘምስልዋ ዘመናዊ ጎጆታት ተኸቢባ ኣላ። ሰራሕተኛታት እቲ ግድብ ህንፀት እቲ ግድብ የሳልጥ ብዘሎ ብሱር ኮንስትራክሽን ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ተዓጂቦም ኣብ ፅዑቕ ወፍሪ ተፀሚዶም ይርኣዩ። ኣብ ማእኸል እቲ ስፍሓት ዘለዎ ድልድል ንዘሎ ምልኢት “ኮንክሪት” ዘሳልጡ ቻይናውያን ሰራሕተኛታት ኣለዉ። ካብ ዝሓዝዋ ስራሕ ወፃኢ ብየማነ ፀጋም ዘሎ ምንቅስቓስ ኣይጉዳዮምን። ህርኩትነቶም ኣዝዩ መቕነኣይ እዩ። ካልኦት ሰራሕተኛታት እውን ካብዚ ኣፀቢቖም ዝተምሃሩ ወይ ድማ በቲ መስርሖም ዝተገዝኡ ይመስሉ። ዝኾነ ሰራሕተኛ ቅንዕ ኢሉ ሓላፊ መንገዲ ዝርእየሉ ቅፅበት የለን። ንዝኾነት ሰከንድ ናይ ባዕላ ዋጋ ሂቡ ዝሰርሕ ሰራሕተኛ ምህላዉ ኣብቶም ዓበይቲ ህንፃታት እቲ ፋብሪካ ዝብይዱ፣ ዝቕጥቕጡ፣ ዝኣስሩን ዝቕይሱን ሰራሕተኛታት ብሓያል ድምፂ ተሰንዮም ብኣርባዕቲኦም ኣንፈታት ይጓየዩ። ምኽንያቱ ግዜ ዝልካዕ ብገንዘብ ከይኮነስ ብህይወት እዩ።

እቲ ኣብ 2004 ዓ/ም ዝጀመረ ፋብሪካ ርኢኻን ዘይርካን ዘይውዳእ፣ ኣብ ሰፊሕ ሜዳ ዝዓረፈን ማእለያ ዘይብሉ መዋእለ ንዋይ ዝፈሰሰሉ ሃፍቲ እዩ። ብዛዕባ ምጉታት ህንፀት እቲ ፋብሪካ ኮፍ ኢሉ ዘውሪ ዝኾነ ኣካል ብኣካል ምስተዓዘበ ምዝራብን ምስራሕን ዘለዎ ኣፈላላይ ተዓዚቡ ምሓነኸ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎን እቲ ዝውረን ዘመላኽተና ንሱ ስለዝኾነ።

ዑደተኛታት ብፃምእ ማይ ከናፍሮም ታህፊፉ ሙቐት ዝፃወርሉ ዓቕሚ ዋላ እኳ እንተስኣኑ ዋኒንና ስለዘይተወድአ ግና ብፅንዓት ምጉዓዝ ግድን ነይሩ። ካብ ሰራሕተኛታት እቲ ፋብሪካ ዝተምሃርናዮ ፍቕሪ ስራሕን ህርኩትነትን እውን ሓቦ ኣስኒቑና፤ ድሕሪ እዚ ጉዕዞና ናብቲ ዋና ኣካል እቲ ፋብሪካ ዝኾነ ግድብ መይደይ ዛሬማ ቀፀለ። ከባቢ ሰዓት ሸሞንተ ምስኮነ ድማ ግድብ መይደይ ዛሬማ ኣቲና። ኣብዚ ከይዲ ኣብ ልዕሌና ዝዓርፍ ሙቐት ፀሓይ፣ ልዕሊ ዓቐን ሓይሊ ኣለዎ። ኣካላት ሰብነት ብሓያል ሙቐት ፀላዕላዕ እንትብል ኣብ ሓደ ቦታ ንደቓይቕ ምፅናሕ ዓቕልኻ የፅብብ። ግን ድማ ብኣንፃሩ ነዚ ሙቐት ዘረስዑ ዓበይቲ ሓቅታት እቲ ግድብ ስለዘለዉ ኣዕንቲና ናብ ወሃቢ ሓበሬታ ተኺልና ነቲ ዝነበረ ፀገም ረሲዕናዮ። 

ኣብ ማእኸል እቲ ግድብ ተኣኪብና ሓቅታት እቲ ግድብ ነዳምፅ ኣለና። እቲ ግድብ 154 ሜትሮ ልዕሊ ፀፍሒ ባሕሪ ብራኸ ዘለዎ፣ ምዝሯቕ ማይ ንምክልኻል “ኣስፋልት ኮርድ” ዝበሃል ስትራክቸር ዝተሃነፀሉ፣ ሰለስተ ነጥቢ ሽዱሽተ ቢልዮን ኲዩቢክ ሜትር ማይ ዝሕዝ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ “ማይ ካብቲ ግድብ ንኣንፈት ምብራቕ ንድሕሪት ተመሊሱ 27 ኪሎ ሜትሮ ምስ ሸፈነ 9‚000 ሄክታር መሬት የልምዕ። ናብ ስራሕ እንትኣቱ ከዓ 75 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ብዘለዎ መትረብ እናተጓዓዘ 50 ሽሕ ሄክታር ቃንጫ ሽኮር ከልምዕ ይኽእል” ዝብል ብስራት እንትንሰምዕ ካብቲ ግድብ ንኣንፈት ምብራቕ ዘሎ ዓረበይታ መሬት ድሕሪ ዓመታት ምድራዊ ገነት ኮይኑ ብዓይነ ሕልናና ኮለል በለ።

 ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ግድብ ብሙልኢት ሓመድ ዝስራሕ ዘሎ እንትኸውን ካብ ኣፍሪካ ቀዳማይ ደረጃ ዝሓዘ ምዃኑ ምስተረዳእና ድማ ታሕጓስና ሰማይ ዓረገ። እቲ ዝዓበየ ብስራት ዝተፈላለዩ ፈተናታት ትምክሕቲ  ሓሊፉ ብርኪ ህንፀቱ ዛጊድ 90 ምኢታዊ  በፂሑ ምህላዉን ኣብ ወርሒ ጥሪ 2010 ዓ.ም ዝዛዘምን ምዃኑ እዩ። ህንፀት ግድብ መይደይ ዛሬማ እንትዛዘም ካብቲ ዝዕቀብ ማይ ክሳብ 30 ምኢታዊ ዝኸውን ጥራሕ ንልምዓት ሽኮር ይውዕል። እቲ ዝተረፈ ሃፍቲ ማይ ባሕሪ ኮይኑ ዝቕመጥን ንልምዓት ሃፍቲ ዓሳ፣ ፍራምረ፣ ልምዓት ሃፍቲ እንስሳ ከምኡ እውን መስሕብ ቱሪዝም ግልጋሎት ዝውዕልን እዩ። እዚ ኩሉ ሓበሬታ እንትነዳምፅ ነቲ ግድብ ኣብ ምህናፅ ዝተዋፈራ ዓበይቲ ዶዘራት፣ ሓመድ ካብትን ናብትን ዘመላልሳ መኻይን ፅዕነትን ማሽነርታትን ስራሐን ኣየቋረፃን። ንሕና እውን ሕድሕድ ሓቂ ምስቲ ኣብ ባይታ እናተሰርሐ ዝራኣናዮን ዘሎን ተግባር እናዛመድና ስለዝተረዳእና ሃገርና እተመዝግቦ ዘላ ዓበይቲ ለውጥትታት ከየስደመመና ኣይተረፈን። እዚ ኩሉ ብሳላ ክቡር መስዋእቲ ጀጋኑ ዝመፀ ፍረ እዩ። ብሳላ 20 ግንቦት።

በዓቲ ደጀና፣ ፅላል ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ

19 ግንቦት ኣጋወጋሕታ እዩ። ዓዲ ረመፅን ህዝባን ካብ ምድቃሱ ተበራቢሩ መዓልቲ ዕዳጋ ንምስላጥ ዝሸባሸበሉ ዕለት እዩ። ሰራሕተኛታት ወይን እውን እቲ ዝሓደረ ሓያል ድኻም ከይዛረየልና መዋፈሪ ህወሓት ናብ ዝነበረ በዓቲ ጣብያ ደጀና ንምጉዓዝ ኣብታ ከተማ ተኣኻኸብና። ድሕሪ እዚ ኩሉ ሰራሕተኛ ብመንፈስ ሕጉስ ኮይኑ ኣብ ሰለስተ ተሽከርከርቲ ተሳፊሩ ጉዕዞኡ ቀፀለ። ኣካል እቲ ዑደት ዝኾኑ ጋዜጠኛታት ዓሺገምዎ ዝነበሩ ካሜራ፣ መዘክርን ካልኦት መሳርሕታቶምን ኣውፂኦም ኩነታት እቲ ዑደት ክስንዱ ጀመሩ። ድሕሪ ናይ 30 ደቓይቕ ጉዕዞ ድማ ናብ ጣብያ ደጀና ኣብ ዘምርሕ መንገዲ ኣስፋልት ደው ኢልና ብእግርና ኣንቆልቆልና።

ጣብያ ደጀና 26 ዓመታት ንድሕሪት ተመሊስና እንትንዝክር ዘይተገንፀለ ዓብዪ ማህደር ታሪኽ ቃልሲ ህወሓት ዘለዎ ቦታ እዩ። ካብታ ጣብያ ንኣንፈት ምብራቕን ደቡብን ዝርከቡ  ንወታደራውን ፖለቲካውን መራሕቲ ህወሓት ሓቑፎም ዝሓብሐቡ እምባታት ልዕሊ እቲ ግርማ መጎሶም ዝኸብድ ዛንታ ኣለዎም። ካብቲ ብደገ ዝተላበስዎ ሓምለዋይ ፅባቐ ዝደምቕ ታሪኽ ውዕሎ ተጋድሎ ኣብ ውሽጦም ኣሎ። ልዕሊ ኩሎም ኣካል ቃልሲ ዝኾኑ ተፈጥሮታት ድማ ዛንታ በዓቲ ደጀና ከም ዝኾነ ጎሊሁ ይንገር።

በዓቲ ደጀና ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ወልቃይት ዝርከብ ካብ 1978 ዓ.ም ጀሚሩ ንከባቢ ሰለስተ ዓመት ማእኸል መዋፈሪ ህወሓት ዝነበረ እዩ። ንኣንፈት ምብራቐ ዝጥምት መቐመጢ ተኣከብቲ ዝውዕል ደረጃ ኣለዎ። ካብቲ ደረጃ ንኣንፈት ምብራቕ ኣብ ዘሎ ዓሙቕ ቦታ መራሕቲ መድረኽ ይኹን መደረ ዘካይድ ኣካል ንኩሉ ዕዱም ብቐሊሉ ንምቁፅፃር ዘኽእሎ ታሪኻዊ ቦታ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ወኒንዎ ዘሎ ቅርፂ ብሓይልን ፅንዓትን ህዝቢ ዝተሃነፀ እዩ።

ብመሰረት እዚ ኩላትና ኣብቲ ደረጃ ተቐሚጥና ሓደ በሊሕ ኣመሓዳሪ ጣብያ ደጀና ዝትንትኖ ታሪኽ፣ ዘስምረሉ ፖለቲካዊ ሓይልን ዘነፃፅሮ ልምዓትን ነዳምፅ ኣለና። ኣይተ ተፈራ ወንዴ እዩ ዝበሃል። ኣብ የማናይ ማእገሩ ዝተሓንገጦ ከላሽንኮቭ ዝዓይነቱ ብረት ተሸኪሙ ዓቐብን ቁልቁልን እንትወርድ፣ ዘለዉ ፀጋታት ልምዓት ብመንፅር መበገሲ ሕቶታት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ እናነፃፀረ እንትትርኽ ወያናይ ፅንዓቱ ኮለል ኢሉ የርእየካ። “ነቲ መዋፈሪ ህወሓት እንትትሓርዮ ህዝቢ ደጀናን ከባቢኣን ንህወሓት ዝነበሮ ፍቕሪ ዝወለዶ እዩ” ዝብል ኣገላልፃኡ ንፅንዓት እቲ ህዝቢ ብድምር እንትገልፆ ንፖለቲካዊ ብስለትን ትንታነን ዝነኣደ ሰራሕተኛ ድሙቕ ጣቕዒት ለገሰሉ። ኣስዒቡ ህዝቢ ወልቃይት ንነዊሕ ዘመናት ሒዝዎ ዝመፀን ዝተቓለሰሉን ትግራዋይነት ንምድንጋር ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ደላዪ ሰላም ዝኾነ ህዝቢ ይቃለሶን ንዝደናገሩ ውሑዳት ሰላማዊ ብዝኾነ መንገዲ ናብቲ ንቡር ኣተሓሳስባ ንምምላስ ፃዕሪ እናተኻየደ ዕዉት ብዝኾነ ኣገባብ ከም ዝተፈፀመን ቀፃሊ ፃዕሪ እውን ከም ዝሓትትን መብርሂ ድሕሪ ምሃብ እቲ ዑደት ተዛዚሙ።

ፀሓይ ናብ ምዕራባዊ ኣንፈት እንትተንቆልቁል ጉዕዞና እውን ንምዕራፍ ኣንፈት ኣመረሐ። ዛጊድ ዝመፃእናዮ መንገዲ ደረጅኡ ዝሓለወ መሰረተ ልምዓት እዩ። በዚ ኣቢልና ዝዛወንናዮም ቦታታት ትግራይ ዘመን ከይገደቦ ብቅብብል ወለዶ ዝስራሕ፣ መመሊሱ ዝድገም ታሪኽ ጅግንነትን ልምዓት ዘለዋ፣ ካሕሳ ሕሱም መስዋእትን መርሸንትን ሰላም፣ ዴሞክራስን ልምዓትን እተስተማቕር ዘላ ክልል ምዃና ብተግባር ርኢናዮ። ቅድሚ 26 ዓመታት ብደም ጥማዕ ታሪኽ ዝፍለጡ በረኻታት፣ እምባታትን ሽንጥሮታትን ትግራይ ብልምዓት  ታሪኽ እንትድግሙ ዋሕዚ ታሪኽ ጅግንነት፣ ፅንዓትን ሓድነትን ትግራይ ካብ ህዝቢ ሓሊፉ ኣብ ቦታታት እውን ዝተደገመ ክሳብ ዝመስል ትድመም። ነዚ ዘደምም ታሪኽ መመሊሱ ክዕምብብ ድማ ግደ ኩሉ ፈታዊ ሰላምን ልምዓትን ብምዃኑ ዋርድያኡን ሰብ ዋናኡን ክንከውን ይግባእ። ሰላም ንዓኺ ትግራይ!


alena ember where do we

''እዚ ብኽያትኪ ልዕሊ ሞት እቲ ጥየል እዩ'' ናይ ክልል ኢትዮጵያ-ሶማሌ ርዕስ ምምሕዳር

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 961
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት መስከረም 2010