እዋናዊ ቃለ-መሕትት ምስ ኣቦ መንበር ህ.ወ.ሓ.ት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ሼር/ላይክ

ተኸታተልቲ

5196327
Today
Yesterday
This Week
Last Week
This Month
Last Month
All days
3780
3331
23690
5145598
100385
128136
5196327

Your IP: 54.80.189.255
2018-05-25 23:59

ኩላ መሬት ኣብ ምዓልኣ ትውዓል

here we go
selam new

ክልተ ኣብ ክሊ 25 ዓመት ዝርከቡ መናእሰይ እዮም። ኣብ ግንባር ሆቴል ኣክሱም ዝርከባ እንዳቡናታት ኮፍ ኢሎም ብዛዕባ እቶም ዝህነፁ ዘለዉ መሰረተ ልምዓታት ነቲ ዜጋ ፈጢሮምዎ ዘለዉ ዕድልን ስለ መፃኢ ብሩህ ተስፋ እዛ ሃገርን የዋግዑ ነይሮም። ብፍላይ ድማ ብዛዕባ እቶም

ብሽም ኢንቨስትመንት ቦታ ተቐቢሎም እንተየልምዑ ቦታ ሓፂሮም ኮፍ ዝበሉን ኣብ ስራሕ ዘለዉን ትካላት ኣዕሚቖም የውግዑ ነይሮም። ኣብዚ ከይዲ ወግዖም እናሃለዉ እምበኣር እዩ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጎድኒ ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ዝርከብ ብህንዳውያን ሰብ ሃፍቲ ዝተጣየሸ “ቬሎሲቲ” ዝበሃል ፋብሪካ ጨረቃ ጨርቂ ዘልዓሉ። እቲ ሓደ መንእሰይ “ቬሎሲቲ” እባ ንምንታይ እዩ እዚ ኩሉ ቦታ ሓፂሩ ሒዝዎ ዘሎ? እቲ ፋብሪካ ተሰሪሕዎ ዘሎን እቲ ዝሓፀሮን መሬት እንትርአ ሰማይን መሬትን እዩ፤ ኣይራኸብን። እንታይ ዝገበረ ሓረስታይ እዩ ካብ ሕርሽኡ ዘፈናቕልዎ ኢሉ ይሓትት። እቲ ካልኣይ ትቕብል ኣቢሉ “ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብመራኸብቲ ሓፋሽ ክመሓላለፍ ከም ዝሰማዕኽዎ ቬሎሲቲ ብ250 ሚልዮን ዶላር መበገዲ ካፒታል ስራሕ ዝጀመረ ግዙፍ ትካል እዩ። ብርግፅ እቲ ዝሰርሖ ክልተ ሼድ ብድምሩ ኣብ 10,000 ካሬ ሜትር ወይ ድማ ሓደ ሄክታር ዝዓረፈ እዩ። ስለዚ ‘ኣብ ሓደ ሄክታር ንዝዓርፍ ሼድ ንምንታይ 11 ሄክታር ተዓደሎ’ ዝብል ሕቶ ክለዓል ይኽእል እዩ” እንትብሎ እቲ ሓደ መንእሰይ ትቕብል ኣቢሉ “እወ ኣነ እውን እኮ ንሱ እዩ ዝገርመኒ” ክብል መሊሱሉ። እቲ ካልኣይ መንእሰይ ግን “መንግስቲ ክንድኡ መሬት እንትህብ ነቲ ሕዚ ንሪኦ ዘለና ሼድ መስርሒ ጥራሕ ኣብ ግምት ኣእትዩ ኣይኮነን። እቲ ፋብሪካ እኮ ካብ ምፍራኽ ጡጥ ጀሚሩ ክሳብ ዓለባ ዘፍርን እቲ ዝፈረየ ዓለባ እውን ብዝተፈላለየ ቅዲ ኣሰፋፍያ ሰፍዩ ንወፃኢ ብምልኣኽ ሸርፊ ወፃኢ ዘምፅእን እዩ። ንቐፃሊ እውን እቶም ቁርፅራፅ ጨርቃ ጨርቂ ናብ ፍርናሽ ዝቕይር ፋብሪካን ከምኡ እውን ነቶም ዝዳለዉ ክዳውንቲ መዐሸጊ ዝኾን ካርቶንን ዘፍሪ ፋብሪካ ክኽፈት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ነቲ ዝምዝገብ ዘሎ ስሉጥ ኢንቨስትመንት ሃገርና እታወት ዝኾን ሓፂን (ስቲል) ዘፍሪ ፋብሪካ ኣብ ውሽጢ ክኸፍት ትልሚ ኣለዎ” ኢሉ የብረሀሉ። እቲ ምኽንያት ከምኡ ምዃኑ ምስ ነገሮ እቲ ሓደ መንእሰይ አሀ ለካ ከምኡ እዩ ኣነ እማ ንሱ ስለዘይተረደኣኒ እዩ፣ ንምንታይ እዩ ተሓራሲ መሬት ዝባኽን ዘሎ ዝብሎ ዘለኹ ኢሉ ይምልሰሉ። እቲ ካልኣይ መንእሰይ ግን እቲ ሓቂ ከምኡ ስለዝኾነ ሕዚ ስራሕ ጀሚሩ ኣሎ። ብምባል ኣስዒቡ ድማ፣ ፋብሪካ ዓለባ ቬሎሲቲ እቶም ተወሰኽቲ ፋብሪካታት ሓዊሱ ህንፀቱ ምስ ዛዘመ ክሳብ 15000 ሰራሕተኛታት ክቆፅር ዝኽእል ግዙፍ ትካል ምዃኑ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ከይዲ ህንፀቱ እናሃለወ 610 ሰራሕተኛታት ብምቁፃር በቢወርሑ 90 ሽሕ ቲሸርትን 33 ሽሕ ጅኒስን ምፍራይ ጀሚሩ ምንባሩ ተወሳኺ መብርሂ ሃቦ። ጉዳይ ዘየድሊ መሬት ሒዞም ዘየልምዑን ዝሓዝዎ መሬት ብኣግባቡ ኣልሚዖም ካብ ንባዕሎም ሓሊፉ ንህዝብን መንግስትን ተጠቀምቲ ዝገብሩ ኢንቨስተራት ወፃኢን ውሽጢ ዓድን ኣለሊኻ ብናይ ስራሕ ውፅኢቶም ክንቀፉን ክምስገኑን ከም ዝግባእ ብምሕባር ዘረብኡ ኸምበተ መንክር ካብ መቐለ


alena ember where do we

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 3

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 2

መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 1

ኣውርድ መፅሄት ክልሰ ሓሳብ ህወሓት 1

ወይን ብፒዲኤፍ

ኣውርድ ጋዜጣ 977
ፍሉይ ሕታም መፂሄት
አውርድ መፅሄት ለካቲት 2010